ነጸብራቕ/ስንጽውት(riflection) ካልኣይ ክፋል

ነጸብራቕ/ስንጽውት(riflection)
ካልኣይ ክፋል
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ኩቡራት የሕዋት፣ኣብ ቀዳማይ ጹሑፍና ነጸብራቕ/ስንጸት(riflection) ብዛዕባ ደሞክራሲ፣ደቂ ሰባት ነቲ ናቶም ክኸዉን ዝግባእ ስልጣን፡ማለትሲ ደሞክራሲ = ስልጣን ናይ ህዝቢ፣ብሓጺር ወይ ጹሟቕ ጥምሮ-ሓሳብ ገሊጽና ነይርና። ከምኡ ዝተፋላለየን በቢ ዓይነቶም ምሕደራ ክህልዉ ከም-ዝኽእሉ’ዉን ሓቢርና ነይርና።
እቲ ከነማሓላልፎ ዝደለና ወይ-ውን መልእኽትና፣ቀንዲ መግለጺ ደሞክራሲ ፈሊጥና ኣብ ኩሉ ዓይነት ጥርናፈናን ምትእኽኻብናን ውድባትናን ስርዓተ ደሞክራሲ ክንጥቀም፣ካብዚ ኣጋባብ ተሞክሮ ልምምድን ብምጥቃም፡ነቲ ብዓቢኡ እንቃሎሶ ዞሎና ፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕጊ ሓጋዚ ጥራይ ዘይኮነስ እምነመሰረት እዩ’ዉን ዝኸዉን።
ካብዚ ዝነቐለ ነቲ ጀሚርናዮ ዝነበርና ሓጺር ትምህርቲ ሓዘል፣ነጸብራቕ/ስንጸት(riflection)ብምቕጻል፣ን ብደቂሰብ  ዝፍጠር ዘይንጹር/ኣዳናጋሪ ኣጋላልጻ ወጺኢና፣እቲ ኩዉን ኮይኑ እንርእዮ ስንጸ-ሓሳብ ደሞክራሲ፡ኣዚዩ ቀሊል/ፈኲስ ገይርና ከይንርድኦ ምእንቲ ብፍላይ፡ብውልቀ-መላኺ፣ ኑግሳውያን፣ ተክኖክራት፣ ኣሪስቶክራት ተኦክራት፣ወዘተ.. ዝትከሉ ስርዓትታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ትርጉም ዘይ-ደሞክራሲ ምሕደራ ገይርና እንሓስቦ ክንሁሉ ንኽእል ንኸዉን፡እንተኾነ ከምኡ ኣይኮነን ብሽም ደሞክራሲ ዝገዝኡ ወይ ዘመሓድሩ ኣለው እዮም፡፡ንምርድኡ ክልተ ሕቶ ነቕርብ፡ ሀ) ኣየኖት መሳሪሒ/መጋበርያ ይጥቀሙ ንኽገዝኡ/ከማሓድሩ? ለ)መን እዩ ህዝቢ? ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታ ክንምልስ ይግባእ።
ብሓፈሻ/ብርሒብ ኣዛራርባ ‘’መንግስቲ’’ ዝተፋላላዩ ዕማማት/ስርሓት ዝሓዘ ምዃኑ ምፍላጡ ኣገዳሲ ይኸዉን። እቲ ሕግታት ዘጽድቕ፣ማለትሲ ብሓባር ዘንብረካ ግዝኣተ-ሕጊ ዝስንድ ንምምሕዳር ዝጠቕሙ ዓንቀጸ-ሕግታት ዘጽድቕ፣ናይ ሃገር/ውድብ ቅርጻ ፖለቲካ ዘትሕዝ፡ንስርሓት ፈጻሚ ኣካልን ናይ ዝተፋላለዩ ትካላት ዝካታተል፣ እቲ ዝዓበየ ግደ ዘለዎ፣ኣብ ሓደ ሃገር ከምኡ ውድብ ክባሃል ይካኣል።
ታሪኽ ከም ዝምህረና እዚ ዝተፋላለየ ሓላፍነት ኣብ ሓደ ሰብ ከም ንጉስ ወይ ጨቋኒ/መላኺ/ድስቡጣዊ ክም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ከም ዝነበሩ ኣነጺሩ እዩ ዝሕብረና።ምስ ግዜ ብቓልሲ ህዝብታት መልክዑ እናለወጠ፣መሰል ደቂ ሰባት ዝሕለወሉ ክጋሃዱ ጀሚሮም። መንግስቲ ቁቡል ክኸዉን ኣብ ሰለስተ ኣካላት ዝተኻፋፈለ ወይ ሰለስት ዓንድታት ዝተሰረተ ክኸዉን ከሎ እዩ ዝብል ሓሳብ ክዓዝዝ ጀሚሩ። ነዚ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ ዝበለ ኣብ 1748 ሓደ ሞንተስኲ(Montesquieu)ክኸዉን ከሎ ገይና ኣብ ግዜና’ዉን ዓዚዙ እንክታዓሉ ዛዕባ እዩ።
ደሞክራስያዊ መንግስቲ፡ሓጋጊን፣ፈጻሚን፣ፈራዲ ኣካላት ዝሓዘ ክኸዉን ኣለዎ፣ነዚ ሰለስተ ዓንድታት እንተዘይ ሃልዮም ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክባሃል ኣይካኣልን ስለ-ዝኾነ ኢና ደጋጊምና እነስምረሉን ንጹር ገይርና ክንርእዮ ኣሎና እንብልን።እምብኣርከስ ሓደ ህዝቢ ከምኡ ኣባላት ናይ ሓደ ውድብ ቀንዲ መሰርሕ ናይ ሓደ መንግስቲ/ ምምሕዳር ንሕጊ ዘጽድቕ(ሓጋጊ ኣካል)፣ምምሕዳር ዘካይድ ኣካል(ፈጻሚ-ኣካል)፣ተኻታታላይ ስራሓትን ንብረትን ንዋትን(ፈራዲ ኣካል ኣብ ሃገር፣ኦዲተር ኣብ ውድባት)ብጉቡኡን ብሙዱቡን ክትርጉማ ከም ዘለወን ምስ ዝግበር ጉዑዞ ደሞክራሲ ይካናወን ኣሎ ክብሃል ዝካኣል፡፡
ብዛዕባ መሳርሕ ደሞክራሲ ሰፊሕ መግለጺ ክዋሃብ ይካኣል እንድዩ፡በቢግዚኡ እቶም ኪኢላታት/ሰብ ሞያ ዜጋታትና ነናቶም ራኢን ትንታኔን ክህቡ እና-ዓደምና፣ፍልጠትና ክዓብን ብጉቡእ ክህነጽን ከም ዘድልየና ዝስሓት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልስና ዘጥረናዮ ናይ ልቃሕ ስነ-ሓሳብ፣ነቲ ባህልን ልምድን እምነትን፣ ናብራ ሂወትን፣እንዳባ ግዝኣተ-ሕጊን ህዝብና ሰይሩ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዞሎና ድስቡጣዊ ስርዓተ ጉጅለ ህግደፍ ዘሳጋገረናን፤መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ፍልጠት ድንቁርና፣ክንዲ ትምህርቲ ዕስክርና፣ኮታ ወተሃደራዊ ባህርን ባህልን ንምሓዝ ሳዋ ኢሉ ዝማሃዘ ስርዓት ብቐሊል መገዲ ኩሉ መስርሕን ኣጋባብን ደሞክራሲ ክትርድኦን ክትፈልጦን ዘይካኣል ምዃኑ ብሩህ ክኸዉን ይግባእ።
ጥልቕ ዝበለ ርእሰ ነቐፈታ ክንገብር እንተኺኢልና እቶም ኣብ ኩሉ ዉዱባት ደምበ ፍትሒ እንዋሳእ ዘበልና፣ ብሓቂ-ዶ ንደሞክራሲተረዲኢና ፍትሕን ግዝኣተ-ሕጊን ኣብ እንገብሮ ውድባታትና ነዘውትር? እዛ ሕቶ እዚኣ ንሰውነትና ክንሓታ ኮሎና፤ብሓቂ ከምቲ ዝግብኦን ክኸዉን ዘለዎን ኣይጥቀማሉን እየን ዝብል መልሲ እዩ ዞሎና። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ኩለን ውድባት ባይቶ፣ፈጻሚ-ኣካል ተቋጻጻሪት ዝብል ቅርጻ ትሪኢ ኢኻ። ነዚ ዓይነት ቅርጺ ንምብጻሕ ብጉባኤ ኣቢለን ከም ዝሓልፋኦን፣ ኣብ መሰረት ውዳበኤን ካብታ ንኡስ ጨንፈር ጀሚርካ ኣብ ጨንፈር ዞባ ስጋብ ዓለምለኻዊ ውዳበ’ዉን መስርዑ ሒዙ ዝመጽእ ኣጋባብ ይኽተል፡፡
እዚ ዓይነት ኣጋባብ ኣማጻጽኣ ኣብ ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ኣሳራርሓ ክባሃል ይካኣል ይኸዉን፤ኮይኑ ግን ብወገና(formaliy) ወግዓውነት ደኣምበር እቲ ናይ በሓቂ ሕጋውነት ከብሎ ኣይካኣልን ፣ምኽንያቱ ኣብ ጉባኤታቱ እቶም ሰለስተ ኣካልት ሓጋጊ-ኣካል ካቡኡ ፈጻሚ ኣካል፣ ኦዲተር(ተካታተሊ ስርሓትን ንብረትን) ዝሓዘ ቅርጺ ሒዙን ስርሓቱ ብደምቢ ኣነጺሩ ስለ ዘይወጸእ ዝብል ግምት ኢና በጺሕና፡፡
ስለምንታይ ካብቲ መሰረት ሒዝካ ስጋብ እቲ ዝላዓለ ጉባኤ ውድባት እቲ ልክዕ/ቀንዲ ዓንዲን ኣጋባብ/መስርሕ ደሞክራሲ ስለ ዘይጥቀሙ ወይ ዘይኽተሉ፡እዚ ኩሉ ምትእኽኻብ ምፍንጣሕ ዝርአ ምስክሩ እዩ። ኣብ ደሞክራሲ ብዙሑነት ኣብ ሓድነት ዝተሰረተን ንኹሉ ዝጓነፍ ግርጭታት ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ ዝፈትሕን፣ንይ ሓሳባት ፍልልይ መሀብተሚ እምበር ኣጸጋሚ ምስ ዘይሓስብን፣ኣብ ምኽእኣል ምርድዳእን እንካን ሃባን ዝርዳእ እቲ ዋና መስርሕ ደሞክራሲ ዝርዳእ ክኸእዉን ይግባእ። እቲ ዝገርመካ እቶም ክታሓላለዉ ዘለዎም ኣካላት መሪሕነት ሓጋጊ ፈጻሚ ኦዲተር በቲ ጉቡእ መስርሕን ኑጹር ኣጋባብ ስለ ዘይቆሙን ስርሓቶም ንጹር ዘይምዃኑን ዘስዓቦ ኩነት ኮይኑ ይርኣየና፡፡
ዝተሓላለወ ኣጋባብ መስርሕ ዲሞክራሲ(balance)ሚዛናት ምዕሩይ መደብን ስራሓትን ክካየድ ከሎ እምበር እቲ ሓጋጊ ፈጻሚን እተሳማምዕሉ ንዕኦምን ስርሓቶም ዝካታተል ምስ ዝመርጹ መስርሑ ዝሳሓተ/ዘይሓዘን ክኸዉን ዘይቡሉን እዩ።እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ብቐሊል ክፍታሕ ዝኽእል ግርጭት ናብ ግጭት ተለዊጡ ምፍልላይ ዘየድሊ ህልኽ ብምእታው ኣብ ነንሕድሕድካ ብምክሳስ ኣነ እየ ቁኑዕ ኣነባ ክንብል ኣብ ዘይውጽእ ህልኽን ሞጎታዊ ውግእ ሕድሕድ ተጸሚድካ ንውልቀ መላኺ ከይፈለጥካ መሳራሒ ትኸዉን።
እቲ ዝኸፍአ ነቲ ጸገም ንስኻ ክነስኻ ኣብ ውሽጥና እዚ ከዳዕን እከይን ዱስቡጣዊ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፣ኣብ ሞንጎና ኣትዩ ፋሕ የብለና እናበልካ ምዝማር’ዩ ዝገርመካ።ስለዚ እቲ ቀንድን መሰረት ጉድለት ንሕና ተሰኪምናዮ ዝመጻእና ስንጸ-ሓሳብ ወይ ዝቐመስናዮ ዘይባህልና ናይ ባዕዲ ኮሚኒስታዊ ስነ-ሓሳብ፣ዘጥረናዮ ቅርሕንትን ጽልእን ጌና ኣብ ደምና ሰሪጾም ፈውሲ ዘይረኸብናሎም ዓበይቲ ሕማማት እዮም።
እዚ ናይ ደምበ ፍትሒ ካብ ብረታዊ፣ናብ ደሞክራስያዊ ቃልሱ ዝቐጸለሉ፡ዕድሚኡ፣ካብቲ ድስቡጣዊ ስርዓት ስልጣን ምስ ሓዘ ክኸዉን ከሎ፣እዚ ዘይኑቡር ውልቀ መላኺ፣ነቲ ህዝቢ ብደሙን ዓጽሙን ከስኪሱ ዘምጽኦ ናጽነት ብረፈረንድም 99.8% ዘራጋገጾ ክነሱ፣ ኣብ ዘየድሊ መንቀራቕሮ ብምእታው፣ነቲ ካብ ንእስነቱ ዝሓልሞ ዝነበር፡ንምትግባር ድልየት ህዝቢ ጠዉዩ ወይ ካብ መስመር ዝወጸ ኣጋባብ ብምኽታል እዚ እንርእዩ ዝጸናሕና ዞሎናን ተዋስኦ ተዓዚብናን ንዕዘብ ኣሎና፡፡ ብወገን ንፍትሕን ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን እንቃለስ ኣካላት ባእታታት ናይ ሓባር ባይታ ክህልወናን፣ብሓደ ቃል ብምዝራብ ተስማዕነት ኣብ ባይቶታት ዓለም ክነርክብ ዘይበዋዕና፣ገይና እቲ መሰረታዊ ዘራሓሐቐና ግብርታት ክንስዕሮ ዘይምኽኣልናን፣ቀዳምነታት ክንሰርዕ ዘይምግባርናን ብሓጺር ኣዛራርባ ንገዛእ ርእስና ደሞክራስያውያን ፍትሓውያን ክንኸዉን ዘይምብቃዕና ዘራጋግጽ ጥራይ ዘይኮነ ለውጢ ካብ ሰውነትና ከም ትጅምር’ዉን ዝተቐበልናዮ ኣምር ኮይኑ ኣይስማዓናን፡፡
ኩቡራት የብሕዋት ፍትሒ፣ሰላም፣ውህደት፣ምኽኻኣል፣ሕድገት ወዘተ… ኣብ ገዛኻ እየን ዝጅምራ፤ዝብል ራኢ ኣሎና። ስለዚ ኣ-ኣብ ውድብና ምንቅስቓስና ሰልፍና፣ንጀምር ንምቅርራብ ዝጠቅም ነድፊ ነውጽእን ሓቢርና ንምስራሕ ቁሩባት ንኹን፣ ፖለቲካ በቲ ጉቡእ ትርጉሙ ንሓዞ፣እናበልና ናብ ዝመጽእ የራኽበና።
ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
ኣቕረብቲ፡ ፍትዊ ክፍለ ምስ ቡዙ ቡቱኞሊ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.