መስራቲ ጉባኤ ባይቶ ይኣክል ሽወደን

መስራቲ ጉባኤ ባይቶ ይኣክል ሽወደን
26-27 ጥቅምቲ 2019 ስቶክሆልም ሽወደን
መስራቲ ጉባኤ ይኣክል ሽወደን ቀዳማይ መዓልቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ኩለን ከተማታት ሽወደን ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ጉባኤ መደባቶም ሰሪዖም ስርሓቶም ፈጺሞም። ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ምስ ዕዱማትን ህዝብን ብዛዕባ ተደላይነት ጥርናፈን መኸተን መሰልን፡ ነፍስኻ ምኽኣልን ዝተፈላልየ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።
ብኣሕዋት ኣርሀ ሓምድ ናካን ሙሴን ኤፍሬምን ተኻይዱ። ከምኡ’ውን ዶ/ር ሙስጣፋ ብዛዕባ ኤርትራ ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶን ሃገራዊ ፍርያትን ሰፊሕ መግልጺ ኣቅሪቡ። ብተወሳኺ ሓፍትና ኤልሳ ብዛዕባ ንቅሎ ኣደታት ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መግለጺ ኣቅሪባ።
ካልኣይ መዓልቲ ሰንበት ዕለት 27 ጉባኤ ቀጺሉ ባይቶ ይኣክል ሽወደን መሪሕነት ንምምራጽን፡ ንድፊ ዓንዲ ሕጊ ማሕበርን ኣሰራርሓን ንምውሳን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደሉ፡ ዓሚቕ ክትዕ ዝተኻየደሉ መዓልቲ ነበረ። ድሕሪ’ዚ ከኣ መሪሕነት ቆይሙ ምስ ወድአ ከም’ቲ ብዕለት 26 ዝተኻየደ መስርሕ ብኣስተምህሮ ዝተሰነየ ጽምብል ዘዛሚ መደባት ተስሪዑ ብዙሕ ህዝቢ ሃንቀውታ ዝሕደሩ ነበረ።
ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ ብዙሓት ፍሉጣት መንእሰያት ደረስቲ፡ ስነ ጥበባውያን፡ ስነ ጽሑፍ፡ ደረፍትን፡ ከምኡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዝነጥፉ ጋዜጠኛታት ዝተረኽብሉ፡ Radio Erena: Aan: Tv Sened ከምኡ ካልኦት ስም ግዱሳት ደቂ ሃገር ዝተረኸብዎን፡ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገር ጣልያን መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ብፍሉይ ክጥቀሱ ካብ ዝኽእሉ ፍሉይን ዕዙዙን ንዋዕላ መስራቲ ጉባኤ ይኣክል ሃገር ሽወደን ድምቐት ንምሃብ ዝተሳተፉ ምንባሩ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣልዒልዎ ዘሎ ጭርሖን መስርሕን ኣብ መወዳእታ ክበጽሕ ዝካየድ ዘሎ ምልዕዓል ህዝቢ’ውን ዘመልክት’ዩ።
ዜና ሓበሬታን
ውድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ
27 ጥቅምቲ 2019
You must be logged in to post a comment.