ልኡኽ ወድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ስምፖዚዩም ኤሪ ፎርም

ልኡኽ ወድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ስምፖዚዩም ኤሪ ፎርም
ኣቶ ሱሌማን ሑሴን ሓላፊ ወ/ጉ ቤ/ጽ ውሓዲለ ኣብ ስምፖዚዩም
ውድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝቀረበሉ ዕድመ ወኪሉ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቤ/ጽ ኣቶ ሱሌማን ሑሴን ኣብ’ቲ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ብ Eri Forum ዝተኻየደ ሲምፖሲዩም ተካፊሉ።ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ሲምፖሲዩም ኣቶ ሱሌማን ሑሴን ዘቅረቦ ጽሑፍ ስዒቡ ይቀረብ።
ስላም ከመይ ትኾኑ።
እንቋዕ ከኣ ገጽ ንገጽ ኣረኣኣየና። ብመጀምርያ ኣብዚ ስለዝተዓደምኩን ምስ ኤርትራውያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን ተራኺበ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ሓሳባተይ ከካፍልን፡ ዝተፈላለዩ ካልኦት ሓሳባት ከኣ ክሰምዕን ዕድል ስለ ዝሃብኩሙኒ ንኤሪፕላትፎርም፡ ብፍላይ ከኣ ንዋና ኣካያዲኣ ንኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ከመስግን ይደሊ። ንስካትኩም’ውን ሓሳባት ምልውዋጥ፡ እሂን ምሂን ምባል ኣገዳሲ እዩ ኢልኩም ብምእማን ድኻምኩም ከይጸብጸብኩምን ግዜኹም’ውን ሰዊእኩም ኣብዚ ተረኺብኩም ዘለኹም ኣሓትን ኣሕዋትን ዘለኒ ምስጋናን ኣኽብሮትን ክገልጽ ይፈቱ። ብድሕርዚ እምበኣር ኣብቲ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ክኣቱ። እቲ ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ ዕልማናዊ ሲቪካዊ (secular civic) ሃገረ መንግስቲዶ ናይ ትሕተ ሃገራዊ መንነት (sub national identities) ሃገረ መንግስቲ ዝብል እዩ። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘለኒ ሓሳብ ምቕራብ ቅድሚ ምጅማረይ ግን ሓደ ርዱእ ክኾነለይ ዝደልዮ ነገር ክጠቅስ ይፈቱ። ንሱ ድማ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ኮይነ ዘቕርቦ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ሓሳባት’ዚ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ መበገሲ ክኾነና ብምባል ዘቕርቦ ዘለኹ ደኣምበር ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ክኢላ ኮይነ ወይ ድማ ካባኹም ዝያዳ ፍልጠት ሃልዩኒ ኣይኮነን። በንጻሩ እኳ ደኣ ካብ ሓሳባትኩም ብዙሕ ክመሃር ምዃነይ እየ ዝፈልጥ። ነዚኣ ድሕሪ ምባለይ እምበኣር ኣብ ኣርእስተይ ክምለስ። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልኩዎ፡ እቲ ዝተወሃበኒ ኣርእስቲ ዕልማናዊ ሲቪካዊ ሃገረ መንግስቲዶ ወይስ ጉጅለኣዊ መንነታት መሰረት ዝገበረ ሃገረ መንግስቲ ዝብል እዩ። ብኻልእ ኣዘራባ ድማ ንዜግነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ መንግስቲዶ ወይስ ንጉጅለኣዊ መንነታት መሰረት ዝገበረ ሃገረ መንግስቲ እዩ ክበሃክል ዝኽእል ይመስለኒ። ኩላትና ከም ዝፈልጦ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ብፍላይ ድማ ካብ እዋን ናይ ጥንታውያን ግሪኻውያን ስልጣኔ ጀሚሩ፡ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስርዓተ መንግስታት ኔሮምን ኣለዉን እዮም ከኣ። ምስ ም ዕባለ ወድ ሰብ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶትል ንህይወት ወድ ሰብ ከምዚ ክብል ይገልጽ፡ Eeach man’s life has a purpose and that the function of one’s life is to attain that purpose. He explains that the purpose of life is earthly happiness or flourishing that can be achieved via reason and the acquisition of virtue. ናይ ነፍሲ ወከፍ ወድ ሰብ ህይወት ዕላማ ኣለዎ፡ ስለዚ ድማ ተልእኾ ወድ ሰብ ነቲ ዕላማ እቲ ምርግጋጽ እዩ። ክገልጾ እንከሎ ድማ ዕላማ ናይ ህይወት ምድራዊ ደስታ እዩ ወይ ድማ ብምኽንያትን ብጽቡቕ ስነ ምግባርን ዝርከብ ዕብየት እዩ ይብሎ። ኣሪስቶትል ንወድ ሰብ እውን ይገልጾ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፡ወድ ሰብ ብተፈጥሮኡ ብሕብረት ዝነብር ፍጡር ወይ social animal እዩ። ስለዝኾነ መነባብሩኡ ወይ ህይወቱ ብቕሳነት ክመርሕ ክኽእል ናይ ግድን ስርዓተ ምሕደራ የድልዮ። ስለዝኾነ እዩ ድማ ብዛዕባ እቲ ነዚ ድልየት’ዚ ንምምላእ ዝሓሸ ዓይነት ስርዓተ ምሕደራ ወይ ድማ ብኻልእ ኣጸዋዋዓ መንግስቲ ብዛዕባ እንብሎ ምዝራብ ኣድላዪ ዝኽውን። ኣብቲ ዝምልከተና ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ ክንምለስ እምበኣር፡ ንዜግነት መሰረት ዝገበረ ወይ ድማ በንጻሩ ንጉጅለኣዊ መንነታት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ መንግስቲ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ ኢልና ምሕታት ከድልየና እዩ። ናይ ክልቲኦም ስርዓታት መሰረታዊ ፍልልይከ እንታይ እዩ?
2
ቅድሚኡ ግን ዜጋ ማለት እንታይ ማለት እዩ ኢልካ ምርኣይ ከድልየና እዩ። ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ኸኣ ዜጋ ማለት ኣካል ናይ ሓደ ልዑላዊ ሃገር ምዃኑ ብሕጊ ዝፍለጥ ውልቀ ሰብ ማለት እዩ። እቶም ዜጋታት ናይ ሓደ ልዑላዊ ሃገር ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ከኣ ዝተፈላለየ እምነት ወይ መበቆል ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዚኦም ከኣ ዝተፈላለዩ ጸፍሕታት ናይ መንነት ክኾኑ እንከለዉ ዜግነት ከኣ ናይ ኩሎም እቶም ብሓባር ካብ ምንባር ዝተፈጠረ፡ ናይ ሓባር ስነ ልቦና ዘለዎም ሓባራዊ ፖለቲካዊ መንነት እዩ። ንዜግነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ መንግስቲ እምበኣር፡ ነቶም ካልኦት ናይ ሃይማኖት፡ ይኹኑ ናይ ዓሌት ወይ ናይ ከባቢ ወይ ቋንቋ ወይ ናይ ጾታ ወይውን ካልእ መንነት ዘኽብር ግን ከኣ ንሓዲኦም መሰረት ዘይገበረ ወይ ብኻለ ኣዘራርባ ድማ ንኹሎም ብማዕረ ዝር ኢ፡ ብኹሎም ከኣ ብማዕረ ዝረኤ ስር ዓተ መንግሲ እዩ ማለት እዩ። ንዜግነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ መንግስቲ ወይ ስርዓተ ምሕደራ ዘድልየና እቲ ናይ ቋንቋ ይኹን ወይ ናይ ዓሌት: ናይ ሃይማኖት ይኹን ወይ ናይ ጾታ ወይ’ውን ናይ ከባቢ ድሕረ ባይታ ብዘየገድስ ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝርኢ: ብኹሎም ዜጋታት ከኣ ብማዕረ ዝረኤ: ኩሎም ዜጋታት’ውን ብማዕረ ከም ናቶም ጌሮም ዝርእይዎን ዝሕብሕብዎን ዝከላኸልሉን እቲ እንኮ ስርዓተ መንግስቲ ንሱ ስለዝኾነ እዩ። ኣብዚ ብመሰረቱ ብዛዕባ ስቴት ለጂትመሲ ወይ ቅቡልነት ሃገረ መንግስቲ ኢና ንዛረብ ዘለና ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ዜጋታት፡ ድሕረ ባይቶኦም ወይ ፖለቲካዊ ዝንባሌኦም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ከም ናቶም ጌሮም ዝሪኡዎ ሃገረ መንግስቲ ምህላው ማለት እዩ። ብሓጺሩ እምበኣር ስቪክ ስቴት ማለት ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መንነት ዝምስረት ስርዓተ መንግስቲ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገረ መንግስቲ ከኣ ናይ ግድን ሴኩላር ወይ ዕልማናዊ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብዚ ምናልባት ንእግረ መንገደይ ጥቕስ ኣቢለዮ እንተሓለፍኩ ጠቓሚ ዝመስለኒ: እቲ ኣብ ድምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ብዝያዳ ዝገነነ ዝመስል፡ ብዛዕባ ዜግነትን መንነትን ዝግበር ክርክር እዩ። እቶም ዋናታት ናይዚ ክርክር’ዚ: ውልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት: ዝስሕትዎ ኮይኑ ዝስማዓኒ ጉዳይ ግን መንነት ክበሃል እንከሎ ዝተፈላለየ ጸፍሒ ዘለዎ ናይ ደቂ ሰባት መግለጺ ምዃኑ እዩ። ንኣብነት ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ እንተወሲድና: ብዘይካቲ ሓባራዊ ኤርትራዊ መንነቱ: ካልእ ናቱ ዝኾነ መግለጺ ናይ መንነት ኣለዎ። እዚ መንነትዚ ከኣ ካብቲ ዝውሉደሉ ዓሌት ወይ ዝኣምነሉ ሃይማኖት ወይ ዝነብረሉ ከባቢ ዝወርሶ መንነት ክኸውን ይኽእል። በዚ እንተወሲድናዮ እምበኣር’ውን ዜግነት ኣብ ሓደ ናይ ሃገር ብምንባር ዝፍጠር ስነ ልቦና ዝመግለጹኡ ፖለቲካዊ መንነት እዩ ክበሃል ይከኣል። ስለዝኾነ ድማ ብናተይ እምነት እቲ ዜግነት በይኑ እዩ: መንነት ከኣ በይኑ እዩ ዝብል ሞጎተ ድኹምን ብዙሕ ርሑቕ ከኣ ዝይከይድን እዩ። በንጻሩ ክልቲኡ መንነት ኮይኑ እቲ ሓደ ሓባራዊ እቲ ሓደ ከኣ ናይ ውሱን ጉጅለ እዩ እንተበልና እዩ ዝሓሸ ዝኸውን። ኣብዛ ሎሚ ንነብረላ ዓለም ከኣ እተን ኣብ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ዝቖማ ሃገራት ዘይኮነ እተን ንዜነትን ንዜግነት ጥራይን ከም ምንጪ ናይ መሰላትን ግቡኣትን ምዃኑ ኣብ ቕዋመን ዘስፈራ እየን እተን ዝያዳ ሰላም ዝሰፈነን ዝበልጸጋን ዝማዕበላን: ህዝበን ከኣ ጽቡቕ መነባብሮ ይነብር ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኡ ሓሊፈን ነቶም ኣብ ሃገሮም ሰላም ስኢኖም ዝስደዱ ደቂ ሰባት’ውን ከዕቁባ በቒዐን ንሪኤን ኣለና። ናይዚ ኸኣ ካባና ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፡ ሓደ ንዜግነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ መንግስቲ ብልጫታቱ ኣየኖት እዮም፡ ምእንቲ ክህልውከ ክማልኡ ዝግበኦም ቅድመ ኩነታት ኣየኖት እዮም ዝብል እዩ። ብወገነይ ምስ ኩነታት ኤርትራ ኣዛሚደ ሰለስተ ነጥብታት ከቕርብ ክፍትን እየ። እቶም ዝበልናዮም ስርዓተ መንግስታት፡ ማለት ናይ ዜግነትን ናይ ጉጅለኣዊ መንነታትን፡ እቲ ሓደ ቀጥታ ተጻራሪ ኣብተን ናይቲ ሓደ ስለዝኾኑ፡ ንክልቲኡ ኣብዘን ሰለስተ ነጥብታት ከጠቓልል ክፍትን እዩ። ዝጎደለ ኸኣ ብናትኹም ሓገዝ ኣብቲ እነካይዶ ሓቢርና ንምለኦ ዝብል እምነት ኣለኒ።
3
- ዕልማናውነት ወይ Secularism፡ኣብ ኩነታት ሃገርና እንተ ተመሊስና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓተ መንግስቲ፡ሃገርና ሰላም ዝሰፈና ሃገር ንኽትከውን ይሕግዝ: ንትግባረ ግዝኣት ሕጊ ምቹእ ሃዋህው ይፈጥር: ማሕበራዊ ፍትሒ ክሰፍን ይሕግዝ: ንሃገራዊ ሓድነት የደልድል: ነቲ እንዳ ማዕበለ ዝኸይድ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ከኣ ኣብ ዘተኣማምን ናይ ቀጻሊ ምዕባሌ መስመር የቐምጦን ክምዕብልን ክሕይልን ከኣ ምቹእ ሃዋህው ይፈጥር። እዞም ዝበልናዮም ጉዳያት እንተ ተረጋጊጾም ከኣ: ድኽነት ስዒርካ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ፍትሕን ምርግጋጽ ቀሊል ይኸውን። ብቅዋም እትመሓዳደርን ልዕልና ሕጊ ዝሰፈናን ዲሞክራስያዊትን ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምምስራት ሕልምና ድማ ጋህዲ ክኸውን ይኽእል።ኣብ መንጎ መንግስትን ናይ ሃይማኖት ትካላትን ንጹር ፍልልይ ክህልው ይግባእ። ከም ልምዲ ደኣ ሃይማኖት ይለዓል እምበር፡ ኣብዚ ዝኾነ ካልእ ጉጅለኣዊ መንነት መሰረት ጌሩ ዝቖመ ትካል ዘጠቓልል እዩ። እዚ ክግበር ዝግባኣሉ ብዙሕ ምኽንያታት እኳ እንተ ሃለዉ: ሓደ መሰረታዊ ምኽንያት ኮይኑ ዝስመዓኒ: ምናልባት ከምቲ ብዙሓት ዝሰግእዎ ሃይማኖታዊ ወይ ኤትኒካዊ ትሕዝቶ ወይ ቃና ዘለዎ መንግስቲ ከይህልወና ጥራይ ዘይኮነ: እዞም ትካላት እዚኦም እውን ካብ ናይ መንግስቲ ኢድ ኣእታዊነት ነጻ ንክኾኑ ውሕስና ስለዝህብ: ንሳቶም ድማ ማለት እቶም ዝበልናዮም ትካላት ካብ መንግስቲ ነጻ እንተ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ ተኸተልቶም ዝሓሸ ተኣማንነትን ቅቡልነትን ስለዝህልዎም: እዚ ተኣማንነት እዚ ድማ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣወንታዊ ግደ ንክጻወቱ ስለዝሕግዞም እዩ። እዚ ንጹር ፍልልይ እዚ ድማ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከምዘይጥቀመሎም ይገብር። ኣብዚ ከየስመርኩሉ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ንሃይማኖት ከም ሓደ ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ከምቲ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ: ንሽሙ ዕልመናዊ መንግስቲ ዝበሃል: ኣብ ተግባር ግን ንድላዩ ሃይማኖት ዝኽልክል ነቶም ክኽልክሎም ዘይከኣለ ሃይማኖታዊ ትካላት ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእቲዩዎም እዩ ዝርከብ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ኩነታት ኣብያተ ክርስትያናትን ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝተኣሳሰሩ ናይ ኣውቃፍ ትካላት ኣብ እንታይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከምዝርከቡ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ዝርዝር ምእታው ዘድሊ ኣይመስለንን።እዩ። ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ከኣ ዕልማናዊ ዘይኮነ: እንተላይ ንትካላት ሃይማኖት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሓፋሽ ውድባት ዝቐየረ ስታሊናዊ ስርዓት እዩ ክበሃል ዝከኣል። እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ንመንግስቲ ኣየርብሕ ንትካላት ሃይማኖት እውን ዘየርብሕ እዩ፡ክድገም ከኣ የብሉን ጥራይ ኢና ክንብል ዝግባኣና። መንግስቲ ንሃልኪ ዕልማናዊ እየ እንዳበለ ብሑጋ እንዳኣተወ ሃይማኖት ከመሓድር ክፍቀደሉ ብፍጹም ኣይግባእን እዩ። መንግስቲ ግን ካብ ሃይማኖት ጥራይ ኣይኮነን ኢዱ ከልዕል ዝግቦኦ። ካብቶም ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ብዙሕነት መግለጺታት እውን ኢዱ ከልዕል ይግባእ። ብሓጺሩ ህዝቢ ከም ህዝቢ፡ ዜጋ ድማ ከም ዜጋ መሰሉ ብሕጊ ዝተኸብረ እንተኾይኑ: ንሃይማኖቱ ይኹን ንቋንቁኡ ወይ ብባህሉ ኣብ ዝምልከትዎ ጉዳያት እዚ ግበር እዚ ድማ ኣይትግበር ዝብሎ መንግስቲ ኣየድልዮን እዩ። ሕዝቢ ባዕሉ ንሃይማኖቱ ዘድልይዎ ትካላት ከቅውምን ከመሓድርን ምሉእ ብቕዓት ኣለዎ። መንግስቲ ከኣ ናይ መንግስቲ ስራሕ ጥራይ ክሰርሕ ይግበኦ ማለት እዩ። እቶም ትካልት እቲኦም ምስ ሕጊ ዝጻረር ስራሕ እንተሰሪሖም ከ ሕጋዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ይህልዎ።
- ህዝባዊ ልዑላውነት ወይ ዲሞክራሲ፡ መንግስቲ ብናጻ ድልየት ህዝቢ ጥራይ ክቐውምን ብቅዋም ክመሓደርን ብልዕልና ሕጊ ክግዛእን ይግባእ። ልዕልና ሕጊ ክንብል እንከለና ግን ትርጉሙ ንጹር ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ልዕልና ሕጊ ክኣምን: ማለት ድማ ብሕጊ ክግዛእ
4
ደኣ ይግበኦ እምበር ወግሐ ጸብሐ ንጭቆና ንዓፈናን ዝሕግዝዎ ወይ ሕጋዊ ሽፋን ዝህብዎ ሕግታት ከም ድላዩ እንዳውጸአ ክዕንድር ኣይግበኦን እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ መንጎ ሓጋግን ፈጻምን ተርጓምን ናይ ሕጊ ንጹር ዝኾነ ፍልልይ ክህልው ኣለዎ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ብቋንቋ እንግሊዝ the rule of law versus the rule by law ዝብልዎ እዩ። ብሕጊ ንገዝ እ ኣለና እንዳበሉ፡ ባዕሎም ግን ዋላ በቲ ባዕሎም ዘውጸኡዎ ሕጊ ዘይግዝኡ መንግስታት ኣብ ስሉስ ዓለም ልሙድን ዘሕዝንን ተርእዮ እዩ። እቲ ዘየካትዕ ሓቂ መንግስቲ ባዕሉ ብሕጊ ኣብ ዘይግዘኣሉ ሃገር ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ ፈጺሙ ዘይከኣል ምዃኑ እዩ።
- ናይ ዜግነት ወይ ናይ መንነት ፖለቲካ ፡ እቲ ሳልሳይን ኣገዳስን ከኣ እቲ ፖለቲካ እዪ። ፖለቲካ ሰባት፡ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ፡ ናይ መንግስቲ ስልጣን ንምጭባጥን ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ሃገር ንምምሕዳር ዝጥቀሙሉ ስልቲ ስለዝኾነ: ንሱ እውን ልክዕ ከምቲ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ጉጅለኣዊ መንነት ዘይኮነ ኣብ ዜግነትን ኣብ ዜግነት ጥራይ ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ፖለካዊ ሰልፊ ዝቐውም ስልጣን ንክሕዝ፡ ስልጣን ሒዙ ድማ ህዝብ ሃገርን ንከመሓድር ስለዝኾነ: ህዝቢ ክንብል እንከለና ድማ ሓደ ፍሉይ ጉጅለ ወይ ክፋል ዘይኮነስ፡ ሃገር ድማ ሓደ ፍሉይ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ መላእ ሃገር: ሓደ ስልጣን ክሕዝ ዝቖመ ወይ ዝወዳደር ሓይሊ ኣብ ሃይማኖት ይኹን ኣብ ዓሌት ወይ ካልእ ናይ ፍሉይ ጉጅለኣዊ መንነት እንተ ተመስሪቱ: ስልጣን ምስ ሓዘ ንኹሎም ዜጋታት ክውክል ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ ማለት እዩ። ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ ዲሞክራሲ ኣሎ ክንብል እንኽእል ነጻ ናይ ሰልፍታትን ናይ ሓሳባትን ውድድር እንተሃልዩ ጥራይ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቶም ኣብ ነጻ ምርጫ ንስልጣን ዝወዳደሩ ሰልፍታት ተወዳዲሮም እቲ ዝሓሸ ራእይን ፕሮግራምን ኣለኒ ኢሉ ንህዝቢ ዘእምን ስዒሩ ስልጣን ይጭብጥ ማለት እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ሓሳብ ዘይኮነ ኣብ መንነት እንተ ተመስሪቶም ግን: ሓሳብ ወይ ፖለታካዊ መደብ ዕዮ ዘይኮነ ረብሓ ናይቲ ንውክሎ ኢና ዝብልዎ ወገን ወይ ጉጅለ ሒዞም ዝቐርቡ እንተ ኾይኖም: ኣብ ምንታይ ክወዳደሩ ምዃኖም የተሓሳስበካ እዩ። ውድድር ከኣ ኣብ ሓሳብ ጥራይ ክኸውን ክንዲ ዝግቦኦ: እቲ ውድድር ናይ መንነት ይኸውን ማለት እዩ። ሓደ ጉጅለ ሕብረተሰብ ምስ ካልእ ጉጅለ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ክኣቱ እንከሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከዝፍጠር ምግማት ኣየሸግርን እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ሁከትን ግጭትን ደኣምበር ካልእ ክኸውን ከምዘይኽእል ብዋኑ ምርዳእ የድሊ። ብእዋኑ ዘብለኒ ድማ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኤርትራውያን ዝባሃሉን ዝጻሓፉን ሓደ ሓደ ሓደስቲ ተርእዮታት ብምዝካር እየ። መንነት ካብ ካልእ መንነት ይሓይሽ ኢልካ ምክርኻር፡ እቲ ሓደ ንመንነት ናይቲ ካልእ ከነኣእስ ወዝተ ክትርኢ እንከለኻ፡ ክሳብ ክንደይ ሓደኛ ዝኾነ ናይ ሓሳብ ድኽነት ይተኣታቶ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብድሕሪት ኮይኖም እናገደደ ክኸይድ ለይትን መዓልትን ዝሰርሑሉ ነጋዶ ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ። ንሶም ድማ ዕላም ኦም እቲ ጉጅለኣዊ መንነት ቅርጺ ክሕዝ እሞ ንድሕሪት ክምለስ ኣሸጋሪ ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ክበጽሕ እዮም ዝጽዕሩ። ሽዑኡ ድማ እቲ ን ዖኦም ዘገድሶም ንግዲ ብዘይ ብዙሕ ጻዕሪ ክቕጽል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ይበጽሕ ማለት እዩ። ንሃይማኖታዊ መንነት ወይ ኤትኒካዊ መንነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ምኽታል ዘምጸኦ ሓደጋን ህልቀትን ንምርኣይ ድማ ርሑቕ’ውን ምኻድ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ከባቢና ጥራይ ሩዋንዳ: ሶማልያ: የመን: ኢትዮጽያ: ደቡብ ሱዳን ምርኣይ ይኣክል እዩ። ብፍላይ ኣብ ጎረቤታ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እንተ ርኢና ድማ፡ ካብ ዓሌት ወጻኢ ፖለቲካ ከተካይድ ዘይከኣለሉ ኩነታት ተፈጺሩ
5
ብምህላዉ፡ ካብ ቅዋም ጀሚሩ እቲ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነ ዋላውን እቲ ምምሕዳራት እውን ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ፡እቲ ኩላትና ንከታተሎ ዘለና ሓደገኛ ኩነታት ተፈጢሩ ይርከብ። ኣብ ኩነታት ኤርትራ እንተ ተመሊስና ድማ፡ ምስቲ ኩሉ ዘለና ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገማት፡ ፖለቲና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ፡ ነዞም ሒደት ተር እዮታት ብ እዋኑ በዲህና ንፖለቲካ ሃገርና ቅኑዕ መስመር ከነትሕዞ ዓቢ ዕድል ከምዘለና ክንስሕት የብልናን። ካብ ተሞክሮ ጎረባብትና ክንመሃር ተኽእሎን ዕድልን ግዴታን ከኣ ኣለና። ክንመሃር ከኣ ተስፋ ይገብር።
መደምደምታ: ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ዜግነት ፖለቲካ ምኽታል ማለት ንብዙሕነት ዘየእንግድ ፖለቲካ ማለት ዘይምዃኑ ኣብ ትሕቲኡ ብዓሰርተ መስመር ክስመረሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ናይ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት ዝረኤን፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ውሽጣዊ ሰላም ናይተን ሃገራት ዝኾነን፡ ብሽም ዜግነት ወይ ኣርቲፊሻላዊ ሓድነት ንማሕበራዊ ብዙሕነት ክትጭፍልቕ እንተፈቲንካ: ናይ መንነት ፖለቲካ ምፍጣሩ ዘይተርፍ ሳዕቤን ምዃኑ እዪ። ንግደ ሓቂ ኸኣ ናይ መንነት ፖለቲካ ብዙሕ ግዜ ውጽኢት ወይ ሳዕቤን ናይ ፍሹል ፖለቲካ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ብስም ቃልሲ ኣንጻር ዕብለላ ዝብገስ ንሃይማኖት ወይ ኤትኒካዊ መንነት መሰረት ጌሩ ዝባራዕ ጎንጺ እውን እንተኾነ ዝያዳ ህልቂትን ጥፍኣትን የምጽእ ደኣምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይረኣይን እዪ። ዳርጋ ታሪኽ ናይተን ኩለን ጃምላዊ ህልቂትን ምጽፋእ ዓሌትን ዝተፈጸመለን ሃገራት እንተርኢና ኸኣ እቲ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ንኩላትና ብሩህ እዩ። ኣብ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ፡ እቲ ንሕና እንዳ እከለ ስለኾና ኢና ተወጺዕና ዘለና ዝብል መበገሲ ዘለዎ ናይ መንነት ፖለቲካን (identity politics): ብድሕሪኡ ፈቲካ ጸሊእካ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ጽልእን እዩ። እዛ ብደም ወለዶታት ህልው ዝኾነት ሃገርና ኸኣ ካብዚ የድሕና።
ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኪምኒ ብልቢ የመስግነኩም።
You must be logged in to post a comment.