ናይ ኖቭል ሽልማት ሰላምን ኣብይ ኣሕመድን Posted on Oct 29, 2019 by Organization Of Eritrean Unity Leave a comment ናይ ኖቭል ሽልማት ሰላምን ኣብይ ኣሕመድን ኣበይ ከ ኣሎ እቲ ሰላም? ብኣሕመድ ቀይሲ ናይ ኖቨል ስልማት ሰላም ሞራላውን ስነ-ምግባራውን ክብሪ ዘለዎ ኢዩ። ኣብይ ኣሕመድ ብዚ ዝተገብረሉ ናይ ምስሳዩ ወፍሪ ፖሊቲካዊ ክብደቱ ወሲኹ። ይኹም እምበር እቲ ናይ ስልማት ካርናቫል ዝተኻየደሉ በዂሩ ዝርከብ ዓቢ መሰረታዊ ጉዳይ ንባዕሉ እቲ ሰላም ኢዪ። ሰላም ብሓደ ውልቀሰብ ዝስራሕ ኣይኮነን። ግድን መሻርኽቲ ዘለዎ ኢዩ። እቲ ስልማት ሰላም ቲ ኩሉ ግዜ ተሻሪኾም ንዘረጋገጽዎ ክልተ ወይ ንጉጅለ ሰባት ዝዕደል እምበር ንሓደ ውልቀ-ሰብ ዝወሃብ ኣይኮነን። ስለዚ ንኣብይ ኣሕመድ ዝተዋህበ ስልማት ሰላም ካልእ ምስኡ ዝወሃብ መሻርኽቲ ብዘይምህላዉ እቲ ጸገም ኣብቲ ዩ ነሩ እቲ ፍታሕ ከኣ ኣብዚ ተረኺቡ ብማለት ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዓቢ ኣርእስቲ ኢዩ። እቲ ዝተኻየደ ኣተዓዳድላ እምበኣር ንመራሕ መንግስቲ ህግደፍ ሂስቲርያ ዘስዕበሉ ዓቢ ማህረምቲ ኮይኑ ንሰባት ናይ ምልላይ ሓዲሽ ፊልም ኢዩ ነሩ። እቲ ምንታይሲ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ቀ .ም .ኢ.ኣብይ ኣሕመድ ንሰላም ከም ዘይሰረሐ የግዳስ ነቲ መልክዕ ሰላም ከምዘስተኻኸለን ንገለ ጉዳያት ናብቲ ዝረኣዮ ቅኑዕ ዝብሎ ቦቶኦም ከም ዘስፈረን ጥራይ ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ ኢዩ፡ እቲ ኣብይ ኣሕመድ ፈለማ ሰለም ከምዝሰረሐ ኮይኑ ኣብ ሃገሩ ከስተኻኽሎም ዝተራእየሎም ጉዳይት ነቶም ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም ናይ ምውዳቅ ሕጋውነት ለቢሶም ክቅጽሉ ንዝጸንሑ ዝተንኰየ ንኦሮሞ ከም ዝበዝሑ ብሄረ ሰብ መጠን ናብ ቀዳማይ ደረጃ ዘሰጋግር ሓዲሽ ፖሊቲካዊ ድርኺት ኢዩ ነሩ።ነዚ ንምትግባር ድማ ኣብይ ኣሕመድ ንስምዒታት ተጋሩ ዘተሃዳድእ ረቂቅ ስልቲ ኣዘውቲሩ። ገለ ካብቲ ዝበሎ ኸኣ ኣብ ኣኸባ ፓርላማ ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዮጽያ ዝተረኽበ ዓቢ ናይ ኣስተዋጽኦ ለውጢ ሳላ መስዋእትነት ተጋሩን ኣመራረሓ ነስሄር መለስ ዜናውን ኢዩ ክብል ገሊጹ። እዚ ምስክርነት እዚ ንተጋሩ ዝመሰጠን ዘተሃዳደአን ነሩ። እቲ ብሓቂ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብውሽጡ ዝስሞዖ ዝነበረ ግን ንተጋሩ ናብቲ ንሱ ይግቦኦም ኢዩ ናብ ዝበሎ ደረጃ ቦቶኦም ከም ዘትሓዞም ኢዩ ዝርዳእ ነሩ። እቲ ካልእይ ስጉምቲ ድማ በቲ ንኣቃልቦ ሰባት ብዘገርምን ብዘሰንብድን ኣገባብ ንኣስመራ ምዕላቡ ኢዩ። ሽዑ ኤርትራውያን ጸላእትኹም ብሄረ ኦሮሞን ኣምሓራን ኣይኮናን ጸላእትኹም ጎረቤትኩም ደቀ-ኣባሓጎታትኩም ኢዮም ንሕና ካልኦት ናይ ዘዋደድዎም መደባት ግዳያት ኢና ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ ነሩ፡ ወሲኹ ኢትዮጽያ ካብ ክግመት ዝከኣል ንላዕሊ ጸጋታት ከም ዘለዋ ኣምሲሉ ከም ገዛኢትና ዝነበረት ዘስዓበትልና ስምብራት ከምዘየለ ኣብ ኣእምሮና ንስእላ ከጸባብቅን ክኰሓሕልን ኢዩ ተራኢዩ። ወላ መኻን ይቅረታ ዘስምዕ መግለጺ ኣይሃበን። ከም ውጽኢቱ ኣብ ኣእምሮ ገለ የዋሃት ኢትዮጽያውያን እታ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ዓባይ ኣዲኣ ንምምላስ ሕንጊዳ ንዝነበረት ንእሽቶይ መሬት ዳግም ቀስ ብቀስ ንክትምለስ ኣፍደገ ከም ዘርሓወ መራሒ ተፈሊጡ ተመሊሱ። ቀጺሉ ኣብይ ኣሕመድ ዝኸሸኖ ዑደት ኢስያስ ንኣዲስ ኣበባ ተረኺቡ። እቲ ዑደት ቲ ብኹሉ መምዘኒታት ማለት ኣብኡ ብዝቀረበ መግለጺታትን ኣገባብ ኣቀባብላን ተጸኒዑ ኣቀዲሙ ዝተዳለወ ኢዩ ነሩ። ዕቁር ስምዒታት ኢሰያስ ዝገንፈለሉ ዓሚቑ ምኽኑይን ዘይምኽኑይን ሰሓቅ ካብ ነብሰ-ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቃስን ካብ ዲፕሎማስያዊ መለኪዒታት ባዶ ዝተረፈ ምስ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ዘይሰማማዕ መግለጺታት ዋላ ኣብ ናይ መባእታዊ ምብጋስ ሰላም ከምዘለዋ ብዘይመስል ምውድዳስን ምስልላማትን እቲ ዝተራእየ ተራኢዩ ዝተረኽበ ተረኺቡ ዓይኒ ሓሳድ ብሓመድ ይደፈን ብዝመስል ፍቅሪ ካርናቫል ተደምዲሙ። እቲ ዘደንጹን ዘስግእን እምበኣር እቲ ብደገ ዝረአ ዝነበረ ተዋስኦ ኣይኮነን። የግዳስ እቲ ኣብ ዕጽው ኣፍደገ ድሕሪ መጋረጃ ብምስጢር ዝተበጽሐ ስምምዓትን ዝተባህለ መደባትን እንታይ ኮን ይኸውን???? ዝብል ኢዩ። መሳኪ ንሕና ሰብ ጉዳይ ኣብየ ኣሕመድ ኣበይ ዘሎ ሰላም ኣረጋጊጽዩ ተሰሊሙ ኢሰያስ ከ ስለምንታይ ኣይተሰለመን…..ወዘተ ብዛዕባ ዝብሉ ሕቶታት ዋላ ኣይንፈልጥን። ፈጣርን እታ ነቲ ናይ ኖቨል ስልማት ሰላም ዘዳለወት ሽማገለን ጥራይ ኢዮም ዝፈልጡ። ድሕሪ ገለ ግዝያት ኣብይ ኣሕመድ ስልማቱ ክቅበል ኢዩ። እታ ነቲ ስልማት ዘዳለወት ሽማግለውን ነቲ ውሳኔኣ ኣብ ምንታይ ምርኩስ ገራ ከምዝወሰነቶ ክትገልጽርልና ኢያ። ኣብይ እሕመድውን ናይ ምስጋና ቃል ከስምዕ ኢዩ። ኣበይ ዘሎን ዝርከብን ሰላም ከምዝሰረሐን ዘረጋገጸን ዋላ ንእሽተይ ምልክት ክህብን ከነጽርረልናን ተስፋ ይገብር። ካብ ሓደ ብኩራት ናይ ሓበሬታ ናብ ካልእ ብኩራት ናይ ሓበሬታ እናተሰጋገርና ክነብር ግን ኣይግባእን ነሩ። ይኹን እምበር ዋላ ኳ ሓበሬታታት እንተተሓረመና ንጉዳያትን ተርእዮታትን ተንቲና ናብ ሓቂ ናይ ምብጻሕ ተውህቦ ግን ኣሎና። ኣብዚ ናይ ተውህቦና ጸጋ ምርኩስ ገርና እምበኣር ንቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጽያ ዝተዋህበ ስልማት ሰላም ማዕረቲ ነገራውን ሞራላውን ስነምግባራውን ክብሩን ኣገዳስነቱን ከምዘይኮነ ንፈልጥ። የግዳስ ኣብ ቅድሚ ኣብይ ኣሕመድን ከሰላስሎም ዝርከብ መደባትን ደው ዝብል ከይህሉ ናይ ዓበይትን ሓያላትን መጠንቀቅታ ኢዩ። ከም(…..) ዝኣመሰሉ ተቛመርትን ተጣላዕትን ኣበይ ኮን ኢዩ ቦቶኦም?? ንኣዕናዊ መደባቶም ደው ከብሉ ይሕተቱ ኣለዉ። ናይ ኖቨል ስልማት ኣብይ ኣሕመድ እምበኣር ንዞባናን ህዝብታቱን ረቂቅን ህዱእን (CALM) መልእኽቲ ኢዩ። ስዒቡ ዝመጽእ ማዕበል ክህሉ ኢዩ። ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ተስፋ ይገብር ብኣሕመድ ቀሲ ትርጉም ኣቡያረድ Share this:TwitterFacebookLike this:Like Loading... Related tagged with featured Category Posts Columns Category Posts Grid (Dynamic News)
You must be logged in to post a comment.