ሓደ ሰብ ንበዓል ነገሩ ክውክል ሕጋዊ ባይታ ኣለዎ ዶ !
ርእሰ ዓንቐጽ
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
17 ጥቅምቲ 2019
ብመሰረት ሕጊ እንዳ’ባ ኤርትራ ይኹን፡ ኣህጉራዊ መጋባእያ ሕጊ፡ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ክልተ ሰብ ነገር ጉዳዮም ኣብ ዳንነት ምስ ዝበጽሐ፡ ብክልተ መንገዲ ክራኸቡን ክውከሉን ይኽእሉ። ቀዳማይ ኣቶም ሰብ ነገር ዳይና ዝፈቐደሎም ዝተቀበሎን ብቁዓት ዋሕስ ምስ ዝህልዎም፡ ካልኣይን ብዓብይኡ ሕጋዊ ጠበቓን ንዕኡ ዝኣመሰሉ ምስ ዝህልውዎም ክውከሉ ይኽእሉ። ካብኡ ሓሊፉ ክልተ ሰብ ነገር ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑስ፡ ቤት ፍርዲ ከኣ መወዳእታን ቀያድን ብይን ወይ ውሳኔታት ሂብሉ ፈጺምሎም ክነሱ እሞ ኣብ ትግባረ ዘይወዓለ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ንበዓል ጉዳዩ (ነገሩ) ወክለኒ በሃሊ ብዘይሕጋዊ፡ብዘይግሉጽነት፡ ብዘይተሳትፎን ኣፍልጦን ሓደ ሸነኽ ህዝቢ ተወሲኽዎ፡ ብሻራነት ብውሽጢ ውሽጢዝፍጸም ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ውክልና በዓል ጉዳየይ (ነገረይ) ረኺበ ኣለኹ ክበሃል፡ ብኸመይ ኣገባብ ሕጋዊ ኣገባብ ክሰምርን ቅቡል ክኸውን ይኽእል።
ነዚ ብምዝልከት ኣብነት ብዓብዩ ጉዳይ ሃገርና እንተወስድና፡ ብ12 ግንቦት 1998 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዝተወልዐ ዶባዊ ኵናት፡ ዘስዓቦ ህልቒት መንእሰያትን፡ ምብትታን ስድራ ቤታት፡ ዝጠፍአ ጥሪንት፡ ዝበረሰ ንብረት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም ሳዕቤናቱ ንልዕሊ 18 ዓመት ኣይኵናት ኣይሰላም ዝቀጸለ ኩነታት ከም ደግስን ሕማም ደሓርን ንዕብየትን፡ልምዓትን ህዝብና ዓጊቱ፡ ሰላም ማሕዲጉ ዝጸንሐሉ ተወሳኺ ክሳራታት ክጥቀስ ይከኣል።
ክሳብ’ቲ ሃንደበታዊ መቀጸልታ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዝተቃልሐ ፡ ኣብ ክቱር ሰንፈላልን፡ ኣብ ሕማቕ ሃለዋት ዝጸንሐ ህዝብና ብዝነበሮ ሃንቀውታን ትጽቢትን ከኣ ብዓቢ ሓጎስ ደስታን ተቀቢልዎ። ተቃወምትን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ’ውን ከምኡ ንብዙሕ ዓመታት ካብ ኣጅንዳታት ርክብ ክልቲኡ መንግስታት ቦዅሩን ተሰሪዙ ዝጸንሐ ኣገዳሲ ጉዳይ ሰላም ኣብ ኣጀማምርኡ ከይዕንቐፍን፡ ሒዝዎ ክመጽእ ዝክእል ኣውንታዊ ለውጥን ኣብ ግምት ብምእታው ዲፖሎማስያውን ፖለቲካውን ሓላፍነቱ ወሲዱ ደጊፍዎ። ደገፉ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣህዛብ ክህሉ ዝግብኦ ነባሪ ሰላም፡ ሰናይ ጉርብትና ክተባባዕ ዝዓለመ፡ ዝሰርሓሉን ዝቃለሰሉን ባይታ ብምንባሩ ጸዋዒት ሰላም ቀ.ሚ ኢትዮጵያ ክድግፎ ባህርያዊ’ዩ ዝነበረ።
እንተኾነ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቀረበ ጸዋዒት ሰላም ኣይሳልስቲ ኣይሳምንቲ፡ ህዝብና ብዘይተጸበዮን ብዘይቅበሎን ኣንፈቱ ዝሰሓተ ወግዕን ባህልን ዘይብሉ፡ ልዕሊ ኩሉ እቲ ጉዳይ ዓቐኑ ዝሓለፎ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣህዛብን ሃገርን ምዃኑ ተሪፉ፡ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ሓድሕዶም ዝወዳደስሉን፡ ብዘይሕጋዊ ዝወኻከሉን (ውክልና) ክተዓዳደሉ ኣብ ኣፈናዊ ርክብ ኣስመራ 8 ሓምለ 2018 ዝተራእየን ዝተሰምዐን ደረጃ’ቲ ዝምድና ዝምስክሮ’ዩ። ኣይደንጎየን ኣብ ሚለንዩም ኣደራሽ ብ14 ሓምለ 2018 ተደግመን ተደጋገመን ከኣ።
ጉዳይ ካብ’ቲ ትጽቢት ህዝብና፡ ካብ ሕጋውነትን ወግዕን ኣገባብን ኣፈጻጽማ መስርሕ ሰላም ወጻኢ ኸደ። ኣብ ከብዲ ኣዳራሽ ከተማ ኣስመራን፡ኣዲስ ኣበባን ከይኣክል ብ21 ጥሪ 2019 ቀ.ሚ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣህጉራዊ ርክባት ኣብ ሮማ ምብጻሕ ኣብ ዘኻየደሉ ከይተረፈ፡ ሙሉእ ፈጽሚ ዘይበጽሐ ጉዳይ ንበዓል ነገሩ ወካሊ ምዃኑ ገሊጹ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ንህዝቢ ዘሰምበደ ተወሳኺ ግብራዊ ስጉምቲ ኣስዓበሉ።
መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ውክልና ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፉ ክህብን ክፈቅድን ከም ዘይክእል ሕጋውነት የረድኣና፡ ቀዳማይ ሕጊ’ዩ፡ ካልኣይ ከኣ ህዝቢ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ቅዋማውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ዘይመረጾ መንግስትን ምምሕዳርን ተሰጋጊሩን ተመጣጢሩን ውክልና ክህብን ክዕድልን ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ባይታን ደገፈን ክህልዎ ኣይክእልን።
ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከኣ ብፍላይ ይንኣሱ ይዕበዩ፡ ውሻጣዊ ኮነ ግዳማዊ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብትሪ ዝጣበቀሎም፡ ብቅዋምን ሕግን ዝተማእከለ ውክልና ህዝቢ ዘለዎ መንግስትን ምሕደራ ክፍጸም ዝፈቅድ ኣገባብ ምዃኑ ይኣምን። ነዚ ዓይነት ኣገባብ ክውን ክገብር ከኣ ይቃለስ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና
ቤ/ጽ ዜና ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
17 ጥቅምቲ 2019
Like this:
Like Loading...
Related
You must be logged in to post a comment.