ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ዝሓለፉ ገለ መዓልታት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ቀኣ) ንኣህጉራዊ ኣቓልቦን ኣርእስተ ዜናን ዝሰሓቡ ክልተ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ኣጋጢሞም። ቀዳማይ ካብዚኦም፡ እቲ ኣብ ጽብል መመረቕታ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ርእሲ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ሓድሽ ዝተሰርሐ ፓርክ ሓድነት ንምስታፍ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ምብራቕ ኣፍሪቃ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ምስ ኩሉ’ቲ ውዕዉዕ ውዳሰ ዝረኸበ “ስምምዕ ሰላም” ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘይተሳተፈት ኤርትራ ጥራይ ነይራ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግን ንኣጋይሹ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስም ክልቲኦም መራሕቲ ክዛረብ ካብ ፕረዚደንት ኤርትራ ውክልና ከም ተዋህቦ ተሰሚዑ። መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዘይምህላው ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝተበጽሐ “ስምምዕ ሰላም” ከንጸባርቖ ዝኽእል ኣሉታዊ መልእኽቲን ኣብ መስርሕ ሰላም ክልቲኦም ሃገራት ጥርጣረታት ምቕማጥን ንምንእኣስ ኢሉ ዝገበሮ ዲፕሎማሲያዊ ፈተነ ክኸውን ይኽእል። ይኹን’ምበር፡ ገለ ሕቶታት ከልዕል፡ ዘየድሊ ግምታትን ኣመታትን ኣናኺሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንተመሳሰልቲን ተደጋገምቲን ዝኾኑ፡ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያታት/መድረኻት ዝህቦም መግለጺታት ዘለዎ ስክፍታታት ዘሐይል ወይ ዘጋድድ’ዩ። ኣብዚ መጀመርታ መድረኽ መስርሕ “ሰላም” ክልቲኦም ሃገራት ነዚ መግለጽታት’ዚ ምሃብከ ግቡእ ድዩ ዘብል’ውን’ዩ። ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ተደጋጋሚ ብኲራት ካብ ብዙሓት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ርክባት ኣዝዩ ዕቱብ ስክፍታ ዘልዕል’ዩ። ካብዞም ብኲራት ኤርትራ ዝተራእየሎም፡ ኣብ ካርቱም ዝተጋብአን ልዑል ኣገዳስነት ዝነበሮን ናይ ሱዳን ሃገራዊ ኣጋጣሚ ጎረባብቲ ሱዳን ካብ ዝኾኑ ሃገራት ዘይተሳተፈት ኤርትራ ጥራይ ምንባራን፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተጋብኡ ተደጋገምቲ ኣኼባትን ናይ ሃገራት ኢጋድ መራሕቲ ኣኼባታትን ይርከቡዎም። ናይ ብሓቂ ከኣ፡ ብኲራት ኤርትራ ካብ ተሳታፍነት ኣብ ኩሎም’ዞም ርክባት’ዚኦም ክኽተል ካብ ዝኽእል ሳዕቤን ሕቶታት ዘልዕልን ዕቱብ ስክፍታታት ዝፈጥርን’ዩ።

ካልኣይ ፍጻመ ጉዳይ ውሳነ ኖርወጃዊ ኮሚቲ ሽልማት ኖበል። እቲ ኮሚቲ፡ ናይ 2019 ሽልማት ሰላም ኖቤል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሰላምን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪን፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰዶ ወሳኒ ተበግሶ፡ ምኽንያት ብምግባር፡ ክወሃብ ምውሳኑ ዝተተሓሓዘዩ። ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንዶ/ር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ንሽልማት ኖበል ብምዕዋቱን ንውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ቅድመ-ኲነት ክቕበል ንዘርኣዮ ትብዓት፡ ምስ ጎረባብቱ ሃገራት ብዝጀመሮ ክፉት ርክባት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምህናጽ ሓድሽ ዲናሚካዊ መርሕነት ምርኣዩ፡ ዮሃና ይብሎ።

ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትይጵያን ንህዝቢታት ክልቲኡ ሃገራት ጥራይ ይጠቅም ዘይኰነ፡ ሰላም፡ ጸጥታን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ ይሕግዝ ዝብል እምነት ኣሎና። ይኹን’ምበር፡ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም ቀጻልነት ክህልዎ እንተ ኰይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ መጻኢ ዕድሉ ክኸውን ኣለዎ። ታሪኻን ስትራተጂያዊ ኣቀማምጥኣን መሰረት ብምግባር፡ ኤርትራ፡ ኣብ መጻኢ ዞባና ትጻወቶ ተራ ኣለዋ። እዚ ኮይኑ፡ ብዘይ ናይ ምርጫ ናጽነትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ገዛእ መንግስቱ ኣኽብሮት ዘይምርካብን፡ ሃገርና፡ ዲናሚካዊ ሽርካ ንዞባዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ክትከውን ኣይትኽእልን።

እቲ ዝሕዝን፡ ምስ “ስምምዕ ሰላም”ን ኩሉ ኣብዚ ቀረባ እዋን ውዕዉዕ ኣድኖቖት ዝረኸበ ኣወንታዊ ምዕባለን፡ ኤርትራ ዝዀነ ለውጢ ዘይተራእየላ ሃገር’ያ። ክሳብ’ዚ ዕለት፡ ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ኣይብጽሑን፣ሃውራዊ ማእሰርቲ ጥርጡራት ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ደው ኣይበለን፣ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝቕጸለ ገደብ-ኣልቦ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” መንእሰያት ካብ ሃገር ክወጹ ኣገዲዱ፣ ምንቊልቋል ቊጠባ ሃገር ይቕጽል። ብሓጺሩ፡ ብ’ስምምዕ ሰላም” ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ተባሕጒጉ፡ ገና፡ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ኣይተረጋገጸን።

ንከምዚ ዝበለ ልሉይ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓዲለ፡ ኩልና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ንርከብ ኤርትራውያንን ሓይሊታት ዲሞክራሲን፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ከይተሓለልና ቃልሲና ክንቅጽል ይጽውዕ።

መብጽዓና፡ ምቕጻል ቃልሲና’ዩ!

ዕድመ ንኤርትራና!

ፈጻሚ ኮሚቲ-ሓዲለ

14 ጥቅምቲ፡ 2019 ዓም።

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.