ረፖርታጅ ክፍሊ ማእከል መጽናዕትን ምርምርን

ረፖርታጅ

  ዕለት 03/11/2019                                   

ክፍሊ ማእከል መጽናዕትን ምርምርን፣ንካልኣይ ግዜኣ ኣኸባኣ ኣካናዊና።

ኣብ ቀዳማይ ኣኸባኣ፣ብመሰረት ውሽጣዊ-ሕግታት ውድብ ሓድነት ንደሞክራስያዊ ለጢ(ው.ሓ.ደ.ለ.)፣ቆይማ ኣባላታ ንኽላለዩን፣ተቐቢሎሞ ዘለዉ ሰፊሕ ሜዳ ምኹኑ መጠን ተገንዚቦም፡መደበ ስርሓቶም ከጣጥሑ ብዝብል መሰረት 26/10/2019 ኣፈናዊ ኣኸባ ተካናዊኑ።

ኣብዚ ኣኸባ’ዚ ኣቦወንበር ው.ሓ.ደ.ለ. ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ከም መኽፈቲን መላለይን ሓጺር መደረ ብምስማዕ፣ካብ ዝበሎ ንምጥቃስ፣ኩቡራት የሕዋት ነቲ ብጻዕርኹም ዘጥረኽምዎ ሞያ፣ንህዝብኹም ከተበርክቱ ብምባል፡ነቲ ካብ ሕልናዊ ግደታና ዝነቐለ ጽኑዕ ሃገራዊን ዲሞክራስያዊ ስሚዕት ዝነቐለ፣በቢ ዓቕምና ክንዋሳእ ብምባል እነካይዶ ዞሎና ውድባዉን ሃገራውን ምውሳእ ኣበርክቶኹም ክትቡ ቁሩባት ምዃንኩም ምስጋናይ የቕርብ።ኩላትና ከም እንፈልጦ እዚ ሓድሽ ዓይነተ ውዳበና ብስነፍልጠታዊን ህዝቢ ክርድኦ ዝኽእል ኣጋባብ ክቐርብን ክትረኽን ከም ዘለዎ ኣይሳሓትን፤ስለምንታይስ ታሪኽ ውድባት ደምበ ፍትሒ አብ ምጥርናፍን ምፍንጣሕን ዝጸንሐ ብምዃኑ መጠን ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ተቐባልነት አዝዩ ታሕቲ ስጋብ ኑጽግ ምዃኑውን ብሩህ እዩ።ንሕናዉን ኣካል ናይዚ ብምዃና መጠን ብሓቂ አብ ልብን አትክሮ ህዝብና ክህልወና ስለ ዝግባእ፤ነቲ ዕላማ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ቀዳማይ ቦት እንህቦ፡ፍትሒ ዝመሰረቱ ብግዝኣተ-ሕጊ ዝማሓደር ስርዓት፣ደሞክራሲ ዝባይትኡ ንምብጻሕ፡ካብ መቦቆል ኣዋዳድባና ምንባሩ፣ነዚ ንምብጻሕ ከይተዓጸፍካ ብዘውጻእካዮ ውሽጣዊ-ሕጊ ተኸቲልካ ብምቅላስ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ምምቓላትን ተሞክራታትን ገምጋም ብምግባር፤ኩሉ ስጋብ እዚ እዋን እዚ ዝተኻየደ ኣጋባብ ሓድነት ሽትኡ ዘይውቐዐን ንቕድሚት ከኽደካ ዝይኽእል ምዃኑ ተገንዚብና፡እቶም ኩላትና ኣብዚ ገምጋም ዝበጻሕና ውድብን ምንቅስቓሳትን እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል ? መልሱ ከይተወደብካ እርሙን ኣወንታዉን ቃልሲ ከተካይድ ስለ ዘይካኣል፣ካብ ምትሕውዋስ፣ወይ ጽምድታት ዝዓይነቱ ሓድነት ወጺእና፣ኩላትና ውድባትና ኣሕቂቕና ኣፍሪስና፣ከም ውልቀ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ተራኺብና፣ን-ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝበጽሓናሉ ፕሮግራምን ንድፊ ውሽጣዊ ሕግን ኣጽዲቅና፡ንዕኡ ከካይዱ ዝኽእሉ መሪሕነትን ትካላዊ ኣሳራርሓ ዝትሰረተ ኣጋባብ ዝተኻየደ ጉባኤና ንምግላጹን ንህዝቢ ምልላዩን ቀሊል፣ ከምዘይኮነ ዝርዳኣና ጉዳይ እዩ።

 እዚ ካኣ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ብሰንኪ ናይ ደምበ ፍትሒ ጉዕዞ ቃልሱ፣ናይ ምትእኽካብን ምፍንጣሕን ዘስዓቦ ጠርጠራ ወይ ዘይምትእምማን እዩ ክባሃል ይኻኣል፡፡ስለዚ’ዩ ብወገንኩም ኣስተዋጽኦ-ፍልጠት ዝሓዘለ መጽናዕትን ንህዝብና ከረድእ ዝኽእል ሰነዳት ብምቕራብ ዑዙዝ ኣበርክቶ ክትህቡ ዞሎና ትምኒትን ድልየትን ወሰን የብሉን።  ኩቡራት የሕዋት ነቲ ናጽነት ውልቀ ሰብ ማእከል ዝገበረ፣ኣብ ኣድማሳዊ ሕጊ-መሰል ህዝብታት ዝተሞርኮሰ ዘጽደቕናዮ፣ፕሮግራምን መርሃ ገጽ-ምድሪ(roadmap)፣ንዕኡ ዘካይድ ውሽጣዊ-ሕግታት ተሞርኲስና ምምዕባሉን ብስነፍልጠታዊ ዝተጸንዐ ንምምሕያሹ፡ንኣባትን ህዝብን ዕላማን ራኢን ው.ሓ.ደ.ለ. ክትምህሩ ብጹሑፍ’ዉን ከተበርክቱ ጥራይ ዘኮነስ ምስ ኩለን ትካላት ውድብ፡ናጽነተን ዝሓለወ ምትሕጋጋዝ ክትገብሩ ዞሎና ድልየትን እምነትን ክገልጸልኩም እፈቱ፡ ብምባል ናይ ደሓን መጻእኩም መልእኽቱ ደምደመ።

ድሕሪ’ዚ ምልላይ ናይ-ቶም ተረኺቦም ዝነበሩ ተካናዊኑ፤ሓጺር ድሕረ ባይታ ብፍላይ ዓይነተ ትምህርትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሞያ-ስርሓት ገሊጾም፡፡ ነዚ እምነት ዝተዋህበና ሓላፍነት ብሓቂ ዓቢን ልዕሊ ዓቕምና ከይኸዉን እና ተሰከፍናና እናፈራሕናን፣ብድልየትና ቃል-ኪዳን ዝኣተና ብምዃና መጠን፣ብዞሎና ዓቕሚ ክንዋሳእ፣ምስ ካልኦት ሰብ ሞያን ኪኢላታትን ሰብ ተሞክሮን ብምትሕብባር ክንስራሕን፡ከም ዕላማ ው.ሓ.ደ.ለ. ኩፉትን ዝተማላለአ ኣጋባ፣ብፍላይ ኣብዚ ናይ ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ንሃገርን ዞባን ኣህጉራዉን ዘርኢ ጉዳያት ኣሳተፊ ክኸዉን ስለ ዘለዎ ብዞሎና ዓቕሚ ክንሰርሕ ክንጽዕር ኢና።

ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ዘማእክሎ  ወዚዑ፣ኣጋባብ መስርሕ ኣከባታት ወሲኑ፡ንዕለት 02/11/2019 ካልኣይ ኣከባኡ ካካየድ ን ቀዳምነታት ክዋሃቦም ዘለዎም ኣርእስታት ሰሪዖም ክመጹ ተራዳዲኦም ኣከባኦም ደምደሙ። ዕለት 02/11/2019 ከም ተወሳኺ ናይ ሕጊ ዘጽነዐ ሃው ዮውሃንስ ምስግና ዘለዎ ተኻይዱ።ከምቲ ኣቕዲሞም ተሳማሚዐምሉ ዝነበሩ ኣጋባብ ስርሓት ክስራዕ ዘለዎን መድርኻት፣ካብ ሕጂ ጀሚሩ ክጽናዕ ዘለዎ ጸጋ ሃገር፣ብውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ተገቢቱን ዝዝረፍ ዘሎ ሃብቲ መዓሉኡ ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ክካየድ ከም ዘለዎ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ ከም ኣገዳስን ኣድላይን ቀዳምነት ክስራዕ ኣለዎ ተባሂሉ፡ግደ ክፍሊ መጽናዕትን ምርምርን ዝርኣዮም፡

  1. ዝርጋሐ፦ ንምድያ ዝጠቅም ብመጽናዕቲን ምርምርን ዝተሰነደ ምቕራብ
  2. ኣፍልጦ፦ ንቕሓት መሰረት ጽንዓት ቃልሲ ብምኹኑ መጠን ንኣባልትን ህዝብን ዝውሃብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ቁጠባዊ  ብሰብ ሞያን ኪኢላታትን ሰብ ተሞክሮን  ዝቕረበሉ ኣጋባብ መጽናዕቲ ምክያድን ዝትርጎሞሉ ኣጋባብ ምስ ኩለን ትካላት ው.ሓ.ደ.ለ. ብውህሃድ ሓቢርካ ምስራሕ።
  3. መጽናዕቲ፦ ህሉው ኩነታት ደምበ ፍትሒ ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ብምድላው፣ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ መድረኽ ናብ ዝሓሸ  ክሳጋገር ዘኽእሎ ሰነድ ምቕራብ።ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘልዉ ዝተፋላለዩ ፍትሓውያን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ሩጉጽ መጽናዕቲ ተገይሩ፣ጹኑዕ ርክብ ክህሉን ከድንፍዖም ዘኽእሉ መጽናዕታት ምክያድ። ንዱኹም ጎድንታት ስርዓተ ውልቀ መላኺ ምልላይን ፈርከሽከሽ ዝብለሉ ስትራተጂ ምሕባር።
  4. ምቅሊት ስርሓት፦ ስርሓትና ኣወንታዉን ፍረ ዘሎዎ ክኸዉን ምእንቲ ምቅሊት ስርሓት ክህሉን ዝተፋላለዩ ሓይሊ ዕማማት ክህሉዉናን፣ኣሳራርሓና ተወካስን ወካስን  ዘለዎ ኣጋባብ ክኽተል ይምረጽ ዝብል ኩላቶም ዝተሳማምዕሉን ብኸመይ ግብራዊ ንምትርጓሙን ንጹር መስርሕ ኮይኑ ንምቕራብ፡ዘድሊ ምምሕያሽን ሓዲሽ ሓስባት ሒዞም ንዕለት 16/11/2019 ሰዓት 8.00 በርሊን ኣቋጻስራ ክራኸቡ ተራዳዲኦም ኣኽባኦም ደምዲሞም።

ኣብ ሓደ ሰዓት ዝኣክል ጥልቕ ዝበለ ልዝብ/ዘተ ምክያዱን ጽምረ ሓሳባት ብምቕራብ እሩምን መደቡ ዝሓዘ ሓጺር ዓይነተ ዘረባ፣ኣብ ፍረ-ነገር ዝተኮረ ብምንባሩ ኣገዳሲን መሃርን ክባሃል ይካኣል።

ኣቕረብቲ ማእከል መጽናዕቲ ምርምርን

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.