ዘይሓጋዊ ማእሰርቲ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ

ዘይሓጋዊ ማእሰርቲ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ
በዓል ጸጋ ዕድመ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ 12 ዓመታት ዝኣኽል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክስን ፍርድን ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ባዕሎ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ዘይሰምዖ ኤርትራዊ ዜጋ ኣሎ ክበሃል ዘይክኣል ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣቦ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ርእዩይ፡ ፍሉጥን ኮይኑ ኣሎ።

ብዕለት 3 ነሓሰ 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንቶም ኣብ ላምፐዱሳ ሂወቶም ዝጠፍኡ 369 መንእሰያት ፍትሓት ተግይርሎም፡ ቀጺሉ ነዞም ክቡር ኣቦ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንዝምካርን ዝተኻየደ ናይ ክብሪ ዝኽሮም ፡ ብቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝተነበበ ታሪኽ ሂወቶምን፡ ተጋድሎ መንፈሳዊ ተልእኾኦም ብሰፊሕ ዝገልጽ ነበረ።
ሎሚ ከኣ ኣብ ሃገር ሰሜን ኣመሪካ ከተማ ዋሽንግቶን ንዕለት 8 ሕዳር 2019 ንዝኽሪ ኣቦና ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ሓበሬታ ተዘርጊሑ ይርከብ።
ኣንጻር’ቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ኤርትራ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝፍጸሞ ዘሎ ግፍዕታት፡ ንምእንቲ ድምጺ ውጽዓት ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲታት፡ ንሕብረተ ሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዝህብን’ዩ እሞ እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ከኣ ህዝቢ ክሳተፎን ዕውት ኮይኑ ክወጽእ ትጽቢት ዝገበረሉ ዘሎ ህዝባዊ ጻዊዕት ኤርትራ ንሕብረተ ሰብ ዓለም’ዩ።
ሕግን ፍትሕን ይንገስ
ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
6 ሕዳር 2019
You must be logged in to post a comment.