ጭርጭር ዓበደ ፖሊቲካ ህግዲፍ

ጭርጭር ዓበደ ፖሊቲካ ህግዲፍ
” ካብ ሰነዳት ሚስጢር ትማሊ ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዕለት 1 ሕዳር 2019 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተዘርጊሑ ይርከብ። እቲ ሰነዳት ሚስጢር ትማሊ፡ ዝብል ሓተታ ህግዲፍ ንክልተ ትካላት ስለያ፡ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣመልኪቱ ከኣ ቅድሚ 8 ዓመት ዝተፈጸመ ተባሂሉ ማለት 2011 ህግዲፍ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝተገብረ ፈተነታት ይገልጽ።
ዝገርም’ዩ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝሓለፈ 18 ዓመታት፡ ክንዮ ስለላን ዕልዋን፡ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፈጸሞ ዕልዋን ጥፍኣትን፡ እከይን ኣሉታውን ተግባራት ፡ ክሳብ’ዚ ሎሚ መዓልቲ ኣሰሩን ስምብራቱን ዘይሃሰሰ፡ ኣብ ፖለቲካውን ዲፖሎማስያውን ዝምድናታት ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝኸሰረ ምሕደራ፡ ቁጠባ ሃገር፡ስርሓት ሕርሻ፡ ልምዓትን ህንጸት ትሕተ ቅርጻ ዘልመሰ፡ ማእቶት ንግድን፡ ስልጠናን ዕብየትን መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ዘባዃረ፡ ከም ሳዕቤናቱ ሕሰም ስቕያትን፡ ማእሰርትን ጭውያን ራዕድን ዝሰፈነሉ ኩነታት መወዳእታ ዘይብሉ፡ ውሉድ መንእሰይ ኤርትራ ዝረገጻ መሬት ዓደቦኡ ከም ረመጽ ሓዊ ዘንደደቶ ፡ ብዘይዕረፍቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ንስደት ክውሕዝ፡ ሎሚ ሎሚስ ትሕቲ ዕድመ ዓብላሊ ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈቀዶ ጎረባብቲ ሃገራትን ኤስያ፡ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብሉ ዘርእዮም ምስክርነት’ዩ።
መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ካብ’ቲ ቀንዲ ” ሰነዳት ሚስጢር ትማሊ” ’ሉ ዝገልጾ ዶባ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ እዩ። ነዚ ንምዝልከት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ፡ ህግዲፍ ዝወዓሎ መጋባእያ፡ ህግዲፍ ባዕሉ ጀማሪ ኵናት ምዃኑ ዝተኣመነሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ኵናት ንዝጠፍአን ዝበረሰን ንብረት ተሓታቲ ብምዃኑ ካሕሳ ክኸፍል’ውን ተፈሪዱ ዝተቀበሎ ውሳኔታት ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦን፡እግባይ ዘይብለሉ ክነሱ፡ ቅሉዕን እከይን ተግባራቱ ተሞዅልዩ ካብ ሰነድ ሚስጢራት ዕላዋ ንስርዓት ህግዲፍ’ሉ ዝቀረቦ ሓደን ዘሕፍርን ኣብነታውን’ዩ።
ሕራይ’ስከ በሉ፡ በቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ምንጭታቱ ዘይገልጽ ዘቅረቦ ሰነዳት ምስጢር፡ ጭርጭር ዓበደ ፖሊቲካ፡ ከም ሓቂ እንተወሰድናዮ፡ ነበርቲ ዓበይትን ንኣሽቱ ከተማታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝስተ ማይ ኣይትዓድል፡ መብርህቲ ኣይትዓድል፡ መንእሰያት ኣብ ሸዊት ዕድመኦም፡ ካብ ስድራ ቤቶም ብሓይሊ መንዚዕካ ንሳዋ ወሪዶም ወታሃደራውን ኣካዳሚያውን ትምህርቲ ክወስዱን ድሕሪኡ ንዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ዝወሰነ ደኣ መን ከ ይኸውን? ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ መራሕቲ G15 ፡ ጋዜጠኛታት ብዘይምሕረት ክእሰሩን፡ ከም እሱራት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክነብሩ ዝበየነ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲንካ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕትን ዲሞክራሲን ዝኾኑ ዜጋታት ጨዊኻን ዓፊንካን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ዘስፈረ ከ መን ይኸውን? ብገዛእ ደቁ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝብን፡ ሓንቲ ሃገርን ዝፍጸም መቁጸሪ ዘይብሉ በደላት ክንዮ ዝቀርብ ዘሎ ክስታት ሓቅነት ኣለዎ ክበሃል ዘይከኣል’ዩ። ህግዲፍ ባዕሉ ህዝቢ እንዳጽነተ፡ ሃገር እንዳዕነወ ኣየናይ ግዳማዊ ሓይሊ ንዕንወት ክዕደምን ብምስጢር ክሳተፍ ዝድለ መረዳእታ ክቀርበሉ ዘይክእል ጽውጽዋይ’ዩ።
ካልእ ድሕሪ ነጻነት ሃገር ንምህናጽ ፡ብጻዕርን ድኻምን ኤርትራውያን ኣፍልጦ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ብረታዊ ተጋድሎ ዝህብና ተገዳስነት ዝነበሮም ዘይመንግስታውያን ትካላት ባዕላዊ ተበግስቶታት ወሲዶም፡ ሓገዛቶምን ዝተፈላልየ መደባት ስርሓትን ሒዞም ንኤርትራ ዝኣተዉ ዜጋታት ዝተፈላልዩ ሃገራት ዘጓንፎም ዝነበረ ናይ ስርሕ ዕንቅፋታት፡ ጸኒሖም ሃገር ገዲፍም ክወጹ ዝተገደዱ፡ መምርሒ ህግዲፍ ድዩ ነይሩስ ወይ ናይ’ቶም ዝኽሰሱ ዘለዉ መርበብ ስለላ ንምፍላጡ ብዙሕ ዘሸግር ዝመልስ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ላዕሊ ብውሕዱ ተጠቒሱ ዘሎ እከይ ተግባራት ህግዲፍ መልሲ እንተረኺቡ፡ ጭርጭር ዓበደ ፖለቲካ ህግዲፍ ” ሰነዳት ሚስጢር ትማሊ” ዝብል ሓተታ ንምንታይ ከም ዝተጻሕፈን ንህዝቢ ክዝርጋሕ ከም ዝተደለየን ብንጹር ከምርሆ ዝክእል ናይ ባዕሉ መስመሩ ዝሓዘ መሪሕ ፖለቲካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ዘነጽሮ’ዩ። ንሕና ኣብ ዘይንፈልጦ ጉዳይ ኣቲና ኣይንዛረብን፡ ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን ጭቆናን ብኣንጻር’ቲ ዝበሃል ዘሎ ሕቅነት ዘይብሉ ምዃኑ ዘረድእ’ዩ።
እዞም ሎሚ ከም ሰለልቲ ዝጥቀሱ ዘለዉ ትካላት መንግስታት፡ወይ ሃገራት፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ብፍላይ ምስ እስራኤል ዝጀመረ ዝምድናታት ኣብ ዜናታት ዓለም ምስ ተቓለሐ፡ እዚ ሎሚ ዝኸስስ ዘሎ ስርዓት መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ከም’ዚ ዝስዕብ በለ ”ኤርትራ ከም ነጻ ሃገር ምስ ዝደለየቶ ክትዛመድ ዝኽልክላ የልቦን” ክብል ምስ እስራኤል ዝመስረቶ ዝምድና ልዕሊ ምክልኻል ቀጺሉ ዜጋታት እስራኤ ኣብ ኤርትራ ብፍሉይነት ወፍሪ ከካይዱን ክነጥፉን ክስወርሑን፡ ብፍላይ ኣብ ሕርሻዊ መዳያት ዝነበረ ስምምዓት ክጥቀስ ይከኣል።
ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዝተተሓዘ፡ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ርእሰ-ማል ኣሜሪካውያን ዜጋታት ኣብ ወደብ ዳህላክ ዘካየድዎ ፈተነ ዝነበረ’ዩ። እንተኾነ ወፍሪ ርእሰማልን ንዘድልዮ ጸጥታውን ፖለቲካውን ምርግጋእ ዝብል ሕቶ ስለ ዘይተመለሰ ኣውፈርቲ ርእሰማል ካብ’ቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ከይቀጸሉ ምትራፎም ዝፍለጥ ጉዳይ’ዩ።
እዚ ኣብነታዊ ዕንክሊል ኣሰራርሓ ህግዲፍ ገዲፍና ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ዝተፈጸመን ናይ ሞትን ሕየትን ዝምድናታት ህግዲፍ እንታይ ከም ዝመስል ንርአ።
ድሕሪ 20 ዓመታት ዝሕቱል ዝምድናታት ኤርትራን ኣሜሪካን፡ብዕለት 4 መጋቢት ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 5 ኣባላት ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዶም። ብ7 ሰነ ልኡኽ ግብርን ቀረጽን ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዶም።ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2019 ብናታሊ ብራውን ዝምራሕ ልኡኽ ዝተፈላልየ ቤት ጽሕፈታት ዝወከሉ ከም
ቤት ጽሕፈት
- ዲሞክራሲ፡
- ሰብኣዊ መሰላት፡
- ዕዮታትን
- ኣህጉራዊ ነጻነት እምነታት
ምስ ዝተፈላልዩ ወከልቲ ህግዲፍ ዝተራኸብሉ ቅንያት ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ክነሱ ብግልባጡ ዘይተኣደነ ክስታት ዝተሰንዘረሉ ቅንያት ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሎኡ ክወርድ ዝጸንሐ ክስታት ካብ ነፍሱ ንምርሓቕ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት ምዃኑ ማምን ክኽሕዶ ኣይክእልን። ነዚ ዝኸውን ሓቅን ግጉይን ዝብል ሚዛን ከኣ ብቀሊሉ ክቀርብ ዝኽእል’ዩ ዝመስል። ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎም መስዋእቲ፡ ቅሩብነት ንሓድነት ሰላም፡ ራህዋን ዲምክራስን ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ንቲ ብሂላት ዝጻረር ህሉው፡ርኡይ፡ ምስክር እዮም።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
5 ሕዳር 2019
You must be logged in to post a comment.