ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣካይዱ

ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣካይዱ

ትማሊ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ውሓዲለ) ኣኼባ ኣካይዱ። ኣፈ ባይቶ ኣቶ ሓምድ ድራር ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ምስ ኣብ ከባቢና ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል ንዝብል ሕቶታት፡ ኩሉ ሸነኻቱ ንውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ ይኹን ንደላይ ፍትሒ ህዝብናን ደምበ ተቃውሞናን ከኣ ብሓፈሻ ወሪዱና ዘሎ ከቢድ ጾር ንምፍታሕን መላኺ ስርዓት ንምእላዩን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኣብሪሁ። ብምቅጻል ነዚ ከበድቲ ጾር ንምፍታሕ ሓያል ቃልሲ ንምክያድ ብወገና ዝጠልቦ፡ ሕቶ ህዝብና ንምምላስ ጸኒዕና፡ ሓቢርና፡ተወሃሂድና ብዓቕምና ምቅላስ ማዕዱ ክንጥምት፡ መጻኢታትና ክንግንዘብ እዋናዊ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዝቀረበ ኣጀንዳታት ብፍላይ ንጸብጻባት ስርሓት ፈጻሚት ሽማግለን፡ ከምኡ ኣብ ዝተፈላልየ ዓውዲ መጽናዕቲ ይኹን ንፍሉይ ዕማም ዝተመዛ ሽማግለታት ኣብ ምቛምን፡ ነተን ድሮ ቆይመን ዘለዋ ከኣ ኣብ’ቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ኣኼባታት ተወሳኺ ጸብጻባት ንባይቶ ቀሪቡ።

ድሕሪ ጸብጻባት፡ ማእከላይ ባይቶ ውሓዲለ ነቲ ዝቀረበ ጸብጻባት ሓጋዚ’ዩ ንዝበሎ ዝተፈላልየ ሓሳባትን ሕቶታት ብምቅራብ ነዊሕ ክትዓት ኣካይዱ። ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ብሓድነት ተጀሚሩ ንዘሎ ጉዕዞ ውድብ ክሳብ ዓወት ክበጽሕ ደገፉ ብምግላጽ፡ ኩሉ ኣባል ውድብ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ንዝካየድ ስርሓት ዝግበር ርክባት ብቀጻልነት ክህሉን ሓላፍነቱ ክወስድ ከም ዘለዎ ዘትዩ። ኣብ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሐን ዝተዓመመ ስርሓት ውድቡ ከኣ ኣተባቢዑ።  

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

11 ሕዳር 2019  

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.