ህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንቅሓትን ተሞክሮን ይሰንቅ ዶ ኣሎ !

ህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንቅሓትን ተሞክሮን ይሰንቅ ዶ ኣሎ !

ንልዕልና ሕጊ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕረነት ዜጋታት ንምውሓስ ኣብ ዝካይድ ቃልሲ ህዝብታት ተመክሮን ንቅሓትን ሰኒቆም ክጓዕዙ ኣማራጺ ዘይብሉ መለልዩ መወዳእታ ክብጻሕ ዝድለ ዕላማን ኣሳልጦ’ዩ። ኣንጻር መን ትቃለስ ምህላውካ ዘነጻር ዕልማ ክህልወካ ስንቒ ንቅሓት ተመክሮን ወሰንቲ’ዮም። ንቅሓት ድላይካ ምዝራብ፡ ተሞክሮ ከኣ ዕድመኻ ኣብ ቃልሲ ምቁጻር ዘይኮነን፡ ምስ’ቲ ተነጻጽሮ ዘለኻ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተኣሳሰረ’ምበር።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ንደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ደማሚርካ ብዙሕ ስርሓት ከም ዝተፈጸመ ዝኽሕድ ዘሎ ኣይመስለነና። ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንህዝብና ብዝግባእ ቅኑዕን እዋናውን ሓበሬታ ብምስናቕን፡ ኣፍልጦኡ ክብ ንባልን’ዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ብሓድነት ዝተጸናበረን ንውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘቆመ ምንቅስቓሳት ንገዛእ ርእሱ ፍረ ዝሓለፈ ተሞክሮታት ቃልሲ’ዩ። ህዝብና ከኣ ካብ’ቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዘሎ ሓደ ዓብይ ብስራት ክስምዖ ግድነት’ዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ” ምንቅስቓሳት ይኣክል” ኣብ መላእ ዓለም ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝጠርነፈ ተወሳኺ ንህዝብና ንቕሓት ዘዕጥቅን ንሓድነትን ሓባራዊ ስርሓት መደባት ኣንጻር መላኺ ስርዓት ዝሕንጽጸሉ’ዩ።

እወ፡ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ገገለ ንሓድነትና ናጤባ ዝኾነ ጉዳይ እንተዘይተረኺቡስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝባዊ መስመር ሒዙ ተጠርኒፉ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ተስፋታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ንመላኺ ስርዓት ነጺጉ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ቃልሲ ይርከብ።

ካብ ዓሚ ሎሚ ይሓይሽ፡ ህዝባዊ ናዕቢ ጥራሕ ዘይኮነ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ምቅርራባትን ምርድዳእን ጎኒ ጎኒ ህዝባዊ ናዕቢ ክስጉም ዘካይዶ ፈተነ’ውን ብዓብይ ኣውንታ ክረአ ዝግባእ’ዩ። ኣብ’ዚ ከይተጠቅሰ ክሓልፍ ዘይግባእ ግን ከኣ ኣገዳስን ብፍላይ ነቶም ዳሕረዎት ወለዶ ኤርትራ ዝምልከት ብዛዕባ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ብረታዊ ተጋድሎና፡ ኣብ ዝተፈላየለ መራኸቢ ብዙሓት ንህዝቢ ዝተዘርግሐ ቃል መሕተት ሓርበኛታት ነባራት ተጋደልቲ ኤርትራ ምህላዉን፡ ሎሚ ሎሚ ከኣ ብዙሓት ነባራት ተጋደልቲ ንታሪኻዊ ሰነድ ዘዘኻክር መጽሓፍቲ’ውን ይዝርጋሕ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።

ምስ’ቲ ኩሉ ውረድ ደይብ መዋእል መግዛእቲ፡ ብረታዊ ተጋድሎና ንነጻነት ተደፊና ከም ዘይተረፍና ዝሕብር ምህላዉ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣይፈልጥኹን ክብል ዘኽእል ምኽንይታ ክህሉ ኣይክእልን። ይትረፍ ኤርትራውያን ዜጋታት ተጋደልቲስ፡ ኢትዮጵያውያን እንተኾኑ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርና ዝተፈጸመ በደላት ብቃልዕ ይጽሑፍን ይትርኹን ዘለዉሉ እዋን፡ ኤርትራዊ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ክዓጥቖ ዘለዎ ኣፍልጦ ምዃኑ ርዱእ’ዩ።

ምእንቲ’ዚ ብፍላይ መንእሰያት ንዝኸይድ ዘሎ ጉዕዞ ሓርነት ምስ’ቲ ብመላኺ ስርዓት ዝወረዶም ግፍዕታትን ማህሰይትን፡ታሪኽ ንምልጋብን ንምትእስሳርን፡ ኣብ’ቲ ብዝተፈላልዩ ነባራት ተጋደልቲ ዝተባህለን ዝግለጽን ይኹን ዝጸሕፍ ዘሎ ኣትኵሮ ብምግባር ንዝሓሸ መጻኢ ክንጥምት ክሕግዘና ዝኽእል ምዃኑን፡ ኣብ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝካየድ ቃልሲ ከኣ ኣበርክቶ ዘለዎ’ዩ። ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ከኣ ሕጂ እንታይ ንግበር ሕቶ ከም ዝመጽእ ከኣ፡ ፈሊጥና ነቒሕና ሓድነትና ሓይሉ ኣንጻር እከይ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከም ንሰልፍ ዝገብርና ምዃኑ ዘጥራጥር የብሉን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሕባአሬታን ውድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ

15 ሕዳር 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.