ኣኼባ መላእ ኣባላት ውሓዲለ ተኻይዱ

ኣኼባ መላእ ኣባላት ውሓ ዲ ለ ተኻይዱ
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ መስራቲ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት ኣብ ትግባረ ንምውዓል ንመሪሕነት ዘሰከሞ ሓላፍነት፡ መሪሕነት ውድብ ብተደጋጋሚ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ኣኼባታት ፡ ኣብ መሰረታዊ መደባት ዕማማትን ቀረባ ርሑቕን፡ ክሰርዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ስሩዕ ሂወት ውድባዊ ንጥፈታቱ ኣብ ምክያድ ይርከብ ምህላዉ ኣቦ/መ ፈ/ሽ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ መግለጺ ኣቅሪቡ። ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን ነፍሱ ሰሪዑ ኣብ ሓደ ንቡር ስርሓት ውድብ ተዋፊሩ ይርከብ። ይኹን’ምበር ዝተረፎ ብዙሕ ስርሓት’ኳ እንተሃለወ፡ ብቀዳምነት ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ቆራጽ ምትሕብባር ምድግጋፍን ጻዕሪ ኩሎም ኣባላት ውዲሓለ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ስሩዕ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶን፡ ፈ/ሽ ክስራሕ ዝጸንሐ ውድባዊ ስርሓት ንኣባላትን፡ብመራኸቢ ብዙሓት ከኣ ንህዝብና ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ትማሊ ሰንበት ዕለት 17 ሕዳር 2019 ከኣ መላእ ኣባላት ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝተረኽብሉ ድሕሪ ጉባኤ ዝተሰላሰሉ ውድባዊ ስርሓት ጸብጻብ ሰሚዑን ተኻቲዑን። ኣብ መግለጺ ንጥፈታት፡ ዝምድናታት፡ ስርርዕ ብሰፊሑ ኣብ ዝተገለጸሎም፡ ኣባላት’ውን ብግደኦም ኣብ’ቲ ዝቀረበ ጸብጻባት፡ ሕቶታት፡ ርእይቶን ለበዋታትን ኣቅሪቦም።
ብፍላይ ውድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ በዚ ሕጂ ጀሚርዎ ዘሎ ናህሪ ክቅጽል፡ ንኣድማዒ ስርሓት ዓቕሙ ዝፈቅዶ ኣብ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓልታት ኣማዕድዩ ክስጉም፡ ኣብ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ቃልሲ መላእ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ከኣ እጃሙ ከልዕል ለበዋታት ኣቅሪቡ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዜናን ሓበሬታን
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
18 ሕዳር 2019
You must be logged in to post a comment.