ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንስቕታ ጥሒሱ ይቃለስ!

ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንስቕታ ጥሒሱ ይቃለስ!

ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር’ቲ ምልካዊ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ዓመጽን ግፍዕን ጠጠው ብምባል ብምቅዋምን፡ ንዝሓለፈ 28 ዓመታት ኣብ ልዕላዋነት ኤርትራ ዝነበሮ ስክፍታታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ዘይሕጋውን፡ ብዘይተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብና ዝጀመረ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ወለዶን ዝገደፎ ዘይርሳዕ ታሪኻዊ በሰላታት ተርእዮ ደጊም ሕጂስ ”ይኣኽለና” ብምባል ሕልና ዘበራበረ፡ስቕታን፡እንታይ ገደሰንን ዝጠሓሰ መድረኽ በጽሐ።

ህዝቢ ተለዓለ፡ ስቕታ ጠሓሰ’ሞ፡ ደጊም ንሕና ከለና ብኣዕጽምንት ደምን ጀጋኑ ስውኣትናን ዝተረኽበት ሃገር ቀጻልነታ ንምርግጋጽ፡ ስክፍታን ስቕታን መድሕን ከም ዘይኮነ፡ ንሕጋዊ መስርሕ ሰላም፡ ብሕጋዊ መስርሕ ዝምድናታት፡ መተካእታ ዘይብሉ። ይንዋሕ ይሕጸር ብቅዋምን ህዝባዊ ተሳትፎ ጥራሕ ክውዳእ ከም ዘለዎ፡ መጠንቀቕታ ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዘመሓላለፈ፡ ብስራት ንትንሳኤ ደላይ ፍትሒ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ዝኽሕዶ የልቦን።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብጸጥታዊ መሓውራቱ፡ ህዝብና ሓሳቦም ንኽይገልጹ ዜጋታት እንዳርዓደ፡ ብመራኸቢ ብዙሓትን ዜናዊ መርበብ ፕሮፓጋንዳታት ሻቕሎት መርዛም ሓበሬታ እንዳነዝሐ፡ ደገፍቱን ሰዓብቱን ተወሲኽዎ፡ ሓቂ ንምምሳል ብዙሕ’ኳ ዝሓገዞ ረቛሒታት እንተነበረ፡ ህዝብና ጽቡቕ ዘየለ ክነሱ፡ ህዝብና ጽቡቕ ኣሎ፡ ሃገርና ኣብ መንገዲ ሓደጋ እንዳኸደት፡ ጸጥታኣ ዝተሓለወት ሰላማዊት ሃገር’ያ እንዳተባህለ ንግዜኡ ዜጋታት ክታልል ብዘለዎ ዓቕምታትን ተኽእሎ ጽዒሩን ደኺሙን፡ ፈሸለ ከኣ። ስቕታ ስለ ዝተጣሕሰ።

ኩሉ መጀመርታ ዘለዎ መወድእታ ክህልዎ ግድነት’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ በይንዎ ዝነበረ ጥፍኣት ክቅጽለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ብምብጽሑን፡ ኣሉ ክብለሉ ዘይክእል ፍሽለት ክስከም ዝገበሮ፡ ህዝብና ካብኡ ንላዕሊ ስቕታ ክስከም ታሪኻዊ ሕልንኡ ዘይፈቕዶ ብምንባሩ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ነቲ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ፡ ኣብ መወዳእትኡ ከም ዘይጻወሮን፡ ሃገር ንጥፍኣት ህዝቢ ንኽጸንት ስቕ’ሉ ክዕዘብ ድሌቱ ከም ዘይኮነ ዘመስከረሉን፡ ደገፍቲ ይኹኑ ተጻረርቲ ኣብ ሓደ ሕጋዊ ቅዋማዊ ብተሳትፎ ህዝቢ ዝካየድ መስርሕ ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ውሕስነት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዕርዲ ንምዃኑ ሓቢሮም ቃል ዝኣተውሉ መድረኽ’ዩ።

ሓድነት ኣእረኣያ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ሰሚሩ ስቕታ ጥሒሱ፡ ንምእንቲ ነጻነት ሃገር ዝተበጀዉ ጀጋኑታት ሕድሪ ኣጽኒዑ ከኣ ሓንቲ ብቅዋማዊ፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክራሲያዊ እትማሓደር ኤርትራ ኣብ መስርሕ ይርከብ። ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ መጻኢ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ዕድመ ጾታዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ሓደ ሕጋዊ መስርሕ ዝዓረደ ህዝቢ ብዝተፈላልየ ውደባ ተጠርኒፉ ይቃለስ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ምትእስሳራት ሃገራዊ ቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ሓይሊ፡ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዘሕለፎ ውሳኔታት ገደባት ፖለቲካውን ዲምፕሎማሲያውን ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ንባዕሉ ዝበዝሕን ብድሕሪ ሕጂ ክንጽበር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብቀሊል ክግመት ዘይክእል ተበጺሑ ዘሎ ዓወት’ዩ።

”ጭራ ኣንበሳ ኣይትተንክፍ ” ከም ዝበሃል ምስላ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከይዱ ከይዱ፡ ንተጻዋርነት ህዝቢ ዝፈታትን ንኣኽሊል ነጻነት ኤርትራ ምስ ተንከፈ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዘለወ ሃልዩ ስቕታ ጥሒሱ ቅልል ዝበለ ምኽንያት ከኣ ጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ማእከላዊ ሕቶ መጻኢ መስል ርእሰ ውሳኔታቱ ዘንቀለ ሕቶ’ዩ። ነቲ ዝሓለፈ ኩሉ ዝተባህለ ተሞክሮታት ብምግንዛብ ከኣ ደጊም ጉዳይ ሃገርን ጉዳይ ህዝብን ከም ዘይፈላለን ብስልጣን ጉጅለ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከም ዘይውሰን ብንቅሓት ቆሪጹ ዝተበገሰ። ህዝብና ንዘርኣዮ ትዕግስትን ሓልዮትን ቅኑዕ መልሲ ስለ ዘይረኽበሉ ከኣ ጉዳዩ ባዕሉ ክውድእ ተበጊሱ ይርከብ።

እዚ ከም ኣብ ዝሓለፈ ቃልስታት ንሓድሕዱ ኣብ ዝጎደለ እንዳተመላልአ፡ ኣብ ዝደኸመሉ እንዳተሓጋገዘ ዝኸይድ ዘሎ ተባዕ ውሳኔ ህዝቢ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ኣንጻር ህግዲፍ ምዕዋቱ ግድነት’ዩ። ስቕታ ብምጥሓስ ህዝብና ድምጹ ክስማዕ ምግባር ከኣ ክንደይ ሃገራዊ ረብሓን ጠቕምን ከም ዘለዎ፡ መሰላት ዜጋታት ብቅዋም ክትግበር ምሕታቱን’ዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ድምጹ ከስምዕ፡ መሰሉ ክኽበረሉ ክሓትት ጥራሕ ዘይኮነ ብደረጃ ቅዋም ሰፊርሉ ብሰላምን ስኒትን ሓድሕዱ ተኸኣቢሩ ክነብር ዘኽእሎ ባይታ ዘንጽፍ ክውንነት ንላዕሊ እዋናዊ ሃገራዊ ኵርዓት ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ

22 ሕዳር 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.