ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉድያት ምብራቕ ሱዳን!!

ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉድያት ምብራቕ ሱዳን!!

ኣተን ምስ ኤርትራ ዝዳዋባ፣ ታእሪኻውን ቁጣባውን ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ እየን። ኣህዛብ ናይዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት  ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብጆግራፍ፣ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ማሕበራዊ ዝምድናታት  ዝተኣሳሰረ እዩ። ብፍላይ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ብኩሉ እንትንኡ  ካብ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ሓደ ዓቢ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ከልተአን ሃገራት ስል ዝነብር  ክንዮ ዶብ ዝተዘርግሐ ማሕበራውን ቁጣባውን ምትእስሳራት ዘለዎ  ዓሚቕ ዝምድና ምዃኑ ንብዓይኒ ቅንዕና ዝጥምትን ልቦና ንዘለዎን ሰብ ጉሁድ ሓቂ እዩ። እዚ ኩሉ ስፍሕ ባይታ ቁጣባውን ባህላውን ብልጽግና እና ሃለወ፣ ብሰንክ ሰላምን ቅሳነትን ዘይምህላዉ ህዝብታት እቲ ዞባ ብድኽነትን ድቁርናን ሕማምን ንድሕሪት ኣብ ጭራ ምዕባለ ዓለም ተር ኢሎም ተሰሪዖም  ይርከቡ።  ብጫካናትን ዓመጽትን ማራሕቲ ዝምራሕ ዘሎ ኣህዛብ ቀረኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንምርግጋጽ መሰረታዊ መሰላቶም፣ ዘይፍትሓውያንን  ዘይሕጋውያንን ዝኾኑ ገዛእቶም ከልግሱ፣ ዲሞክራሳውያንን ፍትሓውያንን  ስርዓታት ንኽተኽሉን ዘበገስዎ ቀልስታት፣ ብሰንክ ናይ’ቶም ከም ማሓዙት ተመሲሎም  ዝቀርቡ ባዕዳውያን ስርዓታት ምትእትታው ማኣዝኖም ሰሒቶም፣  ኣብ ክንዲ ዕላማኦም ዝውቅዑ፣ ኣብ ጸቢብ ኮሮድዮታት ቀቢላን ሃይማኖትን  ኣቲዮም ምህላዎም ማንም ተኸታታሊ ጉዳያት እቲ ዞባ ዝፈልጦ ሓቂታት እዩ።ኣብዚ ግዜ እዚ ዓቢ ኣታሓሳሳቢ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ  ህሉው ኩነታት ምብራቕ ሱዳን እዩ። ናዕና ውን ከም ጎሮቤት ህዝቢ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካያድ ዘሎ ፍጻሜታት ኣዝዩ ዝጸልወናን ዘገድሰናን ስለዝኾነ፣ ብዛዕቡኡ ዝፈልጡ ሓበሬታ ንኣበብቲ ከማሕላልፍ ክፍትን እየ። ብስፍሓቱን ብባህርያዊ ሃብቱን ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ምብራቓዊ ዞባ ሱዳን፣ ካብ ነውሕ ግዜ ኣትሒዙ፣ ኣብ ዓይኒ ውሽጣውያንን ግዳማውያንን መዝመዝቲ ሓይሊታት ዝኣተወ እዩ።  ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ 1956 ዓ·ም፣ ዕለት ናጽነት እታ ሃገር ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዘእቲ ክማሓደር ዝጸነሐ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ድሕሪ ናጽነት ማለት ካብ 1956 ክሳብ ሕጂ ዝቅጽል ዘሎ፣ ምሕደራ ተኸታተልቲ መንግስታት ሱዳን፣ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ንኣስታት 64 ዓመታት ዝተጠቕሙሉ፣ ንህዝቢ ዘይርብሕ ፖሊሲታት፣ ኣብ ባህላውን ቁጣባውን ዕብየት ናይቲ ህዝቢ ዝመጾ ለውጢ ኣይነበረን። ብደቂ ሰሜን ዝምራሕ ማእከላይ መንግስት ሱዳን፣ ንቀጻልነት ዕብላላኦም ንምውሓስ፣ ቀቢላን ሃይማኖትን ከም ቀንዲ መለለዪ ሕላገት ህዝቢ ኮይኑ ክቅጽልን ህዝቢ ኣብ ፖሊቲካ ህይወት ከይነጥፍን ዓበይቲ ጻዕርታት ኣካዪዶም እዮም።  ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዘሕዝን ተርእዮታት ምብራቕ ሱዳን፣ እታ እንኮ ኣፍ ልዳት ባሕሪ ሃገረ ሱዳን ዝኾነት ወደብ ፖርት ሱዳን ዝውንን ብካልእ ባህርያዊ ሃብቲ ውን ኣብ ቀዳማይ ደረጅ ዝስራዕን ዞባ ከንሱ፣ ምስ ካልእ ዞብታት እታ ሃገር ክነጻጸር ከሎ፣ ህዝቡ ብሰንክ ድኽነትን ድንቁርናን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ድረጃ መነባብሮ ይነብር ምህላዎም እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ እቲ ዞባ ብመጓሰይን ማሕረስን እዩ ዝናበር። እቲ ዝተረፈ ውሑድ ቁጽሪ ድማ ኣብ ንግዳዊ ስራሓት ዝተሞርክስው ህይወት ይነብር። እቲ ብስፍሓቱ ዝዓበየ መሬት ሕርሻ ዝውንን ምብራቕ ሱዳን፣ ሸውሃት ስሰዐ ናይ ካልኦት ዓሌታት ስለ ዝኸፈተ ካብ ጎሮባብቲ ሃግራት ይኹን ካብ ካልኦት ዞባታት ሱዳን ናብቲ ዞባ ተኸታታሊ ዋዚ ስደት ኣስዒቡ። እዚ ስደት እዚ ካብ ጫድ፣ ካሚሮን፣ ናይጀርያ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዓሌታት ብብዝሒ ኣብቲ ስቡሕ መሬት ሕርሻ ምብራቕ ሱዳን ሰፊሮም መሬት ክግብቱ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ማዕበላዊ ስደት ብቲ ማእከላይ መንግስት ዝተባረኸ ኮይኑ ዕላምኡ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ፋላሊኻ ምግዛእ ሜላ፣ ህዝቢ ብዓሌትን ቀቢላን ከፋፊልካ ብስዉር ግርጪቱ እና ኣማሓዲርካ ካብ ፖሊቲካዊ ህይወት ክተርሕቆ ምፍታን እዩ። ኣብቲ ምህሙን ባይታ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዘለዎ ሕብረተሰብ፣  ምግባት መሬትን ካልእ ማሕበራዊ ረብሓታት ዘበገሶ ቁርቁስ ኣብ ሞንጎ ነበርቲ ናይቲ ዞባ ናይ ደገ ምትትእታዋት ክስሕብ ጀሚሩ።   ብፍላይ ኣብዚ ዘሓለፈ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዕላው ስርዓት ኣልበሺር፣ ኣብ ሞንጎ ኑባን በኒ ዓምር ተዝባረዐ ዓሌታዊ ግጪት ህወት ብዙሓት ንጹሃን ሰባት ጠፊኡን ብምልዮናት ግንዜብ ዝትመን ንብረት ነዲዱን። እቲ ዓሌታዊ ግጪት ብዘይ ንጹር ምኽንያት እንደገና ኣብ ሞንጎ ሃደንደዋን በኒ ዓምር ተወሊዑ፣ ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ብሓደ ጥቅላሊ ናዝር(ከንተባ) ትምራሕ ዝነበረት ቀቢላ ሃደንዳዋ ለሒሙ ኣብ ክልተ ክፍላት ከምትምቀል ተገብረ።ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሓመስቲ ጉዳያት  ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፋሻ፣ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን  ድማ ብፍላይ ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ሰርዓት ኢሰያስ ኣፍወርቂ እዩ።  ከም ሕማም ተላገብ ኩለን ሃገራት ቀርነኒ ኣፍሪቃ ኣብ ታሪኸን ተራኢዩ ዘይፍለጥ፣ ሕብረተሰባተን ብዓሌትን ሃይማኖትን ተገማሚዑ ኣብ ምጽጋኑ ዘሸግር ደረጃ ተበጺሑ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ብህውከትን ደማዊ ኵናትን ተናዊጸን ይርከባ። ሰርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ መነባብሮ እቲ ብሰንክ ሕማቕ ምሕደራኡ ብድኽነትን ሕማምን እና ተሳቀየ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘማሓይሽ፣ ገንዜብ ህዝቢ ንተቃወምቲ ጎሮባብቲ ሃገራት ኣብ ምዕጥቅን ምዕንግልን የባኽኖ ኣሎ።  መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሶማልን ጅቡትን ኢትዮጵያን ንዘሳውሮም ዘሎ ውግኣት ከይኣኸሎ፣ ካብ ተስዓታት ናይዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ  ክሳብ’ዛ ዕለት’ዛ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ካብ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምትእታዋት ተቐጢቡ  ኣይፈልጥን እዩ።  ሎሚ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ድሕሪ ምዕላው ስርዓት ኣልበሺር ተኸሲቱ ንዘሎ ቀቢላውን ዓሌታውን ምስሕሓባት ክሳብ ደማዊ ኵናት ንኽበጽሕ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምስዋሩ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ምንጭታት ኣብታ ሃገር ይሕብሩ።ብሰንክ ዝጽስንሐ ጉዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኣልበሺር፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ድሕሪ ምውዳቅ እቲ ስርዓት ዓበይቲ ፖሊቲካዊ ሃጓፋት ተፈጢሮም። እቶም ከም ኮማውያን ኣማሓደርቲ ተቆጺሮም ብቐጥታ ብማእከላይ መንግስት ኣልበሺር  ዝማሓደሩ ዝነበሩ መራሕቲ ቀቢላታት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፋት ክሽፍኑ ስለዘይኻኣሉ እቲ ፍሕፈሐን ምስሓሓባትን መሊሱ ክገፍሕ ክኢሉ። እቲ ካልኣይ ገጽ ስርዓት ኢሳያስ ዝኾነ ስርዓት ኣልባሺር፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንኹሉ ሕብረተሰብ ናይቲ ዞባ ዝሓቁፍ ናጻ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ንከይፍጠር ዓቢ ተራ ነሩዎ እዩ። ካድራቱ ካብ ፖሊቲካዊ መድረኽ ኣብ ዝጠፍኡሉ ግዜ፣  ዝቆጻጸር ማእከላይ መንግስቲ ምስ ተሰኣነ፣ ብዝተፈለዩ ምኽንያት ተሓቢኦም ዝነበሩ ጸገማት ሕብረተሰብ ኣብ ጽፍሒ ተቀልቂሎም ይርከቡ። ብፍላይ እቲ ብስዉር መንገዲ ብናይ ደገ ሓይሊታት ክጓሃሃር ዝጸነሐ ውሽጣዊ ግርጪታት ሕብረተብ ጥርዙ በጺሑ ኣብ ናይ ምንቷግ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ንኹሉ እቲ ሕብረተሰብ ዝውክላ ሲቪላውያን ፖሊቲካውያን ሰልፍታት ኣብ መድረኽ ፍጻሜታት ብዘይ ምህላወን ውን ከምዚ ዘይንቡር ፖሊቲካዊ ባህርያት ክረአ ኮሎ ካብ ትጽቢት ዋጻኢ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲ እዚ ንጹር ፖሊቲካዊ መርገጺ ማራሕቲ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ዘይምህላዉ ውን ነቲ ኩነታት መሊሱ ኣብኢሱዎ ይአርከብ።  ተዓዘብቲ ፖሊቲካዊ  ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ከም ዝትንትንዎ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ከባቢ  ዝግበር ዘሎ ናይ ግዳም ጣልቃ ምእታው ይትረፍ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዝረአ ፍሕፈሐ፣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቀቢላ ከይተረፈ ሕማም ምፍንጫልን ምግንጻልን ኣስዒቡ ምህላዉ ሓቂታት ኣብ ባይታ ይሕብሩ። ንኣብነት ኣብቲ ሼኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይ(መንፈሳዊ ማራሒ ሃደንደዋ ወይ ሕዳረብ) ኣብ ከሰላ ንደገፍቱ ዘስሞዖ መደረ ሕቡእ ፖሊቲካዊ  ምልእኽቲ ዘማሓላልፍ እዩ ነሩ። ብተመሳሳሊ መልክዕ ከምዚ ዓይነት መደረ እዚ ኣብ ከተማ ሃያ(ምብራቕ ሱዳን) ብማራሒ(ናዝር) ቀቢላ  ሃንደንደዋ  ተሰሚዑ ነሩ። ንሱ፣ ኣብ መደረኡ ብዛዕባ ቀንዲ መትከላት፣ ናይቲ ብ2006 ኣብ ኣስማራ ዝተፈረመ፣ ውዕል ሰላም ምብራቕ ሱዳን ኣተኪሩ ተዛሪቡ። ካብቲ ተመሳሳሊ ትሕስቶ ዝነበሮም መደረታት ናይዞም ክልተ ተቀናቀንቲ መራሕቲ ሃደንደዋ እንርድኦ ነገር እንተሎ፣ ክለተኦም ብመንግስቲ ኢሳያስ ዝድገፉ ሙዃኖም እዩ። ምኽንያቱ ሼኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይ ካብቶም ሓደሰቲ ተጸወቲ ፖሊቲካ ምብራቕ ሱዳን ኮይኑ ኣሎ። ንሱ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ፣ ኣብ ኣንጻር ተሓኤ ዝቀንዐ ስላያዊ ንጥፋታት ምስ ህዝባዊ ግንባር ይተሓባበር ከምዝነበረ እዩ ዝዝፍለጥ።  ድሕሪ ናጽነት ውን ኣንጻር ሰርዓት ኣልበሺርን ተቃውምቲ ኤርትራን ቀንዲ ስለያዊ መርበብ ኮይኑ ይሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናቱ ሰርዊት ኣሰልጢኑ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ኣብ ትሕቲ ጽላል ስርዓት ህግደፍ ይንቀሳቀስ ኣሎ። ንባዕሉ ውን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ብግንዜብ ህዝቢ ኤርትራን  ፓስፖርት ኤርትራ ናብ ሕቡራት እማራት ዓረብ ከይዱ ዝተሓከመ ኢሙን ኣገል ጋሊ ኢሳያስ ኣብቲ ዞባ ኮይኑ ኣሎ። ናዝር ሃደንዳዋን ኣቦውንበር ጉባኤ ብጃን ዝኾነ ትርክ ውን ንሱ ዝድግፎ ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ 2006፣  ኣብ ኣስመራ ውዕል ሰላም ምብራቕ ሱዳን ዝፈርመ እዩ። እዚ ውዕል እዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝተዋሓሰ ኮይኑ ብምልኦም ብወገን ግንባር ምብራቕ ሱዳን ዝነበሩ ፈርምቲ ናይቲ ውዕል ብስላያ ስርዓት ህግደፍ ዝተመስርሑ፣ ሕሉፍ ታሪኽ ፖሊቲካዊ ተመክሮ ዝገድሎም ተልመዴን ፖሊቲካ እዩም ኔሮም። ድሕሪ እቲ ውዕል ሰላም ከም ኣባላት መንግስቲ ሱዳን ኮይኖም ንረባሓ ስርዓት ህግደፍ ይሰርሑ ምንባሮም ካብቲ ብዘይ ምቁራጽ ዝግበርዎ ዝነበሩ ርክባት ክንርዳእ ንኽእል። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንክ ምትእትታው ስርዓት ኢሳያስ ቀቢላ ሃደንደዋ ኣብ ክልተ ክፋላት ተመቂላ ኣላ። ሃደንዳዋ(ሕዳረብ ኣብ ኤርትራ)፣ ቅድሚ ሕጂ፣ ብሓደ ማራሒ(ናዝር) ተምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ዓመት ብወልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝተመረቐ ሓድሽ ዘይወግዓዊ ናዝር ቀቢላ ጅሜላብ ዝኾነ ሼኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይ፣ ክልተ መሪሕነት ጌራ ኣላ። እቲ ብሃንደበት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማእከል ፍጽስሜታት ናይቲ ዞባ ዝተቀልቀለ ኣልኣሚን ዳዉድ ዝተባሃለ፣ ፖሊቲካዊ መራሒ በኒ ዓምር ውን፣  ኣብቲ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቱ ኣብ ከተማታት ኻርቱም፣ ካሳላ፣ ፖርት ሱዳን ዝስሞዖ መደረ ምስ ትሕስቶ መደረ  ሱሌማን ዓሊ ቢታይ ዝመሳሰል ኮይኑ ብዝያዳ ኣብቲ ብማእከላይ መንግስት ዝግበር ዝነበረ ምግሃስ መሰላት ህዝቢ እቲ ዞባ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ፖሊቲካዊ ድሕሪ ባይታ ኣልኣሚን ዳዉድ ብዙሕ ዝፍለጥ እኳ እንተ ዘየለ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ብመንግስት ደቡብ ሱዳን ዝድግፍ  ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ።   ኣብ ትሕቲ ጽላል መንፈርፈር ኢሰያስ ዝንቀሳቃሱ ሓደስቲ ፖሊቲካኛታት ምብራቕ ሱዳን እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ማራሕቲ ጥራሕ ኣይኮኑን። ብዙሓት ካብ ቀቢላታት በኒ ዓምርን ሓባብን ሃደንደዋን ዝውለዱ ፖሊቲከኛታት ኣብዚ ክንጠቕሶም ዘይካኣልና ኣባላት ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ምስ ስርዓት ህግደፍ ብቀረባ ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዉን ኮይኖም ኣብዚ እዋናዊ ጉዳያት ዞባኦም ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣብቲ መድረኽ ፍጻሜታት ኣቲዮም ኣለዉ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ውን ኣብቲ ኣብ ጁባ፣  ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቕ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዘይተወከሉ እንዳታት ቀቢላ ሃደንደዋ ምእንቲ መሰሎም ብሬታዊ ቀልሲ ከበግሱ እጅግኦም ሰብሲቦም ከም ዘለዉ እዮም ሓቢርም። ንሳቶም ዘተ ጁባ ንምብራቕ ሱዳን ስለ ዘይውክል፣ ዘተ ናብ ኣስመራ ውይ ኻርቱም ክቅይረሎም ይሓቱ ኣለዉ። ስለዚ ኣብቲ ኩሉ ፍጻሜታት ናይቲ ዞባ፣ ኣሰር  ስምብራት ኣጻብዕቲ ወልቀ መላኺ ኢሰያስ ከም ዘሎ ካብ ማንም ክስወር ዘይክእል ኩነታት እዩ ዘሎ። ከምኡ ውን ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፣ ብቲ ብሞንጎንነት ኢትዮጵያን ወድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተፈጸመ ጽምብል ውዕል ምስግጋር ምሕደራ መንግስቲ ሱዳን፣  ኣብ ሞንጎ መሰገጋሪ ውተሃደራዊ ባይቶ ሱዳንን ተቃወምቲ ምንቅስቃስ ሓርነትን ለውጥን፣ ካልኦት መራሕቲ ጎሮባብቲ ሃገራት ኣብቲ ሓጎስ ህዝቢ ሱዳን ዝኾነ ጽምብል ክሳተፋ ከለዉ፣ ንሱ  ኣብ ሳዋ ምስ ገለ ኣባላት ተቃውምቲ ምብራቕ ሱዳን ኮይኑ ብዝተፈለየ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቁ  ሓደስቲ ተመረቕቲ ወተሃደራት ዝገበርዎ ወተሃደራዊ መርኢት ክዕዘብ ወዒሉ።  ኢሳያስ፣ እቲ ብሞንጎንነት ኢትዮጵያን ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበጸሐ ውዕል ሰላም ደስ ስለ ዘይበሎ ናይ ኹራ መልእኽቱ ከምሕላልፍ ፈቲኑ። ንሱ ብነፍሱ ስኒትን ሰላምን ስለ ዘይፈቱ ኣብ ሳዋ ምስ ሸኽ ስሌማን ዓሊ ቢታይን ዑመር መሓመድ ጣህርን(ውተሃደራዊ መራሒ ሰራዊት ሃደንዳዋ) ሽርሒታት ክኣልም ስለ ዝወዓለ ናይ ፋሉልነት ባህርያቱ ዝገልጽ ተግባራት ኣርእዩ። ዕላማ ምትእትታው ኢሳያስ ኣብ ጉድያት ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣  ክንዮ ረብሓታት ሕብረተሰብ  እቲ ዞባ እዩ። ተንተንቲ ከምዝግልጽዎ፣  ሕቡእ ዕላማ ወልቀ ማላኺ ኢሰያስ ብስደት ኣብ ሱዳን ዝነበር ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ምዝንባል ዲሞግራፋዊ ሚዛን ንኸይ ፍጠር ብኣጋ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብልስሉስ ኣገባብ ኣብ ዘለዉዎ ንኽጣየሱ ከም ዘለዎም ምግባር እዩ። እዚ ከኣ ምስ እቲ ዓጋዝያውያ ዓው ኢሎም ዓንገረር ዝብልሉ ቁሉእዕ ዕላማኦም ዝሰማማዕ ዕላማ ይመስል። ስለዚ እቲ ፍሉጥ ምልክታት ኣሰር ስብራት ኢድ ኢሰያስ  ኣብ ኩሉ ግርጪት ናይቲ ከባቢ ተጋሂዱ ኣሎ። ንሱ ዕላምኡ ንምውቃዕ  ኩሉ ዝካኣልን ዘይካኣልን ሜላታት ዝጥቀም ሕደገኛ መራሒ እዩ።  ንሱ ኣብ ዘመን ድሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ሕግን  ናይ ግፍዕን ጭካነን ምስሊ ዝውክል ኣረመነ መራሒ ውን እዩ። 


ሽፋ መ/ኑር

 24/11/ 201

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.