ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፣ኣብ ልዕሊ ተቓላሳይ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ (ኣሰና) ዝተፈጸመ ብሓባር ይኹንኑ!!

ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፣ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ልዕሊ ተቓላሳይ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ (ኣሰና) ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብሓባር ይኹንኑ!!
እቲ ብዕለት 26 ሕዳር 2019 ሰሉስ መዓልቲ፣ ኣብ ከተማ ለንደን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብጻይና ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ሓላፊ ረድዮን ሳተላይት ቲቪን ኣሰና ተጌሩ ዘሎ ግብረሽባራዊ መጥቃዕቲ ኣጥቢቕና ንዅንን። እዚ ንሓው እማኑኤል ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ፣ ቅድሚ ሓደ ዓመትው’ን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ዓርኪ ኤርትራውያን ዝኾነ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ማርትን ፕላውት ተፈጺሙ ነይሩ’ዩ።
ስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ብልኡኻቱ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ከተማ ለንደን ከምዚ ተግባርዚ ብቓልዕ ክፍጽም እንከሎ፣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣብ ልዕሊ ሚድያን ጋዜጠኛታትን ጽልኢ ክም ዘለዎ ዝገልጽ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ክሳብ ክንደይ ከኣ ናይ ተቓውሞ ሚድያ፣ ብፍላይ ከኣ ሳተላይት ቲቪ ኣሰና ዓቕሉ ኣጽቢብሉን ኣርዒድዎን ከምዘሎ ዘርኢ ተግባርዩ። በዚ ኣጋጣሚዚ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ንዘካይዶ ናይ ራዕዲ ተግባር ኣብ ግዳም ከሰጋግሮ ይፍትን ምህላዉን ብቃልሲውን ክሰዓር ከምዝኾነን እናኣረጋገጽና፣ ንብጻይና ኣማንኤል ቃልሱ ከሐይል፣ ንሕና ድማ ኣብ ጎድኑ ከምዘለናን፣ ነዞም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ከኣ ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ዝግበኦም ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክወስዱ ጻውዒትና ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቕርብ። እዚ መርኣያ ምሕያል ተቓውሞናንን፣ ኩሎም ሜድያ ማዕከናትናን ብሓፈሻ፣ ሳተላይ ተለቭዥን ኣሰና ከኣ ብፍላይ ምዃኑ እንኾርዓሉ፣ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ እዩ።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ዓወትን ዕቤትን ሜድያ ኤርትራውያን!
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን!
ኣስማት ተቓወምቲ ጽላላትን ውድባትን ኤርትራ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
ውድብ ሓድነት ንደሞክራስያዊ ለውጢ
You must be logged in to post a comment.