ወይ ጉድ ቀጠር ትዓብደሉ ግዜ ኸኣ ኣኺሉ እምበኣር!!!!!

ወይ ጉድ ቀጠር ትዓብደሉ ግዜ ኸኣ ኣኺሉ እምበኣር!!!!!
ሓሶትን ኣረመናውነትን እቲ ዝለዓለ መግለጺ ስርዓት ኢሰያስ ኢዩ። ፈለማ ብሓሶት ይጥቅን ቀጺሉ ኣረመናዊ ኣዕናዊ ተግባሩ ይፍጽም። ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ መሬት ኤርትራ ካብ ወተሃደራት ደርጊ ነጻ ምስ ኮነት ህዝቢ ኤርትራን ብሓዊ ዝነደዱ ምዑታት ተቃለስቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ኣካላውን ስነ-ኣኣምራውን ናይ ኲናት በሰሎኦም ከይሓወየን እፎይ ከይበሉን ብ1993 ዓ.ም.ፈ. ኣረመን ኢሰያስ ብኣካል ብድምጺ ሓፋሽ ኣቢሉ እስላማዊ መንግስቲ ሱዳን ሙጃሂዲን ሱዳናውያንን ደቂ ሞሮኮ ዝርከብዎምን ኣሸበርቲ ልኢኹ ንጸጥታን ስላምን ኤርትራ ክዘርግ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ገሊጹ። ቀጺሉ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ዐሽንኪት ምስ ሓደ ደቂ ሞሮኮ ዝርከብዎ ጋንታ ዝኸውን ዕጡቃት ናይ ኣሸበርቲ ኣሃዱን ሰራዊትናን ኲናት ተኻዪዱ ሰለስተ ደቂ ሞሮኮ ተማሪኾም ኣለዉ ደቂ ሞሮኮ ኣብ ኤርትራ እንታይ ኣለዎም ክብል ከም ዝገለጸ ህዝቢ ኤርትራ ከየዕረፈ ዝተሰንዘረ ርኹስ መግለጺ ብምንባሩ ዘደንጹ ዘይርሳዕ ናይ ኩሉ ተዘክሮ ኢዩ ነሩ። እቲ ዘገርም እምበኣር ኣረመን ኢሰያስ ይገልጽ እምበር ናይቲ ዘቅረቦ ክሲ ጭብጢ ንህዝቢ ዘየቅርብ ምዃኑ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ዘደንጹን ዘሕዝንን ከኣ ኢሰያስ ንዝበሎ ቁልቁል ንኣፉ ኣሚኖም ዘጣቅዑ ምህላዎምን ነቲ ዝበሎ ብውግእ ክፈትሖ ምምዳቡን ኣብቲ ንሱ ዝኣጉዶ ኲናት ክነዱ ድልዋት ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ምርኣዮምን ኢዩ። ከም መቀጸልታ ናይቲ ብ1993 ዓ.ም.ፈ. ዝተዋህበ ሰራም ዝመለኮቱ መግለጺ መራሕ ኣረመናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሱዳን ብተሸብሸብ ተኣንጎት ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታቱ በትኹ ብመንገዲ ናይ ደቡብ ሱዳን ምንቅስቃስ SPLA ምስ ሱዳን ዘይቀጥታዊ ውግእ ተናኺሱ። ከም ውጽኢቱ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሓው ዝኾነ ኣህዛብ ኣብ ደማዊ ዘይቀጥታዊ ኲናት ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ሂወት ኣማእት መንእሰያት ጠፊኡ። እቲ ኣዕናዊ ኲናት ቲ ኣብ ዝጥጃኣሉ ዝነበረ ብሸነኽ ከሓዲ ኢሰያስ ተደራቢ ሸርሒ ተደላዪ ኮይኑ ተራኢይዎ ምስ የመንን ኢትዮጽያን ጅቡትን ብኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ክፍታሕ ዝነበሮ ናይ ዶብ ሕቶ ግድን ኲናት ኣድሊይዎ ግዜ ንዘይምቅታል እቲ ትንተና ዘየድልዪ ኩሉ ኤርትራውን ዓለምን ዝፈልጦ ዝተረኽበ ኣዕናዊ ተረኽቢ ኲናት ተራእዩ። ከም ሳዕበኑ ኤኮኖሚ ውጽዕቲ ሃገርና ኤርትራ ባይታ ዘቢጡ ሕሰምን ጭንቀትን ዘይቅሳነትን ሓሳረ-መከራን ካብ ርኹስ መንፈስ ኣረመን ኢሰያስ ንታሕቲ ወሪዱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ኣስፋሕፊሑ ስደትን ምብትታንን ይቅጽል ኣሎ። ኣብቲ እዋን ቲ ምስዚ ዝተገልጸ ኢደ-ኣዙራውን ቀጥታውን ኣዕናዊ ኲናት ዝተፈራረቀ ንኣዕራብ ምስኦም ምራሕ ብጸጋም ዘሮ ምውሳኽ ኢዩ ቀጺሉውን ምምሕዳር ኣመሪካን ከደምቱን ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ውዲታት ይኣልሙ ኣለዉ ዝተባህለ ክስውን ብዘይካ ምስ ምብቃዕ ኣረመናዊ ስርዓት ኢሰያስን ዉሑዳት ንሂወቶም ምስኡ ዝኣሰሩን ዘይውዳእ ንሰማዕቲ ዘሰልቸወ ቃና ተዋስኦ ምዃኑ ደጊምስ ንኹሉ ብሩህ እናኾነ ክመጽእ ጸኒሑ ዩ። ቅድሚ ገለ ሳምንታት ስርዓት ህገድፍ ናይ ስለላ ትካላት እስራኤልን ኣመሪካን (MOSAD)ሞሳድን (CIA) ሲኣኤን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምውዳቅ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እዞም ስርዓት ህገድፍ ዝኸሰሶም ትካላት ንባዕሉ ንኣረመን ኢሰያስ ጠፍጢፎም ዝሰርሑን ንእኩይ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ እስራተጂካዊት መሓዛና ኢትዮጽያ ናይ ዝብል ንነዊሕ ኣንጻር መንነት ኤርትራ ዝተዋደደ ናይ ሓደገኛ መደብ ሃንደስትን ዓንገልትን ምዃኖም ብታሪኽ እናተገልጸን ሎሚ ኸኣ ብዝያዳ ተነጺሩ ዳርጋ ፍርቂ ኣካሉ ኣብ ቃልዕ ንደገ ወጺኡ ይረአ ምህላዉን ኢዩ። ሎሚ ድማ እኖሆ ጀነራላት ኤርትራ ዕንቑ ተረኺቦምሲ ያኢ ገለ ተቀቲሎም ገለ ድማ ፈተነ ቅትለት ተገርሎም ገለ ኸኣ ተኣሲሮም……ወዘተ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ መትሓዚ ኣብ ዘይብሉ ናይ ጸልማት እዋን ወረ ኣረመን ጸላኢ ኤርትራዊ መንነት ዝኾነ ኢሰያስን ምኒስትሪ ዘንኡን ሃገረ ቀጠር ትዓብደሉን ትዕንድረሉን እዋን ኣኺሉ ዓሰርተ ነጥብታት ዘጠቃለል ክስታት ከቅርቡ ምስሞዖም ክሳብ ክንደይ ጠፍሾም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ጸሊም መቃብሮም ክወድቑ ሰንከልከልን ራዕራዕን ይብሉ ምህላዎ ዘመልክት እምበር ከቶ ካልእ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ሕሉፍ ናይ ሎሚ ዕብዳን ቀጠር ዝበልዎ ኣዕናዊ ፍጻሜታት ዘመልክቶ እንተሊዩ ከዳዕ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብዋጋ ጽንዓትን ንጽህናን ህዝቢ ኤርትራን መንነቱን ሓያልን ቅኑዕን መሲሉ ብኣንጻሩ ግን ንመንነት ኤርትራ ጸንቂቁ ከጥፍእ ብካልኦት ንዝተጠጀአ ኣዚዩ ሓደገኛ መደብ ክሰርሕ ከምዝጸነሐን ዘሎን ዘመላኽት ጥራይ ኢዩ። ብሓቂ ኸኣ ከዳዕ ኢሰያስን ዉሑዳት ኣብ ጥርዚ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡን ኣብ ቅድሚ ድኹማት እምበር ኣብ ቅድሚ ሓያላት ብፍጹም ጽኑዓትን ተባዓትን ዘይምዃኖም ናይ ሓሶት ናይ ሕጽኖቶም እዋን ሎሚ ተቃሊዑ ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ክውንነት ስለዝኾነ ከይፈተና ዓንደል እናጠዓመና ዓይንና ሰም ኣቢልና ግስም ከነብሎ ይግበኣና ኢዩ። ከዳዕ ኢሰያስን ዉሑዳት ኢደበይዙኡን ሎሚ ተኣመንቲ ኤርትራዊ መንነት እንተዝኾኑ ክንደይ ደስ ምበለና። ምኽንያቱ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ካብዚ ኩሉ ክሳራን ውርደትን ምደሓኑ። ንሰላሳ ዓመት ጸኒዕኩም ተቃሊስኩም ንልዕሊ ሓያላን ናይ ዓለምና መንግስታት ስዒርኩም ናይ ሓደ ውልቀሰብ ስርዓት ክትምስርቱ ተገራጫዊ እዩ ብሓቂ ቀደምን ሕጅን ንስኹም ኤርትራውያን ዲኹምውን ኣይምተበሃልናን። ብርግጽ ከኣ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዘብርሆ እንተሊዩ ኢሰያስን ቁንጣሮ ወይጦታቱን ዝኣምንዎን ዝኣምኖምን ዘይብሎም ብኣጻር ናይቲ ካብ ጽኑዕ ሃገራዊ እምነት ክሳብ ካብ ጽላሎቶም እናሰግኡ ቀደመኒ እናበሉ ብዓይኒ- ብለይ ስኒ-የብለይ ዝዓይነቱ ኣገባብ ክቀትሉን ክስውሩን ይረእዩ ኣለዉ። ተበዓትን ተኣመንትን ህዝቦም ዝኾኑ ተጋደልቲ ተሓኤን ህግሓኤን ኢሰያስን ዉሑዳት ጉጅሊኡን ኣበየ መድረኹ ዝተፈላለዩ ሸርሕታት ፍሒሶም ብድሕሪት ወጊኦም ኣጥፊኦሞም ኢዮም። ሎሚ ኢሰያስን ወይጦታቱን ናይ ነዊሕ መደቦም ናይ ምትግባር ናይ ዜሮ ሰዓት ኣኺሉ ኢዩ ዝብሉሉ ግዜ በጺሕና ኢና ኢሎም ስለዝገምገሙ ኣብ ቦታ ውሳኔ ጉጅሊኦም ንእሽቶይ ጽንቃቅ ናይ ኤርትራውነት ስምዒት ዘለዎ ባእታ ከይርከብ ብምቅታልን ምእሳርን ከምቲ ናይ ሓምሳታት መንገዱ ጸሊም ዕዳጎኦም ከጻፍፉ ኢዮም ዝርከቡ። ሰለዚ ኸኣ ዮም ከምቲ ሰራቂ ንኣቃልቦ ሰባት ናብ ካልእ ኣሻቂሉ ጅቦኦም ዝዘምት MOSAD ዶ CIA ዶ ቀጠር ዓቢዳ ዶ . ……ወዘተ ክብሉ ዝርከቡ ዘለዉ።
እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን እምበኣር ከም ኤርትራውያን ቀዳምነታትና ረሲዕና ከም ደግፍትን ተቃወምትን ተበሃሂልና ንቅጽል ምህላውና ኢዩ። ኢሰያስ ምስ ጉጅሊኡ ንሃገር ብሃገራ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ይርከብ ኣሎ። ሃገርና ድሕሪ ምድሓን ኣብቲ ብዓብላሊ ድምጺ ህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ኢና ተቃወምትን ደገፍትን ክንከውን ዝግበኣና። ሎሚ ኢሰያስ ናይ ኩልና ጸላኢ ምዃኑ ፈሊጥና ናብ ፍርዲ ከነቅርቦ ይግበኣና ነሩ። ጀጋኑ ተጋደልቲ ህግሓኤ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ገድሊ ምእንቲ እዚ ኣብ ሃገርና ብከዳዕ ኢሰያስ ሰፊኑ ዝርከብ ክውንነት ኢልኩም ብሓዊ ክትነዱ ፍቃደኛታት ከምዘይነበርኩም ኩሉ ጥዑይ ሕልና ዘለዎ ብቀሊሉ ዝርደኦ ስነ-መጎታዊ ሓቂ ኢዩ። ብክድዓት ኢሰያስ ልዕሊ ማንም ዝኸሰርኩምን ዝተጎዳእኩምን ንስኻትኩም ምዃንኩ ንዓኹም ምሕባር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብዓቢኡ ናይ መጻኢ ናይ ወለዶታት ኤርትራ ናይ ደቅና ታሪኽ ከይንኸስር ከይትኸስሩ ብሓደ ንሰርሓሉ እዋን ኢዩ። ዝሓለፈ ይኣክል ከዳዕ ኢሰያስ በብሓደ ክቅንጥበኩም ይረአ ኣሎ ናይ ግዜ ሕቶዩ እምበር ንኹሉም ንምቅታል ንምእሳር ንምስዋር ሰሪዕኩም ከም ዘሎ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ኣረመናዊ ናይ ምቅታልኩምን ናይ ምእሳርኩምን ምስዋርኩምን መደብ ክሳብ ዘሰላስል ዩ እምበኣር ቀጠር ዓቢዳ ክብለኩም ዝርከብ። ህግደፍ ኤርትራ ንምሻጥ ኣብ ናይ መጨረሻ ዕብዳኑ በጺሑ ከምዝርከብ ክትፈልጡ ይግባእ። ብተሳትፎ ናትኩም ውድቀት ከዳዕ ኢሰያስ ኣዚዩ ሓጺር ከምዝኸውን ፍሉጥ ኢዩ ሞ ሃገርና ንምድሓን ሓቢርና ንለዓል።
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.