ዕብዳን ቀጠር ዶስ ዕርቃን ህግደፍ?

ዕብዳን ቀጠር ዶስ ዕርቃን ህግደፍ?
ኩሉ ግዜ ቅድሚ ኣብ መድረኽ ወጽኢኻ  ምዝራብ ይኹን ምውሳእ፣  ኣብ ቅድሚ ምስትያት ደው ኢልካ ስእልኻ ርኢኻ  ነፍስኻ ምስትኽኻል ንቡር ልምዲ  ደቂ ሰባት’ዩ። ምኽንያቱ ነብስኻ  ፈቲሽካን ኣስተኻኪልካን ብሙሉእ ርእሰ ተኣማንነት ኣብ መድረኽ ወጺኻ እትብሎን ትገብሮን ጥራይ’ዩ ንተዓዘብትኻ ከጸሉ ዝኽእል። ተዓዛቢ እንተ ዘይብላካ፣ በይንኻ ኣብ መድረኽ እትዋሰኦ ድራማ መግለጺ ጥፍሽናኻ ጥራይ እዩ ክኸውን። ብዕለት 28 ሕዳር 2019 ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ዲክታትራዊ  ስርዓት ህግደፍ፣ ጥፍሽንኡ ዝገልጽ ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣውጺኡ ነሩ። እቲ “ዕብዳን ቐጠርን ውጥን ኲናት 2019 ዓ.ምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጾኦ መግላጺ፣ ነቲ መንግስቲ ቀጠር ኣንጻር  ምልካዊ ሰርዓት ኢሰያስ ኣሊማቶ ዝበሎ ወተሃደራዊ ሽርሒታት ኣብ 10 ንጥቢታት ኣጣቃሊሉ ኣቅሪቡዎ ይርከብ።  እዚ ሓቀኛ ምስሉ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝመስል ዘይፈልጥ ስርዓት፣ ወግሐ ጸብሐ ናይ ትማሊ ማሽርኽቱ ንኸውንጅል ዝገብሮ ምግዋሕ ጠቀነ፣ ንህብዚ ኤርትራ ሓድሽ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ፣ ናይ ዝበላዕካሉ ጻሕሊ ምስባር ባህሉን ልምዱን ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቁ ፈሊጥዎ ኣሎ። ሕማም ተነጽሎ ከምዘለዎ  ዝፍለጥ ስርዓትወልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብዛ ብሽርክነት እና ስርሓካ ዘይተኻኣለት ዓለም ብሰይጣናዊ ተግባራቱ ንኤርትራ  ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ገሊሉዋ ተሪፉ። ኣብቲ ዚ መገለጺ’ዚ ሓደ ከም ኣገዳሲ ነገር ኮይኑ ዝተሰማዓኒ  እንተሎ እቲ ተቃወምቲ ሓይሊታትኤርትራ ብመንግስቲ ቀጠር ተደጊፎም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ትዋደዲቦም ኣለዉ ዝበሎ ንጥቢ’ዩ።  ሓቅነት ናይ’ዚ ዉጹእ ሓሶት እዚ ብዘይገድስ፣ ሓንቲ ኣዝዩ ገዚፍ ቁጣባ ዘለዋ ሃገር፣ ንሓደ ቀታሊ ህዝቡ ዝኾነ ስርዓት ገዲፋ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ኢላ ክትሰምዕ ከለኻ ናይ ባሓቂ ትሑጎስ ኢኻ። ቀጠር ክሳብ እታ ዕለት ምውጻእ ናይቲ መግለጺ ከም ቅነዲ ሓጋዚት ስርዓት ህግድፍ ሙዃና ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብከዚ ኣገባብ ኣይደናገርን’ዩ።  ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ምስ ተቃወቲ ሓይሊታት ኤርትራ ደው ኢላ ነቲ ብህግደፍ ዘተጋሃሰ ጀምላዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ እንተ ተጣቢቃ እንታይ ጸገም ኣሎ? ብዲኮመንቲታት ቪዲዮን ብጽሑፍን መርተዖታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምቕራብ እንተ ሓጊዛ ከ ኣበይ ኣሎ እቲ ዓጀብ ዘብል ውጥን ኵናት? እዚ ንውሽጣዊ ሃልኪ ዘወጸአ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝገራጮ መገለጺ፣ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ሓያል ቃልሲ ኣቃልቦ ህዝቢ ንምስሓብ ዝገበሮ ፈጠራዩ። ቀጠር፣  ኣብ ኩሉ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ፍጻሜታት ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህግደፍ ካብ መጀመርያ ደው ዝበለት ሃገር እያ ነራ ።  ንኣብነት፣ ቀጠር ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ብናጽነት ሃገረ ኤርትራ ዘኣመና ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝመስረታ ሃገራት ሓንቲ’ያ።  ኣብ ግዜ ዶባዊ ግጪት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውን ክሳብ መደኣታ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህግደፍ ኮይና ቀጸለት። እዚ ክባሃልከሎ ግን ዝምድና ክልተኦም ስርዓታት ኣብ ደብዛዝ መሰረት ዝተሃንጸ፣ ብስትራቲጃዊ ይኹን ብዝኾነ ካልእ ረባሓታት ዘይተኣሳሰረ  ዋላ እንተኾነ፣ ካብ መጀመርያ እዋን ኣዝዩ ጥቡቅ ዝምድና ከምዝነበረ እዩ ዝፍለአጥ። እዚ ናይ ሓባር መንጠሪ ባይታ ዘይነበሮ ምሕዝነት፣  ምፍራሱ ውን ከም ኣመጻጻኡ ኮይነ። ቀጠር፣ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶይ ግን ከኣ ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ሃገር እያ።  ድሕሪ ናጽነት፣መንግስት ቀጠር ካብ ልምድን ባህልን ኣህግራዊ ዝምድናታት ወጻኢ ዝኾነ ኣግባብ፣ ማለት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘይሙርኮስ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ምስ ስርዓት ህግደፍ ክተሓጋዝ ጀመረት። እዚ ከኣ ካብ ትሕተቅርጺ መደባት ልምዓት ጅሚርካ፣ ሞውያዊ ስልጠናን ማህደረድትምህርትን፣ዜና፣ ቱሪዝም፣ ንግዲ፣ ሃብቲ ዓሳን እንስሳን፣ጥዕናን፣ ኣህግራዊ ዝምድነታት ዝኣመሰሉ መደባት ትምውል ነበረት።  እቲ ዝግበር ዝነበረ ስምምዓት ውን ኮነ ኢልካ ንህወት ስርዓት ህግደፍ ንምዕቃብ ዝግበር ዘነበረ ኮይኑ፣ ኣብ መወዳእታ ስርዓት ህግደፍ ቁሩብ ትንፋስ ምስ መለሰ ናብ ካልእ ህጡር ጁባ ምስራኣየ እቲ ዝበላዓሉ ጻሕሊ ቀጠር ሰሩ ምስ እማራትን ስዑድያ ወጊኑ ክነብሕ ጀመረ።  ስርዓት ህግደፍ ዝሕንጽጾም ፖሊሲታት ልምዓት ይኹኑ ዝምስርቶም ኣጉራዊ ዝምድናታት ናይ ነውሕ ጠመተ ዘይብሎም፣ ኣብ ሓጺር እዋናዊ ረብሓታት ዝዓለሙ ጥራይ’ዮም። እዚ ከኣ ካብቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህሉው ኩነታት እንዕዘቦ ሓቂታት’ዩ።ኣብ ሞንጎ እቲ ኤርትራ ዝጥቕልል ሓይሊታት ክዳን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ካብ 2016 ጀሚሩ ብዝተጠፈጥረ ዘይምቅዳዋት፣ ስዑድያን ኢማራትን ብዲክታቶራዊ ስርዓት ግብጺ ተደጊፈን ኣንጻር ቀጠር ምስ ዓጣቓ፣ እቶም ትኽ ትንፋስ ማሓዙት ዝነበሩ፣ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ቀጠርን ኣብ ከልተ ዘይራኸቡ መስመራት ደው በሉ። ማራሒ ሰርዓት ህግደፍ፣ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ድማ ከም ወትሩ እታ ዝባላዓላ ጻሕሊ ዓርኩ ኣሚር ቀጠር ሰሩ ምስቲ ህጡር ጁባ ይሕሸኒ ብምባል  ምስ ስዑድያ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጽን  ደው በለ።  ስለዚ ከዳሚ ኢማራትን ስዑዳያን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ምሻጥ መሬት ኤርትራ ጥራይ ከይኣኽሎ ተልእኾ መግዋሕ ጸርፈ ባእስን  ውንተዋሂብዎ ኣሎ ዝመስል።እዚ ኤርትራ ካብ መንእሰያታ ዘብራሳ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን መንነት ህዝቢ ኤርትራ ዘሀሰሰ፣ ካብ ህጻናት ጀሚርካ ክሳብ ሚኒስተራት ዝ ኣሰረን ዝቀተለን፣  ዘይሓፍር ስርዓት፣ ብዘገበሮ ኢሰብኣዊ እከይ ተግባራቱ ዕርቃኑ ተቃሊዑ ጉዱ ምስ ወጸአን ኣሎታዊ ተራ ሓደስቲ ኣኸደምቱ(ስዑድያን ኢማራትን) ኣብ ቀረኒ ኣፍሪቃ ንምሽፋን፣ ኩሉ በደላቶም ንመባእስትቶም ዝኾነት ሃገረ ቀጠር ኣብ ምስካም እጃሙ ከበርክት ይፍትን ኣሎ።  ተቃወቲ ሓይሊታት ኤርትራ፣ ከምቲ ስርዓት ኢሰያስ ዘረኽቦ ዝነበረ ምወላ መንግስቲ ቀጠር እንተ ዝርኽቡ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ኣብ ስልጣን መይጸንሐን። ባዕሉ መጻወድያታት እና ገበረ ዝቀትሎም ዘሎ ከራኹር ኢሰያስ ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ስርዓት ንቀጠርን ተቃኣወምቲ ኤርትራን  ክተሰክሞ ምፍታን መርኣያ ጥፍሽና  ናይቲ ስርዓት ዝገልጽ ጥራይ እዩ። ህዝቢ ንክተደናግርን ንክተታልን ምፍታን ስዓቱ ሓሊፉ’ዩ፣ እታ እንኮ ኣማራጺት ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ግዜ’ዚ ፖሊቲካዊ ለውጢታት ንኽመጽእ ኣፍደገ ከፊትካ ካብ ስልጣንካ ምውራድ ጥራይ እያ ዘላ። ግዜ ለውጢ ኣኺሉ፣ ዋሕዚ መንእሰያት ኣንፈቱ ናብ ኤርትራ ገጹ ቀዪሩ ክም ዘሎ ዝተረደ ጉጅለ ህግደፍ እዛ ትልኽ ትብል ዘላ ትንፋሱ ከይዓረበት ከላ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ ምንሳሕ ይሕሾ መስለኒ። ንተቃወምቲ ሓይሊታት ኤርትራ ንሓንሳእ ምህላዎም ብዘይምእማን ንሓንሳእ ድማ ብሱዳን ዝድገፉ ጃሃድ’ዮም እና በልካ ካብ ዕንክሊል ኢልካ ተገራጫዊ ዝኾነ መግለጺታት እና ኣውጻኣኻ ሃተውተው ምባል፣ ምስኦም ኮፍ ኢል ንህዝብና ካብቲ ንሳልሳ ዓመት ናይ ጸልማት ማእሰርትኻ ንክተውጽእ እንተትፍትን ምተገባኣካ።
ሽፋ ም/ኑር

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.