ኣገዳሲ ሓበሬታ ሰላማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም ሓው መንእሰይ ኤርሚያስ ተኪኤ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ሰላማዊ ሰልፊ ንሓው መንእሰይ ኤርሚያስ ተኪኤ

መንእሰይ ሓውና ናይ ቃልሲ ብጻይና ኤርሚያስ ተኪኤ ብመገሻ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ’ቲ ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ብሰብ መዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ተባሂሉ። መንእሰይ ኤርሚያስ ተኪኤ ብዘይሓሰቦን ድሌቱን ተወሲዱ ክነሱ ንዓመት መንፈቕን ሕጋዊ መሰላት ተነፊግዎ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ጸጥታ ኢትዮጵያ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ደሃዩ ንምፍላጥ ዝተኻየደ ጻዕሪ ከም’ቲ ዝድለ ንጉዳይ ኤርሚያስ ዛጊት ዝሰምዖ ኣካል ኣይተረኽበን። እምበኣር ድምጽና ንምስማዕ ፈተውትን መሓዙትን መቃልስቲ #ኤርምያስ ነበርቲ ሽወደን ኤርትራውያን ኣብዚ ንዕለት 12 ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰልፊ፡ ካብ ርሑቕ ብዝተፈላልየ ኣገባብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ተጠቒምኩም፡ እቶም ኣብ ከተማ ስቶክሆልምን ከባቢን ትርከቡ ኣብ’ዚ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክትሳተፉ ትዕደሙ።

እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ሓውና ኤርሚያስ ተኪኤ ተረኺቡ ዘሎ ሓደጋ ፍታሕ ንምርካብ ፡ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ በብዓቕሙን ክእለቱን ምስ መሓዙቱን መቃልስቱን ብምትሕብባርን ብምድግጋፍን፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ንዕለት 12 ታሕሳስ 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ቃል ንደገፍ ኤርሚያስ ተኪኤ ከነስምዕ ጸዋዒት ነቕርብ።

ዜናን ሓበሬታን

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

7 ታሕሳስ 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.