ግዚያዊ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ውድብ ሓድነት ንዲሞራስያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣካይዱ።

ግዝያዊ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ውድብ ሓድነት ንዲሞራስያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣካዪዱ።
ግዝያዊ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዕለት 8/12/2019 ኣኼባ ኣካይዱ፡ ዕማማት ዞባ ብዝምልከት ተዛቲዩ። ኣብ ኣኼብኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት
1/ ህሉው ኩነታት ሃገርና
ኣቦ መንበር ግዚያዊት መሪሕነት ዞባ ኣቶ በሪህ መልኣከ ከምቲ ብሚድያታት እንከታተሎ ንኹሉ ብሩህ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ መብርሂድሕሪ ምቅራብ ኩሎም ኣባላት ግዝያዊ መሪሕነት ዞባውን ሓሳብ ንሓሳብ ድሕሪ ምልውዋጥ ማዕረቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ኩነት ሓላፍነት ብምስካም ክስራሕ ከም ዘለዎ ተመያዪጦም።
2/ ውድባዊ ስርርዕ
ማለት ምቛም ጨንፈራትናይ ዞባ ከመይ ይዕመም ከምዘሎ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ እቲ መስርሕ ምቛም ጨንፈራት ናብ ምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ድሕሪ ምግምጋም ኣባላት ዞባ ውድባዊ ግቦኦምን መሰሎምን ብምፍጻምን ብምጥቃምን ነቲ ጉዕዞ ስርርዕ ጨንፈራት ንምቋም ውሳኔታት ኣሕሊፉ።
3/ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ጉባኤ ንምክያድ ዘድልዩ ባጀትን ቦታን ተክኒካዊ ጉዳያትን ብዘገድስ ኣድላዪ መደባት ድሕሪ ምጽናዕ ነቲ ቅድመ ዕማማት ጉባኤ እተሰላስል ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢ ሽማገለ ኣቚሙ።
4/ ንኹሉ ሓፈሻዊዞባ ዕማማት ሰሜን ኣሜሪካ ብግሉጽነትን ጽፈትን ንምትግባር ንንጥፈታትን ነገራዊ ትሕዝቶን ናይ ዞባ ዝቆጻጸር ኦዲተር ረቚሑ።
ኣብ መደምደታ
ዞባ ኣብ ውድባዊ ግብኣቱ ብኣድማዕነት ክሰርሕ ንዘሎ ተደላይነታት ብምጽናዕ ንሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ሓደገኛ ኩነት ንምድሓን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ካልእት ውድባት ሰልፍታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንሓባራዊ ፍታሕ ናብ ዘብቅዕ ሓድነታዊ ቃልሲ ንከካይድ ለበዋታቱ ናብ መሪሕነት ብምቅራብ ኣኼቡኡ ደምዲሙ።
ዜናን ሓበሬታን
ውድብ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ
9 ታሕሳስ 2019
You must be logged in to post a comment.