ህጹጽ ጻውዒት ንመንግስቲ ሱዳንን ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን

ህጹጽ ጻውዒት

ንመንግስቲ ሱዳንን ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን

ዕለት፡ 13/12/2019

ናብ ዝኸበርኩም ወከልቲ፡

ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ሱዳን፡

ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሱዳን (COR)፡

ላዕለዋይ ባይቶ ንሰብኣዊ ዕብየት፡

ሚኒስተሪ ዕዮን ማሕበራዊ ዕቤትን ሱዳን፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ሰዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንጎ፡ የመንን ሱርያን ካብ ነፍስ ወከፎም ብሓደ ሰብ ተወኪሎም ዝተሳተፍዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ብ30 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኻርቱም፡ ሱዳን፡ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ሰበ-ስልጣን ሱዳንን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ስደተኛታት ብዘይካ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት፡ ኣብ ካልእ ልክዕ ከም ዜጋታት ሱዳን ክሰርሑ ከምዝኽእሉን ናይ ስልጠናን ምልመላን ዕድል ክውሃቦምን ኣብ ስምምዕ በጽሑ። ነዚ ስምምዕ’ዚ ብወግዒ ናብ ዝምልከቶም ስደተኛታት ብዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ኣገባብ ከየብጽሑን፡ ዘድሊ ስልጠናታት ከይሃቡን፡ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ናይ ስራሕ ፍቓድ (ብጣቓት ኣልዓመል) የብልኩምን እናበሉ፡ ነቶም ካብ 2000 ዓ.ም ኣትሒዞም ናይ ኢሚግረሽን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ከይተረፉ፡ ካብ ጽርግያታትን ካብ ኣብያተ-ስርሓቶምን ክገፍዎምን ክኣስርዎምን ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ጥራሕ ከይኣክል፥ ነቶም ዝገፈፍዎም ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ካብ 50,000 ክሳብ 100,000 ጅኔ እናኽፈሉ ክወጹ የገድድዎም ኣለዉ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ፖለቲካውን ሲቪላውን ሓይልታት፣ ነዚ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ዝወስድዎ ዘለዉ፡ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ደው ከብልዎ፣ ነቶም ካብ ስርሖም ዝተወስዱ ስደተኛታት ናብ ስርሖም ክመልስዎም፣ ነቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ከለዎም ዝተገፉ ድማ ከም ስደተኛታት ክነብሩ ንዝተዋህቦም መሰል ብምኽባር፣ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፈትሕዎም፣ ነቶም ስልጠና ዝግብኦም ናብ ዝስልጥንሉ ትካላት ከዋፍርዎምን ካብ ማእሰርቲ ንመውጽኢ ተባሂሉ ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክመልስሎምን ኣትሪርና ንሓትት።

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ነቲ ምስ ሰበ-ስልጣን ሱዳንን ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ዝፈጸሞ ስምምዓት ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉን ዘይምህላውን ክከታተልን ነቶም ዝግፍዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጣበቐሎምን ነማሕጽን።

ህዝቢ ሱዳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግዜ ሽግሮም ብዝፈጸምዎ ልግስን መስተንግዶን፡ ካብ ኣእሙሮናን ታሪኽናን ክሕከኽ ስለዘይኽእል፡ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ሕውነታዊ ዝምድና’ዚ ዘደልድል ፖሊሲታት ክኽተል እናጸዋዕና፣ ሱዳን ንኤርትራውያን ካልኣይቲ ሃገሮም ኰይና ከምእትስምዖም ከነረጋጸሎም ንፈቱ።

ምስ ዕዙዝ ኣኽብሮት !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)

 ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓዲለ)

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር  (ኤሃግ)

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.