መልእኽቲ ኣቦ/መ ፈ/ሽ ውሓዲለ ብምኽንያት በዓል ልደትን፡ሓድሽ ዓመትን

መልእኽቲ ኣቦ/መ ፈ/ሽ ውሓዲለ ብምኽንያት በዓል ልደትን፡ሓድሽ ዓመትን

ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ 28 ዓመታት እፎይታ ዘይብሉ ዝሓለፍካዮን፡ ትሓልፎ ዘለኻ ስቓይ መከራ ተጻዊርካ፡ ባህልኻን ክብርኻን ዓቒብካ ብተስፋ መዓልቲ ፍትሕን ሰላምን ሃንቀው ትብለሉ ዘለኻ እዋን’ዩ። 2019 ዓ.ም ከኣ ንተስፋታትካን ባህግታትካን ክውን ዝገብር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ሓቢሮም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ይቃለሱ ኣለዉ። 2019 ልዕላውንት ሕጊ መሊኡ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝተበገሱላ ዓመት’ያ። ከምኡ’ውን ፖለቲካውያን ውድባት ሓድነት ብምግባር ዝጠራነፉላ ዘለዉ ዓመት’ውን እያ።

 ኩላትና ብሓባር ንሃገርናን፡ ህዝብናን ንምድሓን፡ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ካብ’ዚ ክሳብ ሕጂ ተዓሚሙ ዘሎ ስርሓትን ንላዕሊ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ብምዃኑ፡ በርቲዑ ክሰርሕ ኣብ ቃልሲ ይርከብ።

 ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሓደ ኣካል ደምበ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ሓድነት ሰለስተ ሓይልታት ዘዕወተን፡ ብሕጂ’ውን ኣብ መደባት ስርሓቱ ሰሪዑ፡ ንሓድነትን ኮነ ሓባራዊ ስርሓት ሓይልታት ኤርትራ ንኸዕውት ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ይርከብ።

 በዚ ኣጋጣሚ እንቛዕ ኣብዚ ኣብጻሓና። እዚ እግሪ ዝተክትል ዘሎ ውድብና፡ ንሕና ብስሙራትና፡ ምስ ካልኦት ኣብ ደምበ ፍትሒ ፡ ኣብ ህዝብናን ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሽግር ፡ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንፈትሖ፡ ሓቢርና ክንሰርሕ ልቦና፥ ትብዓት፥ ብልሕን 2020 ዳግማይ ዕዉት ዓመት ክኾነልና ከይተሓለልና ንቃለስ። 

 ብስም መሪሕነትን መላእ ኣባላት ውድብና ከኣ ርሑስ በዓል ልደት፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ክኾነልና እምነ። ህዝብና ካብ ዘሎዎ ጸልማት ወጺኡ፡ ናብ ትስፉው ኩነታት ክሰጋገር፡ እምነ።

ተስፋሚካኤል ዮሃንስ

ኣቦ/መ ፈ/ሽ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

24 Dec 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.