ትስፍው ዓመት 2019 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት

ትስፍው ዓመት 2019 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት

ህዝብና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ምሕደራ ዝተሳቐዮ፡ ክብሩን መሰሉን ተገፊፉ ዝተዋረደሉ ዓመታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።ይኹን’ምበር ድሕሪ ነጻነት፡ ብደቁ እሞ በቶም ካብ መግዛእቲ ነጻነት፡ ካብ ጭቆና ሓራ ከነውጽኣካ’ና ኢሎም ምስ ስውኣት፡ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለምን መብጽዓ ዝኣተው፡ ብመስዋእትን ጅግንነትን ዝተረኽበ ዓወት፡ ዋኒን ብሕታዊ ስልጣኖም ገይሮም ዝኸሓዱ ውሑዳት ጉጅለ መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ ሓርነት ንፍጹም ግፍዒ ጭቆና፡ ሰላም ንፍጹም ዕግርግር ኵናት ቀይሮም ንህዝብና ክሳዱ ረጊጾም ንሕና’ና ክብሉ ተራእዮም።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ምስ ጉጅልኡ፡ ነዚ ሎሚ ዘለዎ ደራጃ በሓትነት ስልጣን ንምብጻሕ ቀስ ብቀስ ካብ’ታ ሃገራዊት ኣሃዳዊት ሙውቅቲ ስድራ ቤት ጀሚሩ ክሳብ መንግስታዊ ኣካላት ብምፍርራስ፡ ሓሊፉ ነቶም ከድምዑ ክገብሩ ፡ከስምዑ ይኽእሉ ዝብሎም ነባራት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምሁራት፡ ኣብ ጎደናታት ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራት እንዳሃደነ ጨውዩ ብምእሳርን ብምጥፋእን ከም ቀዳማይ መደቡ ሒዙ ተላዕለ።

ቀጺሉ ንልዕሊ 24 ዓመት ብፍሉይ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ዝተፈርደ መንእሰይ ኤርትራ’ዩ ነይሩ። መጻኢ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ ንተግባራት መላኺ ስርዓት እንተስ ብንቅሓት፡ እንተስ ብባህርያት ዝነበሮ ዕድመ ከይቃወም ተባሂሉ ግምት ዝተዋህቦ ብግቡእ መደብ ተታሒዝሉ፡ ብእኩብ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ገዝኡ፡ትምህርቱ፡ስርሑን ብኣስገዳድ ንወታሃደራዊ ስልጠና ሓውሲ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽር ክውዕል ምግባሩን፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ነዚ ሓይሊ መንእሰይ ኣብ ርሱን ኵናት ከም ዝጠፍእ ገበሮ። ነቲ ካብ’ዚ ኵናት ዝተረፈ መንእሰይ ከኣ ይሃሉ ኣይሃሉ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ’ቲ ግዜኡ ዝሓለፎ መስርዕ ሰራዊት ሃገራዊ ምክልኻል ኣብ መዛግብ ተሓይሩ ከም ዝነብር ገበሮ። ከም መቀጸልታ’ዚ ሕሱም ታሪኽ፡ ሕልፈት ዘይብሉ ሂወት፡ ዝመረሮም መንእሰያት እታ ክገብርዋ ዝክእሉ ነፍስኻ ምድሓን ስለ ዝነበረት፡ ነታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ገዲፎም ካልእ ምርጫ ዘይብሎም ንስደት ከምርሑ ተገደዱ። እቲ ምርጫ ዘይብሉ ስደት’ውን ክንደይ ሂወት መንእሰይ ዝጠፍኣሉ ተወሳኺ መወዳእታ ዘይብሉ ታሪኽ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ዝሓለፈ ኩነታት ዝምስክሮ ሳዕቤን ጥፍኣት መንእሰይ፡ ጠንቒ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት’ዩ።

ውልቀ መላኽን ጉጅልኡን፡ እቶም ብዘይሕቶን ርእይቶን ንዝተዋህቦም ሓደገኛ ትእዛዝ ብዘይ ወዓል ሕደር ዝፍጽሙ ተሓባበርቶም፡ ስርሓቶም ምስ ወድኡ ከኣ፡ ከም ውጽኢት ስድራ ቤት ተብታቲና፡ ምምሕዳራት ፈራሪሱ፡ ህዝቢ ጸኒቱ፡ መንጸብረቅታ ሃብታም ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምስኡ ጠፍኡ ክተርፍ ተበየነሉ።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ደጊም ንዝወጠንክዎ ክዛዝሞ ዝክልክለኒ የለን’ሉ ብምሕሳብ፡ ኣንጻር’ቲ ኩሉ ኣብ መስኮት ኤሪ-ቲቪ ዝዛረቦ ዝነበረ ቀይሩ፡ ነዚ ዝስዕብ ክዛረብ ተሰምዐ።

ኣይከሰርናን

ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ህዝብንታት’ዮም ዝብል ዕሽነት’ዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮ ባዕልኻ ምርሓና

ቅዋም ምጽዳቕ፡ ዶብ ምምልካት ቀዳምነት ንህቦ ሕቶና ኣይኮነን

ደጊም ድሕሪ’ዚ ኩሉ ኣሽካዕላል ውልቀ መላኺ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን ብሓደ ቃል፡ ነዚ መሰረት ዘይብሉ ዘረባ ንዕለቱ ኮኒኑ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ተወዳዲቡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ገጽ ንገጽ ተፋጠጠ። ካብ ሓምለ 2018 ጀሚሩ ከኣ ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ሃገራት ተጠርኒፉ ዕርዲ ፍትሒ ኣቍሙ ህዝቢ ከንቅሕን ክሰርዕን ጀመረ። ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ባይቶታት መስሪቱ፡ ነቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ” ሎሚስ ህዝቢ ኤትሪትራ ጠፊኡን ፋሕፋሕ’ሉ እዩ’ሞ መደባተይ ክዛዝም ዝኽልክለኒ የልቦን’ሉ”  ዝሓሰቦ፡ ህዝቢ ከም ዘሎ ዘመስከረሉ ሰዓት ኮነ። ህዝብና መሰሉን ክብሩ ክሕሎ ህላውነቱን ሃገሩን ከውሕስ ስለ ዝነበሮ ከኣ ንህግዲፍ ዘህተፍተፈ፡ ጨርቁ ደርብዩ ክሳብ ዘዕበድበዶ ግብራዊ መልሲ ዕቱብ ፍጻሜታት ብዓጸፈታ መለሰ።

2018 ዓመት ተወዲኡ ከም መቀጸልታ ዓመተ 2019 ተቀልቐለት፡ ህዝብና ንዘበገሶ ሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት፡ ንዝጀመሮ መደባትን ዕማም ድሕነት ሃገር ናህሪ ወሲኹ ኣሳለጦ። ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራ ተስፋ ሰላምን ዕርቕን ስኒትን ሒዙ ተቀልቐለ። ኣብ’ዚ እዋን ንሓድነትን ስኒትን ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ዘይብሎም መርዚ ኣፈላልይ ክነዝሑ ገገል ውልቀ ሰባት’ኳ እንተ ተቀልቐሉ፡ ዝተበገሱ ዕላማ ከይሰለጦም ፈሸለ።

ባርዕ ቃልሲ ቀጸለ’ሞ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ እጃመን ኣልዒለን፡ህዝበን ክጠራነፍ ክለዓዓልን፡ ብዓንቶብኡ ዝሓዝኦ መስመር ቃልሲ ድሕር ከይበላ፡ ንሕቶ ህዝቢ መልሲ ዝሃባሉ ኣብ ሓድነታዊ ጉባኤታት ዝሰጎማሉ ዓመት ከኣ ኮነ። ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሓደ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይሊ ኤርትራ ፍጹም ሓድነታዊ ውሳኔ ዘዕወተ ኮይኑ’ዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ ደሚቝ ዝተሰምዓሉ ፍረ ቃልሲ ዝሃበ ዕውት ዓመት ኮነ። ነዚ መንፈስ ተስፋን፡ ሕልምን ባህግን፡ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋገጸ፡ ሕጂ’ውን ነዚ ሒዝዎ ዘሎ መስመር ቃልሲ ኣብ ሓድሽ ዓመት፡ ብሓድሽ መብጽዓን ሓይልን ክቅጽሎ፡ ዓወት ርሑቕ ኣይክኸውንን’ዩ።

ምስ’ዚ መልእኽቲ ኣተሓሒዙ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት፡ ዓመት ስኒትን ሓድነት ህዝብና ይግበረልና እንዳበለ፡ ግብራዊ ክኸውን ዘበገስናዮ ስርሓትን፡ ተሪፉ ንዘሎ ዕማማት ዝያዳ ኣቃልቦ ዘድልዮ ክሕብሓብ ዝግብኦን ሓድነት ስኒት ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ማሕበራት፡ዜጋታት ኤርትራ ምስጢር ዓወትና ምዃኖም ምፍላጥ ምርድዳእ ይግባእ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ

26 ታሕሳስ 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.