ዓስከረን ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራስንዋ ካብ ጸጸራት ንኪዳነ ምህረት

ዓስከረን ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራስንዋ ካብ ጸጸራት ንኪዳነ ምህረት

ዓስከረን ብጹእ ኣብርሃ ፍራስንዋ ኣቡን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ካብ መካነ መቓብር ጸጸራት ናብ ርእሰ ኣድባራት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ግዒዙ። መደብ ምግዓዝ ኣዓስከረን ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራስንዋ፡ ምስ’ቲ ምሕዳስ ጽምብል 50 ዓመት ቤተ ክርስትያ ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ዝተሓስበ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ሃይማኖት ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ህግዲፍ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ዕንቅፋታት፡ ካብ’ቲ ዝተመደበሉ መዓልቲ ጽምብል ሓሙሽተ ዓመት ድሒሩ ዝተኻየደ ምኳኑ፡ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ካብ ዝተሃነጽትሉ ግዜ ንደሓር ዝሓለፈ 50 ዓመታት ጸብጺብካ ክፍልጥ ዝከኣል ዘጸገም ኣይኮነን።

ሎሚ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ዝገዓዘ ዓስከረን ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ኮነ ስርዓት ደርግ ዘይተሓለለ ብርቱዕ ቃልሲ ዘካየዱ ኣቦ፡ ንመንፈሳውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ምንባሩ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣቡነ ኣብርሃ ንግፍዕታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ብተደጋጋሚ ዝወቅስዎ ዝነበሩ ጉዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላምዊ ህዝቢ፡ ብዘይንሕስያ ዝተፈጽመ ግፍዕታት’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝካየድ ዝነበረ ግፍዓታት ሕነ’ምበር፡ ኣንጻር እቶም ብረት ዓጢቆም ንነጻነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ከም ዘይነበረ ብግሉጽ ኣብ ዓመታዊ በዓላት ንግደት ማርያም ደዓሪት ኮነ፡ ኣብ ንግደት ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ኤርትራውያን ንምምሕዳር መንግስቲ ሃይለስላሴ ብትሪ ዝነቅፉን ክእርሙ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኣቦ’ዮም።

ሎሚ ከኣ ካብ’ቲ ብወርሒ መጋቢት 2000 ዓ.ም ምህረት ኣዕሪፎምሉ ዝነበሩ መቃብር፡ ናብ’ቲ ሙሉእ ግዜኦም መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፈጸምሉ ቦታ፡ ናብ’ቲ ብሂወቶም ከለዉ ከም ጓሳ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስከርሉ ዝሰበኽሉ ታሪኻዊ ቦታ ብዕለት 14 ታሕሳስ 2019 ተመሊሶም ኣለዉ።

ፍትሕን ሰላምን ይንገስ

ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ

26 ታሕሳስ 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.