ኣዝዩ ዘሕዝን ከቢድ ጕዳይ፣ ሞት ክቡር ብጻይን ሓውን ገብረመድህን ዘገርጊሽ (ዳያን)

ኣዝዩ ዘሕዝን ከቢድ ጕዳይ፣ ሞት ክቡር ብጻይን ሓውን ገብረመድህን ዘገርጊሽ (ዳያን)

ብዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ገብረመድህን ካብዛ ዓመት ብሞት ምሕላፉ ሰሚዕና፣ ክትቅበሎ ዚኸብድ መሪር ሓዘን።

ንንብረመድህን ወላዲኡ (ማለት ኣቦይ ዘገርጊሽ) ብህጻኑ ፈላሲ ኮይኖም ናብ ደብረብዜን ስለ ዝነበሩ ንሱ’ውን ኣብ ደብረብዜን ምስኦም ይቕመጥ ስለ ዝነበረ ከብቲ ናይ ፈለስቲ ደብረብዜን እናጓሰየ’ዩ ዓብዩ። ናይ ኮተቴ ዕድመ ምስ በጽሐ ምጕሳይ ስለ ዘጽልኦ ናብ ከተማ ኣስመራ ናብ ኣንስቲ ጥልያን ዚነበራ ክልተ ዓበይቲ የሕዋቱ ከይዱ። ከምቲ ዚደልዮ ትምህርቲ ግና ኣይተገባገበሉን፣ ይኹን’ምበር ምስ ሓንፈጽ ዚኾነት ጓል ሓብቱ ክቕመጥ ጀመረ። እዚ’ውን  ድሕሪ ግዜ ስለ ዚተመነዎ፣ ምስ ሓደ በዓል ትግሬቶ ዕንጨይቲ ንምጽዓን ናብ ከባቢ ጋሕቴላይን እምባትካላን ብስራሕ ክመላለስ ጀመረ። ኣበኡ ከአ ተጋደልቲ ይራኸብዎምን ይሰብክዎምን ስለ ዝነበሩ፣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ክፍላ 1969 አብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ተሰሊፉ።

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከአ መጀመርያ አብ ሕክምና ተመዲቡ ክሳዕ አብ መወዳእታ ናይታ ዓመት ጸንሓ። ድሕሪኡ ምትሕንፋጽ ናይ ውሕዳ-ስላስያ ስለ ዚኾነ ገረመድህን’ውን ንሸነኽ ባርካን ሰኒሕትን ተሳፈረ። ከም ኣባል ሓይልታት ኰይኑ ክሳዕ 1974 ድሕሪ ምግዳሉ ከአ፣ካብኡ ኣባል ክፍሊ ብረት ኮይኑ ምስ ምእታው 1975 ኣብ መደበር ዕጥቂ ኣብ ከበሳ – ከባቢ መቐርካ (ዓንሰባ) – ሰፈረ። ኣብኡ ምስ ሓንቲ ጓል’ቲ ዓዲ  ዝኾነት ኤርትራዊት ብሓዳር ቃል-ኪዳን ኣሰረ። ብድሕሪኡ ብረት እናተዓራረየ ከሎ ብሓንቲ ጥይት ኮሊሳ ዝነበረት ጠብመንጃ ተፈንጅራቶ ካልኣይቲ ዓይኑ’ውን ሻቡ አብ መወዳእታ 1977 ጠፍኣት።

ኣነ ንገብረመድህን ካብኡ ንድሓር አብ ሕክምና አብ ካርቱም (ሱዳን) ኣብ 1978 እየ ዝፈልጦ። ኣብ ካርቱም ኰሎና ከአ ብዓልቲ ቤቱ ወዲ ከም ዝተበኮረት ተበሲሩ። ገብረመድህን ኣዝዩ ኣፍካ ዘየኽፍተካ ተጻዋታይ ብጻይ’ዩ ነይሩ። ዕላሉ ዘይውዳእ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብነብሱን ብቃልሱን ስለ ዘዕልል ንጭንቀትን ቃንዛን ብጾቱ ቀንጢጡ ንክትሰምዖ ዘገድድ ባህሪ’ዩ ነይርዎ። ኣነ ምስኡ አብ ካርቱም ይኹን አብ ካይሮ ንኣስታት ክልተ ዓመት ስለ ዝተቐመጥኩ ከአ ዛንትኡ ከም ናተይ ኰይኑ’ዩ ዚስማዓኒ። ድሕሪ ካይሮ ናብ ስዑድያ ካብኡ ከአ ናብ ኤመሪካ ስለ ዚኸደ ርክብና አብ ስልኪ ኴይኑ ተሪፉ። ገብረመድህን ዋላ ትምህርቲ እንተዘይወፈረ አብ ርእሲ ትግርኛን ትግረን ሳሆን፣ ዓረብኛን እንግሊዘኛን ጽቡቕ ገቢሩ’ዩ ዝመልኽ።

ሓደ ግዜ ኣብ መወዳእታ ናይ 1978 አብ ሕክምና ተሓኤ ኣብ ካርቱም ከሎና፣ መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ’ታ ርእሲ ከተማ ሱዳን ይመጽእ ስለ ዚነበረ ንዅሉ ኤርትራዊ ምግፋፍ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ከአ ናባና ናብቶም ውጽዓት – እስማዒል ?፣ ሰመረ ገብረገርግሽ፣ ገብረመድህን ዘገርግሽ፣ ተክልሰንበት ተኽላይ (ኣነ ማለት’ዩ) – ምስ በጽሑ ናብተን ኣብ ኣፍደገ ዚነበራ መካይን ክንከይድ ኣባትሮም እናዋጣወጡ ያላ ይብሉና። ሰመረ ከም ሰብ ሓይለ-ጽንዓት ስለ ዝነበሮ ግና ከአ ጥር ትብል ቃል-ዓረብኛ ስለ ዘይዛረብ ብትግርኛ ደለውለው እናበለ፣ “ገብረመድህን ንዓ’ሞ ተርጉም ከስምዖም’የ ነዞም ….” ምስ በለ፣ ገብረመድህን ከአ ኣነ ኣይርእዮም’የ ይብሎ’ሞ ካብኡ ሰመረ ከአ ኮርዩ፣ ኣነ ተዛረበለይ እየ ዝበልኩ እምበር ርኣየለይ መኣስ ኢለካ ይብሎ። ብዝኾነ ገብረመድህን ፍቓደኛ ኣይነበረን፣ ካብኡ ኣነ ንሰመረ ብዝሓሸ የስምዖ ስለ ዝነበርኩ ስቕ ክብል ኣተሓሳሲበ፣ በተን ዝነበራኒ ዓቕሚ ነቶም ወተሃደራት ምስ ዓራታውትና ክሰቅሉና እንተዘይኰይኑ ካልእ ዓዲ ውዒል ኢና እለ ክራዳዳእ ከአልኩ። ብዝኾነ ነቶም ኩሎም ካልኦት ብጾትና ንመደኒ ኣቢሎም ከጕዕዙዎም ከሎዉ ንኣና 4 ሰባት ግና ናብ’ቲ ዝነበርናዮ ክልኒክ ብሰላም ገደፉና። ድሓር ሰመረ ንገብረመድህን፣ “ንስኻ’ከ እንታይ ኴንካ ኢኻ ምስትርጓም ዚኣቤኻ” ክብል ምስ ሓተቶ፣ ዋእ ወስ ክብሉ’ኳ ክርእዮም ዘይክእልሲ መን ኣጆኻ ምስ በለኒ’የ ናትካ ምስኣታቶም ዚነበረ ምንህሃር ዝትርጉም በሎ’ሞ፣ እቲ ነገር ከአ ሓሊፉልና ስለ ዚነበረ …ሰሓቕና።

ንብጻይን ሓውን ገበረመድህን ዘገርግሽ ኣምላኽ አብ ዝፋኑ ይቀበሎ!

ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ካልኦት ቀረቡን ከአ ኣምላኽ ጽንዓት የውርደሎም!

ተክልሰንበት ተኽላይ

ቦን/ሃገረ-ጀርመን

30 ሕዳር 2019

መተሓሳሰቢ፦ ዋላ’ኳ ንኩሎም ብልቢ ዝፈተዎም መቃልሰተይ እንተኾኑ ምስ ግዜ ምንዋሕ ምሉእ ስሞም እንተዘይዘከርኩ ኣቐዲመ እቕሬታ እሓትት።

ኮፍ ካብ ዚበሉ ብየማን ዑቕባይ(ሓዉ ንሰመረ’ዩ፣ ካብ ስድራ ተላኢኹ ሓዉ ክኣሊ ዝመጸና’ዩ)፣ ኣብ

This image has an empty alt attribute; its file name is image.png

ማእከል ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ሰመረ ገብረገርግሽ፣ ብጸጋም ዘሎ ኣስመሮም ተስፋይ፣ ፍርቂ ደው ኢሎም ካብ ዘሎዉ ብጸጋምን ልዕሊ ኣስመሮም ዘሎ ብጻይ ተክለ ገብረመድህን (ናትና ነርስ ዚነበረ’ዩ)፣ ብየማን ልዕሊ ዑቕባይ ዘሎ ጸሃየ ኢዩ ስሙ ክመስለኒ፣ ካብኡ ብድሕሪት ደው ኢሎም ዘሎዉ ብጸጋም ቆቡዕ ጌረ ዘሎኹ ተክልሰንበት ተኽላይ (ኣነ’የ)፣ ጥቓይ ደው ኢሉ ዘሎ ተኽለ ወልደምካኤል ይበሃል እመስለኒ፣ ካብኡ እቲ ጉልቡት ናይ ጸሓይ መረጼን ዝገበረ ገብረመድህን ዳያን’ዩ፣ አብ የማናይ ወሰን ክንፊ ዘሎ ኣውቲስታና ዚነበረ ተጋዳላ’ዩ ወልደንክኤል ይበሃል እመስለኒ።

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.