ተስፋታትን ብድሆታትን ሓዲሽ ዓመት


ተስፋታትን ብድሆታትን ሓዲሽ ዓመት

  ርእሰ ዓንቐጽ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

30 ታሕሳስ 2019

2019 ዓ.ም ኣብቂዓ ናብ 2020 ዓ.ም ኣቢልና ንሰጋገር ኣሎና። ወዲ-ሰብ ብባህልን ባህርን ተመሪሑ ንሓድሽ ዓመት እናሻዕ ብተስፋ ኢዩ ዝቕበላ። ኣብ ዝሓለፎ ዓመት ዘጋጠሙ መረርቲ ይኹኑ ጥዑማት ተረኽቦታት ገምጊሙ፣ ማለት ንህይወቱን መነባብሮኡን ቀይሱ፣ ናብ ዝሓሸን ዝበለጸን ነጥበ-መቐይሮ ንምስጋር ከአ መደባት ይገብር። ብዛዕባ ሕጸ ይኹን መርዓ ናይ ንዓቕሚ ኣዳም ዚበጽሑ ውላዱ፣ ብዛዕባ ንዕድመ-ትምህርቲ ናይ ዝበጽሑ ቈልዑ፣ ብዛዕባ ክስጠጡን ክጽግኡን ናይ ዘሎዎም ግራውቲ …ወዘተ፣ ኣርቂቑን ኣድቂቑን መደብ-ዕዮ ይትልም።

2019 ዓ.ም ብደረጃ ኤርትራን ከባቢ ዞናታትናን ዓበይትን ቅልጡፋትን ፖለቲካዊ ምቅይያራት ዝተራእየላ ዓመት’ያ ነይራ። ኣብ ሃገር ሱዳን ንኣስታት 30 ዓመታት ብወተሃደራዊ ሓይልን ዓቕሚ ሓያል ጸጥታን ንህዝቢ ረጊጹ ክገዝእ ዝጸንሐ “ፕረሲደንት” ዑመር ኣል-በሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ተገዲዱ ከም ዝምቛሕ ኮዪኑ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ከአ ንዶክቶር ኣብዪ ኣሕመድ ክሳዕ ኣህጕራዊ-ተሸላሚ-ናይ-ሰላም-ሎርየት ዘሸናሸኖ ናይ “መደመር” ሾምቦባ ክርአ ጸኒሑ’ሎ። ኣብ ኤርትራ እንተዀነ’ውን ምስ እዚታት ተሰኒቑ ዝመጸ ብውሕዱ አብ ክሊ “ፕረሲደንት” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተራእየ ቀልባባዓትን ቀፈጽ-ነፈጽን አሎ። ብፍላይ ከአ ባዕሉ-ንባዕሉ “ፕረሲደንት” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ መሬትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብምሕዋሱ ዘርኣዮ ናይ ዝላን ድበላን ደስደስ ንመላእ ኤርትራዊ ዘደንጸወን ዘስደመመን ኰይኑ’ሎ።

እቲ ጕዳይ ከአ ብዛዕባ ዳንኬራን ፍስሃን ናይ “ፕረሲደንት” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኴይኑ እንተዝተርፍ ናይ ስነ-ምግባር ሽግር ቢልና ጥራይ ምሰገርናዮ ኔርና። የግዳስ ገና ብሕጂ ዝኽሰቱ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈሪሞም ዚብሃሉ ዉዕላትን ስምምዓትን ምህላዎም’ዩ።  ወዮም ዚተባህሉ ዉዕላትን ስምምዓትን ከአ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ክሳዕ ካብ ትካላትን ሰበ-ስልጣንን ናይ’ቲ ህልዊ መንግስቲ ንባዕሉ ምስጡራት ብምኻኖም’ዩ።  እዚ ከአ ንመጻኢ ዝምድናታትን ዕብየታዊ ርኽክባትን ናይ ክልቲኡ ሃገራት ኣህዛብ ዳግም ኣሻሕኪሩ ናብ ጠንቃም ፖለቲካውን፣ ቊጠባውን፣ ሰብኣውን ሕልኽልኻት ዝሸምም’ዩ። “ንበዓል ነጎዳ፣ ሓዊ ቶኩሶ” ተባሂሉ ንስጊንጥር ተግባራት ከም’ዚ ናይ “ፕረሲደንት” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም ዝምሰል ከአ፣ “ፕረሲደንት” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንዶክቶር ኣብዪ ኣሕመድ

  • ንቀልዓለም ዘይኰነ ብልቢ ድሕሪ ደጊም ንስኻ ክትመርሓና ኢኻ
  • ንኤርትራ ወኪልካ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝምድና ክትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ንዓይ ከይሓተትካ ናብ’ዛ ሃገር ክትመላለስ ስልሱል’ዩ
  • ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ በበይኖም ኣህዛብ ኢዮም ዝብል ሰብ ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ
  • ሕቶ ምኽላል ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይኮነስ ምርግጋእ ኢትዮጵያ’ዩ ቅድምያ ክወሃቦ

…ወዘተ ክብል ከም እተሰምዐ ዓለም ብዓለማ ዘንያትሉ’ያ።

ብመንጽር እዚ ናይ ጕጅለ ህግደፍ’ን ናይ “ፕረሲደንት” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣሉታውን ክኵነን ዘሎዎን ፖለቲካዊ ወፈራታት ግና፣ ሎሚ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዚያት ንላዕሊ ሰሲኖም ንጕዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን አብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝያዳ ንቕሓትን ቈራጽነትን ዓጢቖም ተላዖሎም ምህላዎም ንግንዘብ ኣሎና። ፖለቲካዊ ውድባትና ነቲ ንዓሰርቴታት ዓመታት ክሳቒ ዚጸንሐ ናይ ሕድሕድካ ምጥርጣርን ምትሕንዃልን ሕዱር ሕማም ኣወጊደን ብሓደ ከስርሓንን ከስምረንን ዝኽእል መዋጽኦ ንምርካብ ክጓየያ ይርኣያ ኣለዋ። ካብኣታተን እተን ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለወን ብሓደ ዚጥርነፋሉ ፖልሲታት እንክማየጣ ምስተን ካብኡ ዚሕልፍ ፍልልያት ኣሎ ዚብላ ከአ ብመገዲ ሃገራዊ ባይቶ ዓቕመን ኣኻኺበን ክቃለሳ ድልውነት ኣብ ዝርኣየሉ ብርኪ ተበጺሑ ምህላዉ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት’ዩ። ብርግጽ ከአ በዚ ዚትለም ዘሎ ኣገባብ እንተተኸይዱ ግብራውን ውጽኢታውን ዝኾነ ስራሕ ክዕመም’ዩ። በዚ ከአ ናብ’ቲ ነማዕድዎ ሸቶ፣ ማለት ናብ ኤርትራ ተመሊስና “ዓኾዃየ-ዓኾዃይ፣ ጋዓት ሓምሊ ውጻእ – ጋዓት ጠስሚ እቶ” እንብለሉ ወርሓት ርሑቕ ኣይኮነን። ኣውራ ከአ ሓፋሽ ህዝቢ ብሓበር ተበራቢሩ “ይኣክል” ክብል በብከተምኡ ይወዳደብ ኣሎ። እዚ ናይ ህዝቢ ዓርሞሹሻይ ሓይሊ ኣብ’ቲ እተወደበን ዘላቂ መደብ ዕዮታት ዘሎዎ መጠነ-ሰፊሕ ፖለተካዊ ስርርዓትና እንተዓጊቡን ብኡ እንተተቐሊሱን ከአ ንህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ናብ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን መስመር ከነሳግሮ’ይና። ካብ መጽናዕትን መወከሲታትን ጠቒስናኳ እንተ-ዘይተዛረብና፡  ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ውድባትን ከምኡ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብናን አብ ዲያስፖራ እንርከብን መዳያት/ክፍለ-ኣካላት ናይ ሓደ ንሕግን ፍትሕን ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ኢዮም። ክንዲ ዚኾኑ ከአ በበይንኻ ብምዃን ዝብጻሕ ቅዉምነገር ኣይክህሉን’ዩ።

ምእንት’ዚ ነፍሲ ወከፍና ሓደ ኢሉ ንኣወንታ እንተድኣ ወፊሩ፣ ኵላትና ከአ ዘሎና ሓይልታት ምስ እነሳንን እነስምርን፣ ሓቢርና ነቲ ንሃገርናን ንህዝብናን ዘብርስ ዘሎ ጭፍራ ህግደፍ ከየውዓልና ከየሕደርና ካብ ስሩ ምሒና፣ ኣብ ዑናታት ህግደፍ ንትጽቢታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርዊ ሓንቲ ብሕግን ፍትሕን ትግዛእ ጽግውትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ክንሃንጽ ኢና።

ንዅሉ ደላይ ፍትሕን ስድራታትን፣ ርሑስ ዓመት 2020 ይግበረልና!

ብቃልስና ክንዕወት ኢና!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና!

ውድቀት ንጭፍራ ህግደፍ!

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)

30 ታሕሳስ 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.