መንስግቲ ሱዳን ዓመታዊ ሃገራዊ ባጀት ሰሊዑ

መንስግቲ ሱዳን ዓመታዊ ሃገራዊ ባጀት ሰሊዑ

ምንጪ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 27/12/2019 ናይ 73 ቢልዮን (1.62 ቢሎን ዶላር) ሕጽረት ወይ ደፊሲት ዘለዎ ናይ 2020 ዓመታዊ ባጀት ከምዝጽደቀ፣ ሚኒስትር ፋይናንስ ሱዳን፣ ኢብራሂም ኣልባዳዊ ገሊጹ።

እዚ ካቢነ ሚኒስትራትን ባይቶ ሉኡላወነትን (governing council) ኣጽዲቅዎ ዘሎ ባጀት፣ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ኣልባሺር፣ ንመጀመርያ ግዜ ይኹን ዳኣ’ምንበር እዚ ባጀት ብዙሕ ተቃውሞ የጋጥሞ ኣሎ። ብፍላይ ካብቲ ኣብ ምዕላው ስርዓት ኣልባሺር መሪሕ ተራ ዝተጻወት፣ ምንቅስቃስ ምትእኽኻብ ሞያውያን ሱዳን ብርቱዕ ተቃውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ካብቲ ብዝሓለፈ ስርዓት ዝወጽእ ዝነበረ ባጀት ለውጢ ከም ዘይብሉ ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ባጀት፣ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት እዚ 568.3 ቢልዮን ጅኔህ ሱዳን (12.63 ቢልዮ ዳላር) ንኸእቱን፣ 58 ቢልዮን ጅኔህ ዝኸውን ድማ ንመደባት ልምዓት ንኸውጽእን ትጽቢት ኣለዎ። ከምኡ ድማ እቲ ባጀት፣ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዝግበር ወጻኢታት ብዕጽፊታት ከምዚ ወሰኸ ተገሊጹ። 

መንግስቲ ሱዳን ሐደ ካብ’ቶም ቀዳምነታቱ ጌሩ ሒዝዎ ተበጊሱ ዘሎ መስርሕ ሰላም ምስ ተቃወምቱ’ዩ። ኣብ እዚ ግዜ እዚ መስርሕ ሰላም ምስ ተቃውምቲ፣ ሱዳን ካብ ናይ ግብረ ሽበራ መዝገብ ንኽይትላዓል ቀንዲ ዓንቃፊ ኮይኑ ይርከብ።ካልእ ምስዚ ዝተኣሳሰር ውን እታ ሃገር ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዓለማዊ ባንክን ሓገዝ ከይትረክብ ሓሪምዋ ኣሎ።

ብናህሪ ዋጋታት መግብን ነቀለ ዝቅበባ ቁጣባ ሱዳን ብናህሪ ይሕንበብ ኣሎ።  ከም ዝዝከር እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ሕብዝትን ነዳድን (ብድጎማ መንግስቲ ዝሽየጡ) ናኣህሪ ዋጋታትን ዝተላዓለ ተቃወሞ፣ ንፕረስደንቲ ኣልባኣሺር ካብ ስልጣኑ ከዝልግስ ገበሮ።  

ብተወሳኺ መሰጋጋሪ መንግስቲ ድጎማ ነዳዲን ሕብዝትን ንኽላዓል ቀሪብዎ ዝጸነሐ ኢማመ ንኻልእ ግዜ ንኽረአ ኣሰሰጋጊርዎ ከምዘሎ ሚኒስተር ዜናታ ሃገር ፈሰል መሓመድ ሳልሕ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ዜናን ሓበሬታን

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ

31 ታሕሳስ 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.