እዚስ ምስ ምንታይ ዩ ዝቁጸር

እዚስ ምስ ምንታይ ዩ ዝቁጸር
ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ኤርትራ መሬታ እምበር ሰባ ኣየድልየናን ኢዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መዳርግዲ ዘይብሎም ካብቶም ኣብ ታሪኽ ሂወት ወዲ ሰብ ዘስገድግዱ ጃምላዊ ህልቂታት ዝፈጸመ ንነብሱ ናይ ኢትዮጽያ ንጉሰ ነገስት ኢልይ ዝጽውዕ ኣረመን ዝኾነ መራሒ ኢዩ። ናይ ህልቂት ገበናት ሃጸይ ሃይለስላሴ እቲ ናይ ብረታዊ ገድሊ ወለዶ ብተግባር ዝረኣዮ ብምንባሩ ብሩህ ኢዩ። እቲ ናይ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራዊ ወለዶ ግን ብግብሪ ዘይወዓሎ ከም ዛንታ ዝንገሮ ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ መንነት ንዘለኣለም ዘይርሳዕ መሪር ስምብራት ኢዩ። ስለዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዝርከብ ስእሊ ሃይለስላሴ እቲ ቅትለታት እቲ ክፍጸም ከሎ ኣነውን ሓደ ናይቲ ኣብ በስክዲራ ዝተባህለት ዓዲ ሃይለስላሴ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለት ወዲ 10ዓመት ናይ ዓይኒ ምስክር ስለዝነበርኩ ኣብቲ እዋንቲ ዝረአኹዎን ዝስማዕክዎን ክገልጽ ኢየ። ኣብ ህልቂት በስክዲራ ኣሞይ ደሃባ መናድር ምኽርዝጊ ዝተባህለት ኤርትራዊት ዜጋ ምስ በዓል ቤታን ደቃን መይቶም። ብኣጋጣሚ ሓንቲ ምሳና ብኣዲኣ ማለት ምሳና ምስ እንዳ ኣባሓጎኣ ዝኾና ቤተ-ሰብ ዝጸነሐት ጓላ እንተዘይኮኑ ኣሞይ ደሃባን በዓል-ቤታን ኩሎም ደቃን ኣብቲ ኢሰብኣዊ ህልቂት መይቶም ዮም። እቲ ህልቂት ቲ ኣነ ከም ኤርትራዊ ኣብ ቤተ-ሰብይ ዘጋጠመ ደኣ ይኹን እምበር ልክዕ ከምቲ ናተይ ዘሃለቀት ኤርትራዊት ዓድን ቤተ-ሰብን ውን ብዙሓት የን። ቅድሚ ቲ ግዜትን ብድሕሪኡን ንዝተራእዩ ህልቂታት ክዝክር ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ገለ ካብኦም ከኣ ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ዖና በስክዲራ ኣብ ባርካ ኣብ ኣቁርደት ሰንበት ጸላም ኮሮኮን ኣብ ጋሽ ሰቲት ከኣ ብሻንበል በለው ኣብ ኦምሓጀር ኣብ ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ከኣ ኣብ ወኪ ድባ ኣብ ሰራየ ከኣ ኣብ ምስያም ኣብ ኣከለ ጉዛይ ድማ ኣብ ሃዘሞ ኣብ ሰምሃር ከኣ ድሒሩ ብድርጊ ኣብ እምበረሚ ኣብ ደንከል ከኣ ኣብ ጢዖን ካልእ ክዝክሮም ዘይከኣልኩን ህልቂታት ከም ዝነበሩ ታሪኽ መግዛእቲ ሃይለስላሴ ዝፈጸሞም ገበናት ኢዮም። ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ቦታታት ኣብ ኩሉ ኣውራጃታትን መሬትን ኤርትራን ኣብታ ሕብርቲ ኤርትራና ከተማ ኣስመራን ብቀይሽብር ኣብየ ዕለቱ በብ 3 . 5 .7 …….ወዘተ ዝተቀትሉ ኤርትራውያን ዜጋታት ብዙሓት ኢዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሱን ድሕሪ ነጻነት ብጉዳይ ዶብ ዝኸፈሎ መስዋእቲውን ንማንም ብሩህ ኢዩ። ገበነኛ ኢሰያስ ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክቡር መስዋእትነትን ንሱ ምስ ዘጥፎኦምን ዝቀንጸሎምን ጀጋኑ ተጋደልትን ዜጋታትን ሓዊስካ ኢዩ እምበኣር ነዚ ናይ ሎሚ ንኢትዮጽያ ባህላውያን ሙዚቃታት ሰዲዱ ንኤርትራ ድማ ናይ ኢትዮጽያ ባንድታት እናኣምጸአ ሓደ ህዝቢ ኢና ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ናይ 3 ወለዶታት ዕድል ከሲርና……ወዘተ እናበለ ኣብ ሓወልቲ እቲ ንህዝብና ዘጽነተ ሃይለስላሴ እናሰገደ ምድርን ሰማይን ፎ ኢሉ ዝነጸጎ ክሕደቱ ንኤርትራዊ ዜጋ ከለማምድን ከውሕጥን ህርድግ ክብል ዝርከብ ዘሎ። ኤርትራውያን ኣሕዋት ሰዓብቲ ህግደፍ ስእሊ ተመልከቱ እዝስ ምስ ምንታይ ዝቁጸር???
ከምቲ ካብቶም ብልዕሊ ሓያላን ዓለምና ዝተሓገዙ ዓንተራት ናይ ህልቂት ገዛእቲ ኢትዮጽያ ነጻነትናን መንነትናን መንዚዕና ዘረጋገጽናዮ ብሓባር ክብርናን መንነትናን ሉኣላውነትናን ዳግም ካብ ከሓዲ ኢሰያስ እነረጋግጸሉ እዋን ሕጂ ዶ ኣይኮነንን!!!
ርሑስ ናይ ዓወት ሓዲሽ ዓመት
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.