ሕድሪ ጀጋኑና፡ ሕድሪ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ’ዩ

ሕድሪ ጀጋኑና፡ ሕድሪ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ’ዩ

ሕድሪ ዝተቀበልናዮ ምስጢር ዘይፈልጡ፡ ብዙሕ ክዛረቡ ይኽእሉ’ዮም። ቅድሚ ሕጂ’ውን ልዕሊ 60 ዓመታት ዘቁጸረ ብሂላትን፡ ነጻነት ኤርትራ ዘይቅበልዎን ወገናት ክሳብ ሎሚ ከም ብዕሪር ብዝተፈላልዩ ሰባት ተደጋጊሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኺቢ ብዙሓት ክዝረብ ይስማዕ። ንምዃኑ እቶም ዝዛረቡ እንታይ ይብሉ ኣለው፡ ከይተገምገመን እንታይነቶም ከይተፈልጠን ”ወደብ ዓሰብን ባጽዕን ወደብ ኢትዮጵያ ንስለ ዝበሉ” ጥራሕ ዶኾን ይኸውን? ውልቃዊ ረብሓ ዶ ኸ ይኸውን? ወይስ ህዝቢ ንምድንጋር፡ ወዘተ ክጽናዕን ብምስትውዓል ክረአ ዘለዎ ይመስል።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልትታት፡ ብዛዕባ መጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ከም ነጻ ሃገር ኣብ ሓደጋ ምህላዋ፡ ብሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ብዙሕ ተዘሪቡ። እቲ ዝቀረበ ቃል መሕተት ብዙሕ ድራማታት ዘለዎ’ዩ። ቅድሚ ኩሉ ግን እቲ መደብ ቲቪ ብ subscribe share ግበርዎ እንዳበለ ዝጅምር ጣቋ ዘይብሉ፡ መሸቀጢ’ምበር ቁም ነገር ዘለዎ ኣይመስልን። ቀጺሉ ንሃገር ኤርትራ ከም ሃገር ዘፍልጣ ኩሉ ኣሕዲግካ ወይ ሰሪዝካ፡ ንህዝቢ መሰል ከም ዘይብሎምን ከም ዘይቃወሙ ጌርካ፡ ባዕሎም ንባዕሎም ዝመሓደርሉ ባይቶን፡ ልዕሊ በትሪ ዘይውንን ሰራዊት ጌርካ ምሓዞም ይብል” ክፋል’ቲ ትሕዝቶ ፈነወ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉን ክብሩን ተነፊግዎ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣረሜናዊ ስርዓት ይመሓደር ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣባል ሕብረተሰብ ዓለም ስለ ዝኾነ ብሓደ ረፍዲ ዝቅየር ኣይኮነን። ብካልእ ወገን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግፍዓዊ ተግባራት ኣብ ቅድሚ ሕግን ቤት ፍርድን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕተተሉ ዘይምኳኑ’ዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ሓንጻጽን ወሳንን’ቲ ኩሉ ግፍዕን በደላት ዘይምኳኑ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ በደላት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከም ህዝቢ ዝፈጸሞ በደላት ተቆጺሩ ሃገሩ ከስእኖ ዝኽእል ደረጃ ኣይኮነን።

ከም ኣብነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ተሞክሮ ብሰንኪ ምሕደራ መለኽቲ ስርዓታት ዝተፈጸመ ኵናት፡ ጥፍኣት ሞት፡ ብርሰት፡ ሃገራት ዶባተን ክድምሰስን መሰለን ክብረታትን ክሕደጋ ፍጹም ኣይተራእየን።ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ጥፍኣት፡ከም ቅዋማውያን ዲሞክራሲያ ውያን ሃገራት ኮይነን ክቅጽላ ዝተሓገዛን ዝተተባብዓን። እሞ ከመይ ኮይኑ’ዩ ሕጂ ብሃገር ኤርትራ ክጅምር ? ሎሚ 1952 ግዜ ፈደረሽን ኣይኮነን።   

ሓደ ነገር ግን ኣሎ። ኣብ’ዚ ህሉው ህዝብናን ሃገርና ዝሓልፎ ዘሎ መድረኽ፡ ደረጃ ሓድነት ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ከም’ቲ ክህልወሉ ዝግባእ ዝተዳለወ ዘይምኳኑ፡ ሓይሊ ሓድነት ደሊቡ ክቃለስን ከቃልስን ዘይምኽኣሉ፡ ግዳይ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ” ወረ ቤላ በለው” ዝኾነ።  

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ሓይል ጽንኩር ተጋድሎ ንነጻነት፡ ብዋጋ መስዋእቲ ኣሽሓት ደቁ ዝተረከባ ሃገር፡ ሎሚ’ውን ኣሕሊፉ ከም ዘይህብ ሕድሪ ጀጋኑ ስውኣትን፡ ሕድሪ መጻኢ ወለዶ ኤርትራን ኣለዎ። ሕድርና ሕድሪ ዝሓለፉን፡ ሕድሪ ህልዋት’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወሳኒ ፖለቲካዊ ቃልሲ ቀጻልነቱ ዘረጋገጸ። ቃልስና ህላውነቱ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት’ኳ ተረጋጊጹ እንተተባሃለ፡ ኣብ ፍጹም ዓወት ንምብጻሕ ተሪፍዎ ዘሎ ኣገዳሲ መድረኽ ዛጊት ክሰግሮ ዘይከኣለ ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ሓይልታት ኤርትራን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ማሕበራዊ መራኺቢታትን፡ እዩ።

ደጊም ደላይ ፍትሒ ዝኾንካ ህዝብና፡ ኣብ ጉዳይ ሓድነትካ ግቡእካ እንተፈጸምካ፡ ዝተዘርበ እንተተዘርበ፡ ንሕጋውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራውነት ጠጠው ከብሎ ዝኽእል ሓይሊ ሞጎት ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ጉዳይና ዘቲና ኣብ መዕልቦ ከየብጻሕና፡ ግዜና ጉልበትና ነቲ ብህልኽን ገምጋም ዘይብሉ ንዓና ንምግጋይ ዝግበር ፈተነታት ክንስዕቦ ኣይግባእን። ግዜና ንጉዳይና፡ ሓይልናን ዓቕምናን ንጉዳይና እንተውዓልናዮ’ዩ ፍረ ንረኽበሉ፡ ንባዕልና እፎይታ ንረኽበሉን።

ልክዕ’ዩ ኣብ ኣሰራርሓና ደኺምና ኣሎና ንሓይል፡ ኣብ ኣረኣእያና ተፈላሊና ኣለና ንቀራረብ ንዛተ ጸገምና ንፍታሕ፡ ተበታቲና ኣሎና ንጠርነፍ ሓደ ንኹን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ

3 ጥሪ 2020  

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.