ወሪድዎ ዘመን

ወሪድዎ ዘመን
ብዘገምታ ጉዕዝኡ ዘዝፈረዶ
ካብ ሓሳብ ውጹዓት ደው ኣቢሉ ክጋርዶ
ወይ ዘመን ዘመን መዓት ዝወረዶ
ንታሪኽ ገርዎ ስርሕ ፍንጥሕ ናይ ኣጉዶ
ኢሂ ተዓዛብቲ ኣይኮነን ዶ ጋዶ?
ቱፍ ንበሎ ብሓባር ኣይንለማመዶ
ይእኸለና ደጊምስ ከላእ ትዋረዶ
እወ ካብ ስነ-ጽሑፍ ግጥሚ
ካብ ማይ ከኣ ማይ ደሊሚ
ካብ ስጋ ኸኣ ዓጽሚ
ካብ ትማሊ ኸኣ ሎሚ
ለዘበን ከኣ ካብ ዓሚ
ሓቅን ሓሶትን ግን ትመሚ
ዓይኒ ምድፋን ግን ከም ጋህሚ
ናይ ዕርቃን ዕርቃን ዩ ብጣዕሚ
ኣይትውሓጦ መሲሉኳ ጠስሚ
የወሃት ዘዳህልል ንሱዩ ቲ ስሚ
ጉዳም ገጣሚ ቃላት ጥራይ ዘዋስብ
ን ህርፋን ኣረመን መታን ከጽግብ
ነቲ መከራ ከም ጽቡቅ ከዕግብ
ናይ ወረቀት ነብሪ ክውንነት ዘየንብብ
ብጉራን ትምክሕትን ንመን ክልብልብ
ወዳጀ ጠቅሚ ወዳጀ ሕግብግብ
እወ ቲ ጅግንነት ናይቲ ገድሊ
ናተይን ናይ ኣያይን ዩ ኢልዎ ብዕሊ
ነቲ ታሪኽ ህዝብስ ብውልቀ ከላሊ
ግርም ደራሲ ኣፈኛ ቀታሊ
ወዳጀ ምሳር ወዳጀ ሓኽሊ
ጉድ ረኺቡ ዘመን ሎሚ ይኹን ትማሊ
ኣየወ ክኢላ ኣብየት ስኒ ምንካስ
ሓፋሽ ዝተፈኦም ሓረጋት ምንስናስ
ወዳጀ ምሕደራ ናይ ነብሰ ምምርኳስ
ንዝብኢ ከተዳሉስ ክንድዚ ምሕንካስ
ወዳጀ ኣምሰሉ ክንዲ ክንቲት ምፍኳስ
ስምዒት ሰብ ክትሰርቅ ብጉራ ሆየሆየ
ኣብ ቅድሚ ዚ ህዝቢ ኣምሪሩ ዝጎሃየ
ብባህሪ ኣራዊት ምስ ጸነተ ዝፈረየ
ንሃገር ብሃገራ ብደም ዝለኸየ
ቀዳሚ ዘይብሉ በይኑ ዝጎየየ
ዘመን ዘርከቦ ክሕደት ዝዓየየ
ንህዝቡ ዘይመስል ብህዝቡ ዘይእመን
ሓንገርቱ ዝነክስ ከምቲ ወዲ ተመን
ዘስገድግድ ምህደሩ ጸብጺብካ ዘይትመን
ኣይጸባበቅን ብምኽሳስ ንዘመን
ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጅኸ ንመን
ንስኻ እምበር ጉድ ወርድዎ ዘመን
ኣብቲ መድረኽ ብዶሆ ኣብቲ እዋን ሳህሮ
ንዓለም ዘደነቀ ድሙቅ ተመኩሮ
ፍረ ቲ ሽደናይ ፍረ ታ ዋዕሮ
ብኣኹም ስሱዓት ዉሑዳት ቁንጣሮ
ታሪኽ ኣይድምሰስን ብልቅብቃብ ጭሕጋሮ
ወዳጀ ሳዕስዒት ወዳጀ ከበሮ
ወሪድዎ ዘመን ወሪድዎ ተፈጥሮ
ብጥሜት ክግረፉ ደቂ ሓላል ላም
መንካዕ ንባዕልኻ ተጸናጽን ኣብ ጸላም
ከም ሰቡ ዘይብሮሆ በረኸት ናይ ሰላም
ብዘይካኻ መን ናይ ኤርትራ ሕማም
ሓርነት ዝበለ ኣበሎ ቲ ኣርሓ??
ኣበለዋ ጎባልል ኣሃዱታት ዝመረሓ??
ክንጥለም ኢና ኢለን ፍጹም ዘይፈረሓ
ንዓኻ ኣሚነን ቅያ ዝሰረሓ
ንዘመን ከሲስካስ ሎሚ ክርገሓ
ወዳጀ ስልበጣ ብስም ዘመን ረብሓ!!
ነቲ ኩሉ ጻዕሪ ናይ ሓባር ሓርኰትኰት
ብብቅዓተዩ ኢልካስ ተሸብሸብ ተኣንጎት
ኣቃልቦ ህዝቢ ንምህውታት ብመስኰት
ወይከ ደቀይ ንባህሪ ዳር መሽኮትኰት
ሰይጣናዊ ባህሪ ሰራም መለኰት
ዘመን ፈራዲ ብሕጉ ምስ በቆጾ
እዋን ኣኺሉ ኩሉ ምስ ቀበጾ
ብገበኑ ከይሕተት ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ
መላኽስ ከምኡ ዩ እቲ ዝመረጾ
ናይ ሓሶት ደራሲኸ ከብዱ እንታይ ረገጾ?
ህዝቢ ዘይወከሎ ናይ ስልጣኑ ጓሳ
ኣብ ሕምሩግ ማይ ሃዳኒ ናይ ዓሳ
ህዝቢ ከይረኸበ ኣይ ይቅረ ኣይካሕሳ
ጥልመት ተኸዲንካ ገምዳሕዳሕ ኣብ ኣዋሳ
ካብ ሕሉፍ መግዛእቲ እንታዩ ቲ መለሳ?
እቲ ለዋህ ህዝቢ ናይ ሃገሩ ወናኒ
ቤቱ ከይሃንጽ ተኸልኸልኪሉ እምኒ
ንድራር ዕለቱ ተሓሪሙ ባኒ
ናይ ሓሶት ገጣሚ ንከሓዲ ከመኻኒ
በኾኽ ቦኾኽ ክብል ከም ሎቆታ ጥሕኒ
ወሪድዎ ዘመን ንመን ዩ ከዳኒ
ብዘይትግበር መብጸዓ ነእዛን ዘጽመመ
ንኤርትራዊ ክብሪ ብርኡይ ዝቆርመመ
ንእብነታት ጅግንነት ብቃጻ ዝሸመመ
ናይ ለያቡ ዳንጋ ንድሕሪት ዝሰጎመ
ዝሰምዖ የብሉን ሎሚ እንተቆዘመ
ወሪድዎ ዘመን ኣይከሓደ ኣይጠለመ
ከምቲ ወትሩ ፍሉጥ ጉዕዙኡ ደኣ ተለመ
15-1-2020
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.