መቀጸልታ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

መቀጸልታ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ
ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
18 ታሕሳስ 2020
ትማሊ ቀዳም ዕለት 18 ጥሪ 2020 መቀጸልታ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውሓድለ ተኻይዱ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውሓዲለ፡ ጉባኤ ካብ ዘሕለፎም ውሳኔታት ኣብ ትግባረ ንምውዓል ከስርሖ ዝጸንሐን ንብድሕሪ ሕጂ ክትግበሩ ዘለዎም መደባት ኣገባብ ተሊሙ። ውሽጣዊ ሓድነቱ ንምሕያል ስርዒቱ ኣጻፊፉ ይሰርሕ ምህላዉ ርእዩ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሙሉእ ስእሊ ስርሓትን ንጥፈታትን ውድብ ክህልዎ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 30 2019 ዝተኻየደ ኣኼባ ፈ/ሽ ውሓዲለ ዝቀረበ ጸብጻባት፡ ንመወዳእታ ውሳኔ ባይቶ ዝጽበ ዝነበረ ጉዳያት ሓጋዚ ምንባሩ ርእዩ።
ኣ/መ ፈ/ሽ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ዘቅረቦ ኣገዳሲ ሰፊሕ መግለጽን፡ ክፋል ጸብጻብ ቤት ጽሕፈታት ፈ/ሽ፡ ውድባዊ ቅርጻ ተሰሪዑ ተወዲኡን ሙሉእ ስርሓት ዝካየደሉ እዋን ተበጺሑ ከም ዘሎን፡ ከምኡ’ውን ሙሉእ ሓድነት ንምርግጋጽ፡ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሲቪካውያን ሓይልታት ኤርትራ ንዘተ ዘቀራርብ ብፈጻሚት ሽማግለ ዝቀረበ ሰነድ ኣብ መወዳእታ ንድፊ በጺሑ ከም ዘሎ፡ ናብ’ቲ ኩልና ክንበጽሖ ንደሊ ዓወት ክመርሓና ዝሕግዝን ዘኽእልን ሰነድ ምዃኑ ሓቢሩን ገሊጹን።
ማእከላይ ባይቶ ውሓዲለ ኣብ’ቲ ዝቀረበ ጸብጻባት ፈ/ሽ ኣገደስቲ መብርሂ ዘድልዮም ሕቶታት ኣልዒሉ ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዱ ተመያይጡን ተኻቲዑ፡ ኣብ መደምደምታ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ። ብተወሳኺ ነቲ ጀሚሩ ዘሎ ይኹን ንብድሕሪ ሕጂ ብመደብ ተታሒዙ ክስርሓሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድነታዊ፡ ምሕዝነታዊ ዝምድናታታት ዓብይ ኣቓልቦ ተዋሃቦ ከም ዝግባእ ጠቒሱ፡ ሓያል ውሽጣዊ ሓድነት፡ ጻዕርን ደገፍን መላእ ኣባላት ውሓዲለ፡ ማእከላይ ባይቶን ፈ/ሽ ን ዕዙዝ ተራን ኣድላይነት ከም ዘለዎ ርእዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዜናን ሓባሬታን ውሓዲለ
18 ታሕሳስ 2020
You must be logged in to post a comment.