ኤርትራ ኣብ መዝገብ ካልኣይ ዙርያ እገዳ መገሻ ሃገራት ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ኤርትራ ኣብ መዝገብ ካልኣይ ዙርያ እገዳ መገሻ ሃገራት ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ኣብ’ቲ ውሩይ ዎል ስትሪት ጆርናል The wall Street Journal ተባሂሉ ዝፍለጥ ጋዜጣ ምምሕዳር ፕረሲደንት ትራምፕ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካልኣይ ዙርያ፡ ዳግማይ ካብ ኣፍሪቃን ኤስያን ሓንቲ ኤውሮጳዊት ዝርከብአን ኣስታት 7 ሃገራት፡ ዜጋታተን ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከይኣትዉ እገዳ ክግበረለን ይሕሰብ ከም ዘሎ ኣብ’ቲ ትማሊ ብዕለት 21 ጥሪ 2020 ዝተዘርግሐ ሕታም ሰፊሩ ይርከብ። ብዘይክኡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ዓበይቲ ጋዜጣታት፡ ፈነወ ሬድዮን ማዕከናት ቲቪ ንፍሉይ ተርኽቦ እዘን ሃገራት ኣመልኪቱ ምስ ወጻኢ ጉዳያት ኪኢላታት ዓዲሞም ኣዘራሪቦም።

እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ንእገዳ መገሻ ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡ ካብ ኣካላት ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ፕ ትራምፕ ዝተረኽበ ዝርዝር ኣስማት ሃገራት ምዃኑ ይጠቕስ ።

ብተወሳኺ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመት ቀዳማይ እገዳ 6 ሃገራት፡ ነዚ ጉዳይ ከም ዘረጋገጾ’ውን Today News africa ዝተባህለ ዜናዊ ትካል ኣብ ደቮስ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ምንባሩ ተወሳኺ ይሕብር። ይኹን እምበር’ቲ እገዳ ንኩሎም ዜጋታት እተን ሃገር ከም ዘይትንክፍ ገሊጹ ክብል ይጠቕስ።

ዜናን ሓበሬታን ሓዲለ

ዕለት 23 ጥሪ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.