ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት መንግስትን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ህግዲፍ ንሕክምና ኣብ ኣቡዛቢ ይርከቡ፡

ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት መንግስትን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ህግዲፍ ንሕክምና ኣብ ኣቡዛቢ ይርከቡ፡

ሰበ ስልጣናት መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ኣባላት ጸጥታ፡ መላኺ ስርዓት ጉጅለ ህግዲፍ ንሕክምና ኣብ ኣቡ ዛቢ ይርከቡ። ኣብ ዛይድ ወታሃደራዊ ሆስፒታል ክንክን ሕክምና ይግበረሎም ከም ዘሎ ከኣ ተሓቢሩ። እዞም ሕማሞም ዘይተገልጸ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉዳዮም ብኣዝዩ ዕቱብ ምስጢር ተተሒዙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ካብ’ቲ ሆስፒታል ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ” ኣብ ውሽጢ’ቲ ሆስፒታል ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ወታሃደራውያን፡ ጸጥታውን፡ፖለቲካውያን ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ከም ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ መርበብ ስለያን ሃገራዊ ድሕነት፡ ሚኒትሪ ቱሪዝም ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሑመድ ካሪካሪ፡ ወኪል ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣርኣያ ደስታ፡ ኣምባሳድር ሊብያ ዝነበረ ዓብደላ ሙሳን ምህላዎም ምንጭታት የረጋግጹ። እዞም ሕማሞም ዘይተገልጸን ብኣለይቲ ቤተ ሰብ ከይስነዩን ከይብጽሑን ዝተኸልከሉ ሓለፍቲ ጉዳዮም ብልዑል ምስጢር ተታሒዙ ከም ዘሎ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።በዚ ኣተሓሕዛ ዝተገረመ ካድር ህግዲፍ ” መንግስቲ ንጸሓይ ብመንፊት ክሓብኣ” ይፍትን ኣሎ ክብል ገሊጽዎ። ብተወሳኺ ሕማም መናብርቲ ደቂ ሰባት ብምዃኑ ብኸም’ዚ ምስጢራዊ ኣገባብ ክትሓዝ ኣይግባእን ይብል።

ኣገልግሎት ሕክምና ሕሙማት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ስርዓት ህግዲፍ ኩሉ ወጻኢታቱ፡ ወራሲ ንግስነት ኣቡዛቢ ሼክ መሓመድ ብን ዛይድ ከም ዝኾነ ኣዘካኺሩ።

ምንጪ ሓበሬታ መርበብ ኣዱሊስ፡

ዜናን ሓበሬታን ሓዲለ

25 ጥሪ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.