ስዊዘርላንድ 6 ሚሊዮን ፍራንክ ንኤርትራ ትሕግዝ፡

ስዊዘርላንድ 6 ሚሊዮን ፍራንክ ንኤርትራ ትሕግዝ፡

ብሓሙስ ዕለት 23 ጥሪ 2020 ኣብ በርነር-ሳይቱንግ ዝተባህለ ጋዜጣ ብዛዕባ ኤርትራ ዝወጸ ከም ዝሕብሮ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ 6 ሚሊዮን ፍራንክ ኣብ’ዚ ዝመጽእ 3 ዓመታት ንኤርትራ ሓገዝ ከም ትህብ ዝገልጽ’ዩ። እዚ ሓገዝ ከኣ ብፍሉይ መደብ ንዕብየትን ስልጠና መንእሰያት ምዃኑን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድናታት ንምብርባር’ዩ ይብል።

ነዚ መደብ ስልጠና መንእሰያት ተባሂሉ ዝወሃብ ደገፍ ፍሉይ ዕማም ከኣ ግቡእ ምክትታልን ቁጽጽር ክግበረሉ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ዝግባእ ስልጣነን ትምህርትን ክወሃቦም ዝኽእል ዕድል ክረኽቡ ኮይኑ፡ ሎሚ በቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ሃገር ስዊዘርላንድ ኣቢሉ ተወሳኺ ብፍሉይ ዕማም ዝምደብ ጉጅለ ብማዕዶ ነቲ ጉዳይ ክከታተልን ከጽንዕን ምዃኑ ይሕብር።

እዚ ፍሉይ ሓገዝ ሃገር ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ብዘይካ’ቲ ዝምድናታት ንምብርባር ፡ ካልእ ኣብ ልቃሕን፡ ምትብባዕ ንኣሽቱ ቤት ዕዮ ወይ ፋብሪካታት ዝሓለነ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝግበር ምትሕግጋዝ ዝርርብ ክካየደሉ፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ገምጋም ክግበረሉ ከም ዝኮነ ጠቂሱ፡ ኣብ’ዚ ቀዳማይ መደብ፡ንእስታት 2000 ዝኾኑ መንእሰያ ሞያዊ ስልጠና ክወሃብ ከም ዝኽእልን ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ስዊዘርላ-ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ዝካየድ ዝርርብ ንምዕማቑ ቀጻልነቱ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ተዘሪብሉ።

ምንጪ ጋዜጣ በርነር ስዊዝ ዕለት 23 ጥሪ 2020

ሓጺር ጽማቕ ትርጉም ዜና ውሓዲለ

26 ጥሪ 2020    

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.