ገንዘብ ሕድሪ ምስ ጠለምቲ ህግዲፍ ሓጻር ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰት ዛንታ

ገንዘብ ሕድሪ ምስ ጠለምቲ ህግዲፍ
ሓጻር ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰት ዛንታ
ገንዘብ ሕድሪ ምስ ጠለምቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ’ቲ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተኻየድ ጻዕዳ ጭው ዝበለ ጥልመት ገንዘብ ሕድሪ፡ እሞ ክሳብ ሕጂ ከኣ ህዝብና ብገዛእ ደቁን ንብረቱን ገንዘቡን ብሕሱም ምረት ናብራ ከምኡ እንዳበለ ዝሓልፎ ዘሎ ስቕያት ብምዝካር፡ እቶም ጸላእትና’ዮም ንብሎም ዝነበርና ኸ እንታይ ይግበሩ ነበሩ ዝብል ዛንታ ሓንቲ ኣደ ስለ ዘዘኻኸረኒ።
መላኺ ስርዓት ስልጣኑ ንምድልዳል፡ ህዝቢ ክደሃልን ክርዕድን ካብ ዝብል ዕላም ዝተበገሰ፡ ህዝብና ኩሉ ግዜ ምስ ተበደለ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ኩሉ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸም በደላ ተፈቲኑ፡ ህዝብና ብሕሰም ላድዩ፡ ዘይምሱል መሲሉ ዘይልለ ገጹ ከሰል ተኸዲኑ፡ ወሊዱ ከም ዘይወለደ ዝሓልፎ ዘሎ እዋን’ዩ።
መላኺ ስርዓት ህዝቢ ንምድኻም ስልጣኑ ንምድልዳል ኣብ መዝገቡ ብመስርዕ ተር ኣቢሉ ዘስፈሮ መደብ ግፍዕታት፡ ሓደ ብሓደ ኣብ ዝተፈላልየ ግዜ ፈቲንዎ’ዩ። ስለ ዝተዓወተሉ ከኣ ብቀጻሊ ከም ልሙድ የዘውትሮ። ህዝብና ከኣ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይሓልፈና እንዳበለ ሰሚዕዎን ርእይዎን ዘይፈልጥ ዘዝሓደስ ግፍዕታት ደኣ የጋጥሞ ነበረን ኣሎን።
ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኤርትራ ሓደ መንፈቕ ዝኣክል ቀረብ ኣብ ዕዳጋ ከም ዝጠፍእ ይገብር፡ ቀጺሉ ቀረብ እንተተረኽበ ኩነት ስእነት ማይ ይፈጥር፡ ማይ እንተተረኽበ ከኣ ስእነት መፍልሒ ማይ ፍሓም እንጨይቲ ወይ ኤለትሪክ የምጽእ። እዚ ከኣ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ህዝቢ ንምቁጽጻር ኮነ’ሉ ዝገብሮ’ዩ። እዚ ቀቀሊሉን ብውሑዱን ቅሩብ ቍራቦ ላህመት ታሪኽ’ዩ። ብዓብዩ’ዃ ደኣስ ሰባት ጨዊኻ ምጥፋእን ምእሳርን ኣብ ኤርትራ ልሙድ እንዳኾነ መጺኡስ፡ ሰብ ካብ ፈተውቱ ምስ ዝጠፍእ እዞም ርጉማት ረኺቦም ባ ካብ ምብል ሓሊፉ ዝገብሮ ኣይነበሮን።
ኣብ ነገረይ ክምለስ፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ነጻነት ኣብ ክንዲ ህንጻት ሃገርን ልምዓትን፡ ስልጣነን ቁጠባዊ ዕብየት፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ራህዋን፡ ኣብ ክንዲ ዲሞክራስን ፍትሕን ህዝብና እፎይታ ከይረክብ፡ ብኵናት ደቁን ንብረቱን ከም ዝስእን ገይርዎ’ዩ። ሰላም ተባሂሉ ተጻብኦታት ኵናት ጠጠው ምስ በለ፡ ጽላሎት ኵናት ተባሂሉ ከም ወትሩ ቀጸለ።
ኣብ 2015 ከኣ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ መዝገቡ ገንጺሉ ህዝብና ክግልገለሉ ዝጸንሐ ቅርሺ ናቕፋ ክቅየር ዶ ክሕደስ ብማለት ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ኩሉ ዝዓበየ ዝነኣሰ ነገዳይ፡ ዝሃብተመ ዝደኸየ ውልቀ ሰብ፡ ጥረ ገንዘብ ኣኪቡ ንባንኪ ከረክቦ፡ ኣማስይኡ ከኣ ሓድሽ ቅርሺ ወይ ቅያር ገንዘብ ክዋሃብ ተባሂሉ፡ ነጋዳይ፡ ሃብታም ድኻ ኩሉ ኣብ ኢዱ ዝጸንሐ ገንዘብ ንባንኪ ኣረከበ። ኣብ ገዝኦም ብርክት ዝበለ ገንዘብ ሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታት ክንደይ ግፍዕን መካራን፡ ፖሊሳዊ ምርመራታትን በጺሕዎምስ ገንዘቦም ዝሰኣኑ መቁጸሪ ኣይነበሮምን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኩሉ ቅርሺታት ኣኪቡ ኣብ ኢደይ ኣትዩ ኣብ ዝበለለሉ እዋን፡ እቶም ሕጋውነት ወነንት ገንዘቦም ምስክር ወይ ፍቃድ ዘቅረቡ ከይተረፉ መቅጻዕቲ በየነሎም። ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ፡ ልክዕ ከም’ቲ ቀረብ፡ ማይ፡ መብራህቲ ዝሰኣነሉ ዝነበረ ሕጂ ከኣ ብዓብዩ መንቀሳቐሲ ቅርሺ ዝተሳእነሉ ግዜ መጸ። ሃብታማት ምስ ገንዘቦም ዝጠምይሉ እዋን ተራእየ። ጸላእትና ንብሎም ዝነበርና ንገንዘብ ሕድሪ እንታይ ይገብርዎ ነይሮም ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ከዘንትወልኩም እፈቱ።
ግዜያቱ መጀመሪያ ሰብዓታት ኮይኑ ሰውራ ኤርትራ ወይ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ካብ በረኻታት ንዓዲ ዝቀላቐለሉ፡ ምስ ገገለ ለባማትን ዓበይቲ ዓዲ ዝራኽበሉ፡ ጸጸኒሑ ከኣ ደቂ በረኻ በዚ ተራእዮም እንዳተባህለ ኣብ ህዝቢ ዝዝረበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ዝሰግኣሉን ዝሻቐለሉን ግዜ ነበረ። ድሮ ኳ ኣብ መፋርቕ 60ታት ኣብ መታሕት ብፍላይ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ሕላፍ ግዜ ክፕሪፍኮ ተኣዊጁ ህዝብና ኣብ ዓብይ ሻቕሎ ይርከብ ነበረ። ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ክወጹ ተወሰነ። ብዙሓት ዜጋታት ኤውሮጳን፡ ማእከላይ ምብራቕን ከኣ ከም ዝተሰጎጉ ተገብረ። ኣብ 1973 ዓ.ም ከኣ መደበር ኣሜሪካውያን ቓኘውን ሬድዮ ማሪናዮን ክዕጾው ምቅርራባት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኣዝየን ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንስደት ከምርሃ ተገደዳ። መብዛሕትአን ምስ’ቶም ዜጋታት ጣልያን ዝሰርሓ ከኣ ነበራ። ይኹን’ምበር ግዛኣት ስርዓት ሃይለስላሴ ኤርትራውያን ንወጻኢ ክከዳ ኣይከልከለን፡ ብገንዘብን ይኹን ዝወሓሰን ቤተ ሰብ እንተረከባ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ባንክ ሕሳብ ከፊተን ፓስፓርት ምስ ዝወሃበን ብዕሊ ብኣስመራ ኣየር ፖርት ናብ ዝደልየኦ ሃገር ክገሻ ከም ዝኽእላ ተፈቐደ።
ሓንቲ ኣደ ነዚ ዕድል ዲና ክንብሎ ወይስ ካልእ መንገዲ ዝረኸባ ብገንዘበን ተዋሒሰን፡ሕሳብ ባንክ ከፊተን፡ መገሺ ሰነድ(ኢትዮጵያዊ ፓሳፖርት)ተዋሂብወን ንኤውሮጳ ተሰደዳ። ኣብ ስደት ኮይነን ከኣ ንብዙሕ ዓመታት ንስድራ ቤተን ይሕግዛ ነበራ። ስደት መሪር’ዩ፡ ናፍቆት ስድራ ቤት፡ ናፍቆት ንፋስ ዓዲ፡ ድኻም ስርሓት ኩሉ ኣረኻኺቡለን፡ ብሕሱም ናፍቆት። ዓብይቲ ወለደን ኣብ ዕብየቶም ስለ ዝነበሩ ከይሞቱ ከርክቦም ብማለት ድሕሪ 15 ዓመት መግዛእቲ ኢትዮጵያ እንዳሃለወ፡ ብሕጊ ስለ ዝወጻ ብሕጋዊ መንገዲ ንዓዲ ክበጽሓ ተመለሳ። ስድራ ቤትን ረኺበን ንብዓተን ጸሪገን ተመሳጊነን ክምለሳ ኣብ ዝመደባሉ፡ ብዘረባ ዘረባ ዝመጸ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ኢትዮጵያ ባንክ ዝእተውኦ ገንዘብ ውሕስነተን ዘኪረን፡ እዚ ገንዘብ እንተሓተትኩሉስ እንታይኮን ይብሉኒ ዝብል ሓሳብ መጸን’ሞ ምስ ገገለ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተማኪረን፡ እንተስ ምስክርን ሰነድ ይሃሉ’ምበር ክሓታ ጸገም ከም ዘይብሉ ገለጹለን።
ኩሉ ሰነዳተን ፓስፖርት ሒዘን ከኣ ንኢትዮጵያ ባንክ ከይደን ሓተታ፡ ገንዘብ ሓላለን ከኣ ከይተተንከፈ ምስ ቁጽሪ ሕሳቡ ከም ዘሎ ተነገረን። ዝኸፈልኦ ገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመታት ገንዘብን ምስ ወለዱ ኣዝዩ በርኪቱ ጸንሐን። ገንዘብን ከኣ ኣብ ዝደለየኦ ግዜ ወሲደን ክጥቀማሉ ከም ዝኽእላ ተነግረን። ገንዘብ ሕድሪ ከኣ ንብዙሓት ካብ ስድራ ቤታት ክሕገዝሉን፡ ንብረት ክግዝኣሉን ኽጥረየሉን ተገብረ። ሎሚ ግዳ ገንዘብ ሕድሪ ምስ ጠላማት ስርዓት ህግዲፍ ግን ከም ጨው ሓቂቑ ክጠፍአ፡ ሰብ ክጠፍእ ይረአ ኣሎ።
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ
ካብ ኣሸበሮም መሓሪ
You must be logged in to post a comment.