ምትእኽካብ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ኣብ ስዊዝ

ምትእኽካብ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ኣብ ስዊዝ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቦም፡ ማሕበር ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን ንምምስራት ድሮ ንዕለት 21 ለካቲት 2020 ኣብ ስዊዝ ክካየድ ኣኼባ ጸዋዒት ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ኣብ’ቲ ንህዝቢ ዘምሓላልፍዎ ጸዋዒት ኣኼባ 21 ለካቲት ከኣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ብዘይኣፈላላይ ከም ዝምልከት ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ንዕለት 21 ለካቲት ዝካየድ ኣኼባ ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን፡ መቀጸልታ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ባህልን ልምድን፡ ስነ ጥበብን በሪሱ ከይጠፍእ፡ ዝዓበዩን ዝነኣሱን ኣብ’ዚ ሞያ ዝነጥፉ ይብገሱ ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፍሉይ ቦታታት ፈተን ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ብዝሰፍሐን ብዝዓበየን ንብዙሓት ክጥርንፍ ክእክብን ንኤርትራዊ ባህላዊ ምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንምዕኳኹን ንምምዕባሉን ትጽቢት ዝግበረሉ’ዩ። ኣኬባ ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን 21 ለካቲት ውህድ፡ ጥርኑፍ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ክወጽእ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ዜናን ሓበሬታን ሓዲለ

4 ለካቲት 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.