ምትእኽካብ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ኣብ ስዊዝ

ምትእኽካብ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ኣብ ስዊዝ
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቦም፡ ማሕበር ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን ንምምስራት ድሮ ንዕለት 21 ለካቲት 2020 ኣብ ስዊዝ ክካየድ ኣኼባ ጸዋዒት ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ኣብ’ቲ ንህዝቢ ዘምሓላልፍዎ ጸዋዒት ኣኼባ 21 ለካቲት ከኣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ብዘይኣፈላላይ ከም ዝምልከት ተሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ንዕለት 21 ለካቲት ዝካየድ ኣኼባ ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን፡ መቀጸልታ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ባህልን ልምድን፡ ስነ ጥበብን በሪሱ ከይጠፍእ፡ ዝዓበዩን ዝነኣሱን ኣብ’ዚ ሞያ ዝነጥፉ ይብገሱ ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፍሉይ ቦታታት ፈተን ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ብዝሰፍሐን ብዝዓበየን ንብዙሓት ክጥርንፍ ክእክብን ንኤርትራዊ ባህላዊ ምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንምዕኳኹን ንምምዕባሉን ትጽቢት ዝግበረሉ’ዩ። ኣኬባ ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን 21 ለካቲት ውህድ፡ ጥርኑፍ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ክወጽእ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።
ዜናን ሓበሬታን ሓዲለ
4 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.