ውሳኔ ተበግሶ ሓድነትን ሓባርዊ ስርሓትን፡ ምስ ትግባረ ዝሳነ ክኸውን ይግባእ!

ውሳኔ ተበግሶ ሓድነትን ሓባርዊ ስርሓትን፡ ምስ ትግባረ ዝሳነ ክኸውን ይግባእ!

ርእሰ ዓንቐጽ ውሓዲለ

ንርከበሉ መዋእል ንጥፍኣትና ዝህቅን፡ ምሕደራ ሓደ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ ድሕሪ ነጻነት በቶም ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነበሩ፡ንምልኪ ዘይምብርኸኹ ጀጋኑ ደቁ ንዳግማይ ግፍዒ ተጻዊሩ፡ ግዙፍ ዋጋ ከፊሉ፡ ሰለይ እንዳበለ ክሳብ ኣብ’ዚ ሕጂ ንረከበሉ ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸን፡ ብወጥሪ ዝተመልአ ውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ ጉዳያት ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን እንዳተኸላኸለ ጸኒሑ ኣሎ።

ብቀዳምነት ቃልሲ ንሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ማዕርነትን፡ ዲሞክራስን ራህዋን ዘልዓለ ሕቶታት ሂወት ሂቡ ቀጻልነት ክህልዎ ዝገበረ ቀሊልን ልሙጽን ጉዕዞ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ውሑድ ዘይምንባሩን፡ ክስገር ዘይኽእል ግን ኣይነበረን። ብመንጽር ዝተኸፈለ መስዋእትን ዝተራእየ ጽንዓትን፡ ከም ውጽኢት ከኣ ሎሚ ዘለናዮ ደረጃ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት፡ ኩሉ መዳያዊ ተበግሶታት ህዝብና ኣብ ቅኑዕን ዝተኣማምን ደረጃ ክበጽሕ ዘኽእል ሓባሪ ምልክትታት ክርኢ ምኽኣል’ዩ።

ሓድነት፡ ሓባራዊ ስርሕ ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ውጽኢታዊ ይኸውን ፍረን ዓወትን ይሕፈሶ፡ ሓበንን ኩርዓትን ሓይልን ህዝቢ ኣብ ቦትኡ ክምለስ ከመይ ይመስልን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝሰሕቶ ዘሎ ኣይመስልን። ይኹን’ምበር ኣብ ዓወት ዘብጽሕ፡ ፍታሕ ዘረጋግጽ፡ ሓይልን ኩርዓትን ሓበንን ደላይ ፍትሒ ህዝብና ኣብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ብማዕዶ ማዕዶ ኮይንካ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ሓደ ሓደ እዋን ከም ኵርዓት፡ ሓበን፡ ዓወት ፍሉይ ውዳበታትን ሓይልታትን ዝዓይነቱ ኣካይዳ ፡ ንቃልስና ክልተ መልክዕ ወይ ገጽ ዘልበሶ፡ ቀዳማይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንምልኪ ዝሕግዝ ባይታ፡ በቲ ካልኣይ ድማ ንሓያል ድሌትን ትጽቢትን ተስፋ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ዝነጻጽልን ዘዳኽምን ኩነታት ዝፈጠረ ኩነት ብምንባሩ’ዩ።

ዓመጽ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሓሉ፡ ሓይሊ ሓድነት ደላይ ፍትሒ፡ ኵርዓትን ሓበንን ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ፡ 28 መስከረም 2011 ኣብ ኒው ዮርክ፡ ብ23 ሰነ 2016 ጀነቭ ዓወት ኣብ ባይታ ዘረጋገጸ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰላምዊ ሰልፊ ነበረ። ” ሕጂ ግርም በለ ደራፋይ” ህዝቢ ኤርትራ ቅዋምን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካል ብሙሉእ ተሳትፎ ዘርኣዮ ቀዳማይ ተበግሶ ኮይኑ፡ ንቀጻልነቱ ዝተወሃሃደ መሪሕነት ብዘይምርካቡ፡ ኣብ’ቲ ቅድሚ ሰፊሕ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሰላምዊ ሰልፊ ዝነበረሉ ኩነት ብምምላሱ፡ ነቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ቃልሲ ተደጋጋሚ ተርእዮ ኮይኑ ንኽቕጽል ክሕግዝ ዝኽእል ምትብባዕ ምእላይ ኣይተራእየን።

ብኣንጻሩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሲቪካዊ ማሕበራት ኤርትራ፡ ውልቀ ሰባትን፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ፍረ ሓባራዊ ታሪኻዊ ስርሓት ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ፡ ሓባራዊ ኣካይዳ ምምራጽ፡ ካብ’ቲ ዝተረኽበ ፍረ ዓወት ሓባራዊ ስርሓት ንሰልፋዊ፡ ውድባዊ፡ሲቪካዊ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ከይዱ ከይዱ’ውን ንወፍሪ ሓድነት ዘይኮነስ ንውልቃዊ ፖለቲካዊ መኽሰብ ዘንጸባርቕ ምርኢት’ዩ ዝተጋህደሉ ነበረ።

ኣብ 28 ዓመታት ዝጸንሐ ቅኑዕ ንሓድነት ዘቅውም ሞዴል ወይ ቅርጺ ኣካይዳ ንቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ከዕውት ዘይከኣለ ብምንባሩ፡ ክሳብ’ቲ ብ8 ሓምለ 2018 ዝተኣወጀ ሃንደበታዊ መስርሕ ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ስዒቡ ዝመጸ ምዕባለታት፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ እቲ እዋን ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ መጠን ፖለቲካዊ ክብደት ከም ዘይነበሮ ኮይኑ፡ ኣካይዳና ክመዓራረ፡ ሓይሊ ሓድነትና ብተሳትፎ ኩልና ክዓብን ክሰፍሕን፡ ከም ዘለዎ ክንሓስብ ገይሩና። ኣብ ውሽጥና ዝተራእየ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ’ቲ ብመንጽር ኣብ ከባቢና ዝኸይድ ዝነበረን ዘሎን ጂኦ ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ፍልሰት መንእሰያት ንስደት፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ውድቐት ሃገርና ተወሲኽዎ፡ ተገዳስነት ሓድነትና፡ ሓባራዊ ስርሓትና ሰጊርካዮ ዘይሕለፍ፡ ቀዳምነት ቦታ ክሕዝ መተካእታ ዘይብሉ፡ ይጽንሓለይ ዘይብሃለሉ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ እምበር ኣቋምኡን መሰረቱን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓይሊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝበጽሕ ምስ’ቲ ኣብ ጉባኤኡ ዘሕለፎ ውሳኔታት ተግባራዊ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሉ ቀጻሊ ቃልሲ፡ ብዘተ ምርድኣዳእ ብኡ ኣቢልካ ከኣ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ ውድብ፡ ጉዳይ ሓድነትን ይኹን ሓባራዊ ስርሓት ንምዕዋቱ ብደረጃ ሓባራዊ ሃገራዊ ውሳኔ፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንምእላይ ዘክእል ንቕሓት፡ ዓቕሚ፡ ክእለት፡ ህዝብና ምዕጣቕ’ዩ። ነዚ ቅኑዕ ዕላማ ንምዕዋት ውሓዲለ ከም ቀዳማይን ልዕሉ እዋናዊ ኣጀንዳ ሰሪዑ ዝሰርሓሉ ምዃኑ ኣብ ደምበ ደላይ ፍትሒ ተስፋ ዘስንቕ ትጽቢት ምህላውን ኣብ ውሳኔ ተበግሶ ሓድነትን ሓባርዊ ስርሓትን፡ ምስ ትግባረ ዝሳነ ክኸውን እጃሙ ዘልዕል ቅሩብነቱ ዝገልጽ’ውን’ዩ።

ብቃልስና ክንዕወት’ና

ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ

8 ለካቲት 2020  

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.