መላእ ኣባላት ዝተረኽብሉ ኣኼባ ውሓዲለ

መላእ ኣባላት ዝተረኽብሉ ኣኼባ ውሓዲለ
ብዕለት 8 ለካቲት 2020 መላእ ኣባላት ውሓዲለ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ተኻይዱ። ነዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣኼባ ውድብ ክካየድ ዝተደለየሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ ጉባኤ ሓድነት ውሓዲለ፡ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት ክሳብ እዚ ዘሎናዮ እዋን ዝተዓመሙ ስርሓት ጸብጻብ ንምቅራብን፡ መጻኢ መደባት ከኣ ብቅደም ተኸተል፡ እዋናዊ ሕቶታት ህዝብን ኣባላትን ንምምላስ ዝተኻየደ ሰፊሕ ዓውደ ዘተ’ዩ።
ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣቦ/መ ፈጻሚት ሽማግለ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ ንኣባላት ውድብ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ድሕሪ ምባሉ፡ ንኣባላት ውድብ ክሕበርን ክፈልጥዎን ኣለዎም ንዝበሎ ኣገዳሲ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሰፊሑ መግለጺ ኣቕሪቡ። ብምቅጻል ከኣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሽዱስተ ኣዋርሕ ዘካየዶ ስርሓት፡ ጸብጻባት ፈጻሚት ሽማግለ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንዝምጽእ ሽዱሽተ ኣዋር ዘለዎ መደባት ስርሓትን ኣንፈት ውድብ ገሊጹ። ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈታት ፈ/ሽ ብፍላይ ኣብ’ቲ ዝቀረበ ጸብጻባት ይኹን መጻኢ መደባት መደባት ቤት ጽሕፈታተን ዝምልከት፡ ካብ ኣባላት ዝቀረበ ሕቶታት፡ መልሲ ሂበን።
ኣባላት ውሓዲለ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጸብጻባትን መደባትን ውድብ ድሕሪ ምስማዕ፡ ሓድነት ውድብን፡ሓድነት ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ንምዕዋት ኣትኵሮ ብምግባር፡ ኣብ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ኤርትራውያን ሓይልታት ዝካየድ መስርሕ፡ ዘሎ ኣንፈት ምቅርራባትን ብሰፊሑ ዘትዩ። መሪሕነትን ኣባላት ውድን ጉዳይ ሓድነት መልሲ ክረኽበሉ ብጥርኑፍ፡ ንጡፍ ተሳትፎን ኣሰራርሓ ውድብ ኣውንታውን ዕዉትን ውጽኢት ክርከቦ ከም ዝኽእል ዝተሰማማዓሉ ኣኼባ ነበረ።
ከም ኣሰራርሓን ልምድን ውድብ ከኣ ከም’ዚ ዓይነት ኣኼባ ልሙድን ዝውትሩን ኮይኑ፡ ብመደብን ተታሒዙ፡ ፍሉይ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝረከበሉ ወኸሳ ኣብ መንጎ ኣባላት ፈ/ሽ፡ ባይቶን፡ ኣባላትን ውድብ ምስ ዝካየድ ጥምረት ውሽጣዊ ሓድነትን ክህልዎ ከም ዝኽእል ርእዩ።
ክንዕወት’ና
ዜናን ሓበሬታ ውሓዲለ
9 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.