ምሕረት ዘይህብ ምሕረት ክሓትት፡ ሰላም ዘይህብ ብሰላም ክዛረብ፡ ብከመይ ይከኣል!!

ምሕረት ዘይሕብ ምሕረት ክሓትት፡ ሰላም ዘይህብ ብሰላም ክዛረብ፡ ብከመይ ይከኣል!!
መራሕቲ ሰለስተ ሃገራት ኤርትራ፡ኢትዮጵያ ፡ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ዞባዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝዘተዩ ይዝከር፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከኣ ብዕለት 27 ጥሪ 2020 ኣብ ከተማ ኣስመራ ተራኺቦም ዘትዮም። ኣብ’ዘን ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝካየድ ዘሎ ቅልጡፍን ተደጋጋሚ ርክባት ምስ ንዕዘብን ነስተውዕልን፡ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ኩልንተናዊ ሕቶታት ብፍላይ ሰላምን ምርግግጋእን ብዙሕ ዘዛርብ’ኳ እንተኾነ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ዘቤታዊ ዘሎ ሰላም እንታይ ይመስል ዝብል ዘትኮረ ሕቶ፡ብቀንዱ እዞም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮም ክሰርሕዎ ዘለዎምን ዝግበኦምን ዕዮ ሰላም ወንዚፎም እንተኸዱስ መስርሕ ሰላምን ዞባዊ ምርግጋእ ክመጽእ ይከኣል ዶ ዝብል ሕቶ፡ማንም ክምልሶ ዝኽእል ላህመታዊ ሕቶ ሀ ሁ ፖለቲካዊ እዩ።
ብዝኾነ ኣብ’ዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ዞባዊ ኩነታት ክንዛረበሉ ዘኽእል ሰፊሕ ጉዳይ’ኳ እንተሃለወ፡ ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ ፍሉይ ጉዳያት ኤርትራ ምዝራብ ከም ዘምሕርን፡ ብድሕሪኡ ከኣ ውዕላት ሰላምን ምርግጋእ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣበይ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ግምት ክህበና ዝኽእል ይኸውን።
እሞ ብዛዕባ ሓባራዊ ስሉሳዊ ውዕላት ንዝምልከት ፍላይ ብጉዳይ ኤርትራ ኣልዒልካ ክዝረብ ዘኽእል ኣይኮነን። ከም’ዚ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ፡ ቅድሚ ንክልትኣዊ ይኹን ስሉሳዊ ዝርርብ፡ ስምምዕ፡ ውዕላት ምክያድ፡ ዘቤታዊ ጉዳይት መደብ ምጽፍፋ፡ ምስራዕ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቀንዱ ኣብ ቅዋማዊ ፍትሓዊ፡ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ትካላዊ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም ዝግባእ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ርእይቶ ውሓዲለ ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ደምበ ፍትሒ ዝኣምነሉን ዝቃለሰሉን፡ ኣድማሳዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘማዕዱ ሓይልታት ዝርእዮን ዝርድኦን’ዩ።
ደጊም ነዚ መትከላዊ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ሰጊርካ፡ ገና ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ውሕስነታ ዘየረጋገጸት ሃገር ኤርትራ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዞባዊ ስምምዓትን ውዕላትን ምቝማትን ምምዕዳውን፡ ነቲ ዘቤታዊ ሽግራ ንምሽፋ ዝግበር ሽርሒ፡ ብሓትነት ስልጣን መላኺ ስርዓት ጃንዳ ህግዲፍ ንምሕያል ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ካልእ ፋይዳን ረብሓ ህዝቢ ከም ዘይውክልን ዘየረጋግጽን ዘርድእ’ዩ።
ኤርትራ ዋሕስ ህዝባ ክሳብ ዘይኮነት፡ መሰልን ህዝባ ክሳብ ዘይሓለወት፡ ምስ ዓለምና ብማዕዶ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራቲ ሃገራት ብቀረባ ዝካየድ ዝተመጣጠነ ፖለቲካዊ ዲፖሎማሲያዊ ዝምድና፡ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ማሕበራዊ ምምሕያሽ ዘይገበረት፡ ነቲ ዝሕሰብን ሸበድበድ ዝበሃለሉ ዘሎ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታዊ ምርግጋእ ትርጉም ዝህበሉ፡ ውጽኢት ዘይረከበሉ ከንቱ ስርሓት መድረኻዊ ትያትሮ ወይ ላግጺ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዘርኢ። ነዚ ዓቢ ትያትሮ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዞባዊ ውዕላትን ስምምዕትን ከኣ፡ ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ጎረባብቲ ሃገራት ዘይከይድ ጠለባትን መደባትን ምዃኑ ምግላጽ፡ ግደ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ምዃኑ ዘይሳሕት’ዩ።
ሰላም ፍትሒ ዝጸልእ የልቦን። ይኹን’ምበር ሰላምስ ክመጽእን ክረጋግጽን እንተኣ ተደልዩ ከኣ ብመንገዲ ሰላም ትካልዊ ኣሰራርሓ፡ ምርግጋእ፡ ህድኣት እምበር፡ ከም ወዮ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዘውቲሩ ዝፍጽሞ ዘሎ መወድዳደሪ ዘይብሉ ግፍዓዊ ተግባራት፡ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ ሞትን ስደትን ኣይኮነን። ፖለቲካ ኤርትራ ከም ሻሙ ዝበሃለሉ ”ዕዳጋ ምሸት” ኣይኮነን። ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ውሕሉል ኣካይዳ ዘለዎ፡ ብስርዓትን ሕግን ዝፍጸም’ምበር። ሎሚ ከኣ መቀጸልታ ወለዶ ውሕሉል ባህሊ ስርዓትን ሕግን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ ጸሚዱ ኣብ ዝሃለወሉ መድረኽ፡ ክጥሕሶ፡ክሰግሮ፡ ንመደናገሪ ክጥቀምሉ ዝፍትን ኣካል ቦታ ከም ዘይብሉ፡ ሎሚ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ተላዒሉ ዘሎ ድምኢ ኤርትራውያን ዓብይ ምስክር’ዩ።
ወዮ ደኣ ኣብ ዘይጉዳይና ከይንኣቱ’ምበር፡ ጎረባብትና’ውን በዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ምልካዊ ተግባራት፡ ምስ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ውዕላት ንምዕዋቱ ዘጸግም ምዃኑ ስክፍትኦም ዝገልጹ ሓይልታት ውሑዳት ዘይምዃኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ንስምዖን ንዕዘቦን ዘሎ ጉዳይ’ዩ። እዚ ጉዳይ ከኣ ንቅዋማዊ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋውነቱ፡ ሞጎትኡ ሓቀይና ምዃኑ ዘረጋግጽሉ’ዩ።
ምሕረት ዘይህብ ምሕረት ክሓትት፡ሰላም ዘይብሉ ብሰላም ክዛረብ ከኣ ኣይክእልን’ዩ። ህግዲፍ ኣብነት ምሕረት ዘይብሉ፡ ሰላም ዘይደሊ ንብሕታዊ ስልጣኑ በዚ ጉዳይ ክዛረብ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዞባዊ መድረኽ ክዕንድር ባዕሉ ኣብ ማሕለኻ ዝኣትወሉ ዘሎ ምልክት ፍጹም ፍሽለቱ፡ መወዳእትኡ ከኣ ንዞባዊ ሰላም ዘይኮነ ንውድቀቱ ዝእውጀሉ ዘሎ ስዓት ብምዃኑ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ተቢዑ፡ ኣብ ቃልሱ ክጸንዕን ተሪሩ ክቃለስ ይግባእ።
ፍትሒ ይንገስ
ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ
14 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.