ሽልማት ጆሰፊን ማርገረት በኸታ ፡

ሽልማት ጆሰፊን ማርገረት በኸታ ፡

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ St. Patrick Cathedral ብዕለት 2/2/2020 ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፡ ዓመታዊ ናይ ብላክ ሂስቶሪ ማንዝ Black History Month ዝብሃል ንታሪክን ባህልን መብቆልን ጸሊም ዘርኢ ዘንጸባርቅ ብዓል ተዘኪሩ ውዒሉ ። ኣብዚ ብዓል እዚ ንትሽዓተ ሰባት ኣብ ቀቅሞስኖኦም ብዝገበሩዎ/ዝገበርኦ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ካርዲናል ቲሞቲ ዶለን ብሽም ቅድስቲ ጆሰፊን ማርገረት በኺታ መዘከርታ ሽልማት ተቀቢሎም ።ሓንቲ ካብ ተሸለምቲ ኤርትራዊት ሰላማዊት መምUር
ስዮም ነይራ ። ኣብቲ ካብ መላእ ኣሜሪካ ዝዓበያ Gothic ስርሓት ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ፣ ናይ St. Patrick Cathedral ካብ ኩለን ኣህጉር ኣፍሪቓ ብስደት ዝፈለሱ ተቀማጦ ኒው ዮርክ በብ ናይ ኣህጉሮም ባህላዊ ኣልባሳት ዝማዕረጉ 2,000 ዝኾኑ መእምናን ተረኺቦም ነይሮም ። ካርዲናል ቲሞቲ ሚካኤል ዶላን ኣብ ስብከቶም እቲ ዝሓለፈ ናይ ባርነት ሂወት ናይ ጸለምቲ ኣፍሪቓውያን ድሕሪ ምዝርዛር ፡ ሕጂ እውን ናይ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ታሪኽ ከይዝከር ተደፊኑ ክተርፍ ዝሰርሑ ኣካላት ከምዘለዎ ድሕሪ ምጥቓስ ፣ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ድራር ዝበሎ “ እዚ ምእንቲ ዝክረይ ግበሩዎ” ዝበለ ፡ብወገና ከምዚ እንገብሮ ዘሎና ክንዝክሮምን ክነክብሮምን ኢና” ክብሉ ቓል ኣትዮም ። እምበኣርከስ እዛ ጆሰፊን ማርገረት ብኺታ እትብሃል ሰብ ብዙሓት ታርኽ ህወታ እተፈልጡ ክትህሉዉ ከም እትክእሉ ዘጠራጥር ምኽንያት የብለይን ። እንተኾነ ከምዚ ከማይ ብሕጂ እትፈልጡ ክትህሉዉ እውን ስለ እትኽእሉ ታሪኽ ህወታ ከመይ ከምዝመስልን ፡ ካብ እተጻሕፈ ቁሩብ ቁንጪል ኣቢለ ክገልጽ እየ ።ምክንያቱ ታሪኽ ሂወታ ከምዚ ንኤርትራውያን ኣብ ሱዳንን ልብያን ሲናን ዝወረደና ዘሎ ስለ ዝመሳሰል ።ብፍላይ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከቡ ፣ጉዑዞ ህወታ ተስፋን ጽንዓትን ክድርቡ ክሕግዞም ይክእል እዩ ።
እምበኣር እዛ ሕጂ ቅድስቲ ጆሰፊን ማርገረት በኺታ ተባሂላ ዘላ ፡ ብ1869 ኣብ ዳርፎር መሬት ሱዳን፣ ተወሊዳ ፣ጓል ሸሞንተ ዓመት ምስ ኮነት ፡ ከምቲ እብቲ ግዜ እቲ ገኒኑ ዝነበረ ናይ ደቂ ሰባት ጨዊካ ምሻጥ ከምባረዩ፣ በኺታውን ከምታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተጨውያ እተወስደት ዓባይ ሓፍታን፡ ንሳ እውን ብዓረብ ነጋዶ ተጨውያ ካብቲ እተወልደትሉ ዓዲ 600 ማይልስ ዝእክል ተጓ`ዒዛ ናብ ከተማ ኣል ኡበይድ ተወሲዳ ። ቅድሚ ናብ ኣል ኡበይድ ምብጻሓ ኣብ መንግዲ ተሸይጣን ተገዚኣን ።
ብኩሉ ኩሉ ኣብ 12 ዓመት ንሰለስተ ግዜ ተሸይጣ ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብነጻ ንሓደ ሰብ ተዋሂባ ።
እዚ በኸታ ዝብል ሽም ወለዳ ዝሃቡዋ ኣይኮነን ። እንታይ ደኣ እቶም ዝጨወዩዋን ዝሸጥዋን ዝነበሩ ዓረብ ዘውጽኡላ ሽም እዩ እቶም ጨወይታ ብዘውርዱላ ዝነበሩ ግፍዕን ማህረምትን ብዝፈጠረላ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት እቲ ወለዳ ዝሃቡዎ ሽም ክሳብ ትርስዕ ኾይና። እዚ ከኣ ከምዚ ንኣና ኤርትራውያን ዝወርድና ዘሎ ብነጋዶ ደቂ ስብ ዝኮኑ ኣሕዋትና ኤርትራውያንን ኣዕራብን ዝመስል እዩ ነይሩ ። በኺታ ብቛንቛ ትግራይት “ ሕያወይቲ “ ብኺት “ከኣ ሕያዋይ “ ይስሚዕ ። እቶም ጨወይታ ብሓይሊ
እምነት ምስልምና ክትቅብል ከምዝገበሩዋ ትዛረብ ። ናይ ቅድስቲ በኸታ ናይ ባርነት ሂወት ከ ከመይ ይመስል ነይሩ ? ኣብ ኣል ኡበይድ በኺታ ብሓደ ሃብታም ዓረብ ተገዚኣ።ናይ ክልተ ኣዋልዱ ተሓዚት ወይ ኣላይት ገይሩዋ ። እተን ኣዋልዱ ፈትየናኣ ከምዝነበራ ይንገር ፡ እንተኾነ ሓደ መዓልቲ ሓደ
ጣሳ ምስ ትሰብራ ወዶም ነቶም ሰብኣይ ፣ክሳብ ንሓደ ወርሒ ምንቅስቕስ ትስእን ሃሪሙዋ ከምዝነበረ ይዝንቶ ። ሳልሳይ ግዜየ ዝግዝኣ ሰብ ሓደ ጀነራል ናይ ቱርክ ነይሩ ። እተን ብሕሰም ተግባራተን ኣብ ልዕሊ ባረዩ ዝፍለጣ ሰበይቱን ንሓማቱን ክተገልግል ከኣ ገይሩዋ ። ኣብዚ ግዜ ብኺታ ክትገልጾ እንከላ ፡ ወላ ሓንቲ መዓልቲ ከይተሃርመት ሓሊፋ ኣይተፍልጥን ። ሓደ ቁስሊ ክሓዊ ምስ
ጀመረ ካልእ ቁስሊ ብማህረምቲ ይጅምር ትብል ። እቲ ብዝያዳ ኣብ ኣእምሮኣ ዘይርሳዕ ስቓይ ዝፈጠረላ ምስ ካልእት ባረዩ ብሓባር ኣብ ልዕሊልኦም እተፈጸመ ናይ ታቱ ምልክታት ኣብ ኣካላቶም ምፍጻም ነይሩ ትብል ፡ ብበሊሕ ላማ ገይሮም እናቀንጅሑ ነቲ እተቀንጀሔ ጨው እናደፍደፉሉ ዳርጋ ኣብ ከብዳን ኣጥባታን ኢዳን 114 ግዜ ቅንጂሖም ታቱ ገይሮሙላ እዮም ።
ኣብ 1882 ኣል ኡበይድ ኣብ ቅርበት መጥቓዕቲ ሰውራ ማሕዲ ምስ ኣተወት ። እቲ ጀነራል ቱርኪ ንዓዱ ኽከይድ ምቅርራብ ጅሚሩ ነቶም ዝውንኖም ዝነበረ ባረዩ ከኣ ሽይጥዎም ። ኣብ 1883 በኺታ ኣብ ካርቱም ብቁንስል መንግስቲ ጣልያን ካሊስቶ ለኛኒ ተገዚኣ ንሱ ማህረምቲ ዘይብሉ ጽቡቅ ገይሩ ሕዙዋ ነይሩ ። ድሕረ ክልተ ዓመት ከተማ ካርቱም ኣብ ከበባ ሓይልታት ማህዲ ትኣቱ ። በዚ ከኣ ቁንስል ጣልያን ዓዱ ክመልስ ይውስን ፡ ቢኸታ ከኣ ኣይትግደፈኒ ትብሎ ኣብ ኣብ መወዳእታ 1884
ክልቲኦም ካብታ ተከቢባ ዝነበረት ካርቱም ምስ ሓደ ዓርኩም ኣውጉስቶ ሚኬሊ ዝብሃል ሃዲሞም 400 ማይልስ ተጓዒዞም ናብ ወደብ ስዋክን ይኣትዉ። ኣብ ወርሂ 3/ 1885 ካርቱም ኣብ ሓይልታት ማህዲ ዝወደቀትሉ ግዜ ፡ ካሊስቶ ለኛንን በኺታን ካብ ሱዋክን ነቂሎም ወርሒ 4/ 1885 ጀኖቫ ጣልያን ይኣትዉ ።
ኣብ ጀኖቫ ብዓልቲ ቤቱ ንኣውጉስቶ ሚከሊ ወ/ሮ ማሪያ ቱሪና ትቅበሎም ።ኣብዚ ግዜ እዚ ካሊስቶ ለኛኒ ቁንስል ጣልያን ነበር ንበኸታ ንብረቱ ስለ ዝኾነት ናብ ወ/ሮ ቱሪና ሚከሊ ኣማሓላልፍዋ ። ስለዚ ወ/ሮ ቱሪና ሚከሊ ንበኺታ ናብ ከባቢ ቨነስያ ዝርከብ ገዘኣ ትወስዳ ። ኣብዚ በኺታ ንሰለስተ ዓመት ትቅመጥ ። ኣውጉስቶ ሚከሊ ኣብ ስዋክን ሓደ ዓቢይ ሆቴል ይገዝእ እሞ ፣ ኩሉ ናይ ዓዲ ጣላያን ንብረቱ ተሸይጡ ፡ ስድርኡ ናብ ሱዳን ክመልሶም ይውስን ። ብ1888 ወ/ሮ ቱሪና ሚከሊ ሰብኣያ ክትርኢ ናብ ሱዳን ክትከይድ ትድሊ ።ኣብ ወርሒ 11/1888 ቱሪና ሚከሊ ንጓላን ንበኽታን ናብ ደናግል ኮኖስያን ስስተርስ ሕድሪ ገዲፋ ንሱዳን ናብ ሰብኣያ ትኸይድ ኣብዚ በኸታ በዘን ደናግል እናተኣልየት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሂወት ክርስትና ትኣምን ። ብድሕሪ እዚ ኣቶ ሚከሊ ንጓሉን
ባርዩኡን ናብ ሱዳን ንሰዋክን ክወስድ ናብ ጣልያን ይምለስ ። እንተኾነ በኸታ ብፍጹም ናብ ሱዳን ክትምለስ ከምዘይትደሊትገልጸሉ ። ኣቶ ሚከሊ ንሰለስተ መዓልታት ንክወስዳ ፈተነታት የኻይድ፣ ኣስዒቡ ከኣ ናብ ኣኽባር ሕጊ ክትሓባበሩዎ የመልክት ።
ብወገነን እተን ንበኸታ ዝምህራን ዝኣልያን ዝነበራ ደናግል ከኣ ናብ ካርዲናል ጁሰፕፐ ሳርቶ ናይ ከተማ ቨነዝያ ፣ ድሒሩ( ርእሰ ልቓነ ጳጳስት Pope Pius X )ናይ ቨነስያ የመልኪታ ፡ በዚ ከኣ ኣብ ወርሒ 11-2-1889 ናይ ጣላያን ፍርድ ቤት ንበኺታ ነጻ ምዃና ይእውጅ ። ምክንያቱ ቅድሚ በኺታ ምውላዳ እቲ ንሱዳን ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ እንግሊዝ፣ ባርነት ኣብ ሱዳን ክተርፍ ኣዊጁ ስለ ዝነበረ። ብተወሳኪ ሕጊ ጣልያን እውን ባርነት ስለ ዘየፍቅድ በኺታ ሰብኣዊ መሰላ ክትርክብ በቂዓ ። በዚ ከኣ
በኸታ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ሂወታ ወናኒት ኮነት ። በኺታ ብወርሒ 1/9/1890 ጥምቀት ተቀቢላ ሽማ ከኣ Josephine Margaret and Fortunata ተባሂላ ።
ብሓጺሩ ካብ 1890 ካሳብ 1947 ሂወታ ዝሓልፍ ብዙሕ ኣበርኪታን ኣገልጊላን ። ኣብ 1992 ዜና ቅድስንኣ ኣብ ሱዳን ከም ዜና ከይውረ በቲ እስላማዊ መንግስቲ ተኸልኪሉ ነይሩ ። እንተኾነ ድሕሪ 9 ወርሒ ርእሰ ሊቓነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ 11 ፣ብ1993 ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብቲ እተወልደትሉ ሃገር ሱዳን ነቲ ብኣሸሓት ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ቅድስቲ ክም ዝኮነት ኣዊጆምላ !


ውድቀት ንህግደፍን ሰዓብቱን !
ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስዉኣትና !
ኣምላክ ኤርትራ ሃገርና ይባርኽ !
ክብሮም ግረነት
2/11/20

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.