ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም 15 ለካቲት 2020

ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
15 ለካቲት 2020
ብሓይልዮት ኤርትራዊ ማሕበር ዲሞክራሲ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኡፕሳላ ሎሚ ዕለት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ዝተኻየደን፡ ንመጻኢ’ውን ብመደብ ተታሒዙ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ መላኺ ስርዓት ንደምበ ደላይ ፍትሒ ንምሕያል ዝካየድ ዘሎ ተበግሶታት’ዩ።
ብልክዕ ኣብ’ዚ ንርከበሉ ጽንኩር ኩነታት ደምበ ተቃውሞ ኣብ መኸትኡ ክሕይል፡ ኣብ ውዳብኡ ክዓቢ፡ ኣብ ተሳትፍኡ ክሰፍሕን ህዝቢ ክጥርንፍ፡ ከም ሞቶር ኮይኑ ዘንቀሳቕሶ፡ ዘለዓዕሎ ሓድሽ ሓሳብ ከድልዮ ግድነት’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ንፖለቲካውያን ሓይልታት ንምትብባዕ ብተበግሶ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኮሎራዶ፡ ኣትላንታ ፡ ሚነሶታ ዝኣመሰል ክጥቀስ ይከኣል። ሎሚ ከኣ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብቀጻልነት ዝተኻየድ ርክባት ሚነሶታ፡ ሽወደን ንመበል ካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎን መጻኢ ርክብ ዓባይ ብርጣኒያ ክጥቀስ ይከኣል።
ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ርክብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ስቶክሆልም፡ ኣቦ/መ ኤርትራዊ ማሕበር ንዲሞክራሲያን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሽወደን ዶ/ር ቴድሮስ ኣማኑኤል ንወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሳተፍትን እንቋዕ ደሓን መጻኹም ድሕሪ ምባል ነቲ ቀሪቡ ዝነበረ ኣርእስቲ ማለት ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ 2020 ዓ.ም ዘለዎም መደብ ሓድነትን ሓባርዊ ስርሓት ኣንጻር ምልኪ እንታይ’ዩ ከም ዝመስል ንክትዕን ኣውሪድዎ።
ኣብ’ቲ ዘተ ዝተሳተፉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ከኣ፡ ጉባኤታቶም ዝሕለፎ ውሳኔታት ክሰርሕሉ ዝጸንሑ እማመን መደብ ክትዕ ምቅርራባት፡ ሓባራዊ ስርሓት ክሳብ ሓድነት ዝኸይድ ሓሳባት ከመይ ከም ዝመስል ነፍዊ ወከፎም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። ኣብ’ቲ ንኣስታት 3 ሰዓት ዝተኻየደ ኣኼባ ከኣ ተስፋን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ ክምልስ ቅሩብነት ዘለዎ ሚዛን ተዘሪቡ። ይኹን’ምበር ነቲ ኩሉ መብጽዓታት ኣብ ትግባረ ክኣቱ ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ህጹጽ ጉዳይ ምዃኑ ርእዩ። እቶም ንዘተ ተወከልቲ ውድባት ጥራሕ ዘይኮኑ ተሳተፍቲ ኣኼባ’ውን ርእይቶኦም ክህቡ ዕድል ዝኸፈተ ብምንባሩ ሃባርዊ ስርሓት ብኽመይን ኣበይን ክጅምር ተኽሎታት ምህላዉ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ንሓባራዊ ቃልሲ እቶም ክሳብ ሕጂ ዘይተሳተፉ ፖለቲካውያን ውድባት ክሳተፉ ምጽዓርን፡ ሓባራዊ መሪሕነት ቆይሙ ኣብ ስርሓት ክኣቱ ከም ዘለዎ ለበዋታት ቀሪቡ። ነዚ zete stokholm ብዝምልከት ሙሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብ Youtube – Tv Sened Eritra ክረአ ይከኣል።
ኣብ’ዚ ዕድመ ዘተ ቀሪብሎም ዝተሳተፉ ፖለቲካውያን ሓይልታት እዞም ዝስዕቡ ነበርሩ
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
- ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
- ሓድነት ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ
ስቶክሆልም 16 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.