ኣንታ ዓገብ ዘይትብሉ፡ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ? ሰነድ ሓቀኛ ታሪኽ

ኣንታ ዓገብ ዘይትብሉ፡ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ? ሰነድ ሓቀኛ ታሪኽ
እዋኑ ስውእ ጅግና ዝዝከረሉን ዝኽበረሉን፡ ውሉድን ስድራ ቤታት ስውኣት፡ ውጉኣት ሓርነት (ማለት ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣካሎም ዝጎደሉ) ዝጥወርሉ ፡ ዝተሰደዱ ንሃገሮም ዓዶም ዝምለስሉ፡ ትጽቢታት ህዝብና ከይጎደለ ጥራሕ ዘይኮነስ ተወሳሲኽዎ ክስስን፡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝቅድመሉ፡ ቅሳነትን ሰላም፡ ራህዋን ሰናይ ምሕደራ፡ ጀማሪ መዋእል ሙሉእ ተስፋ ሃረርታን ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ’ዩ ዝነበረ። እቶም ውጻእ መዓት ኵናት 30 ዓመት ካብ በረኻታት፡ ህዝብና ካብ ስደት ዝኣተዉሉ፡ ወላድን ውልዱን ዝራኸብሉ ከኣ ነበረ።
ህዝብና ዝተሰውኡ ደቁ ንከንቱ ከም ዘይነበረ ሓዘኑ ጓህኡ ብነጻነት ተደቢሱ፡ ንብዓቱ ጸሪጉ፡ ተስፋታቱ ትጽቢታቱ ግሁድ ክኸውን ደጊም ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት ኣብቒዑስ፡ ኤርትራዊ ስድራ ቤት ክትእከብ መንግስቱ ክሃንጽ፡ ክሓርስ ክነግድ ክመሃር፡ ክስልጥን ክምዕብል፡ ሕልምታቱ ክጋሃድ ይጓየይ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ሓጎስ ተስፋን ትጽቢትን ግን ሕቡእ ኣጀንዳ ነበረ’ሞ፡ ጸጸኒሑ ብመራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዘረባታትን ሓሳባትን ኣብ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ ከም ኣዲስ ዘመን፡ጦብያ፡ርፖርተር፡እፎይታ፡ሕድሪ፡ ዝኣመሰላ በጨቕ ክብልን ክዝርጋሕን ጀመረ። ህዝብና ከኣ ገና ኣየስተብሃለሉን ዝነበረ።
ኣቃልቦ ህዝብና ገና ነታ ነ-ጻ-ነ-ት ትብል ቃል’ኳ ሕልሚ ድዩ ጋህዲ ኮይንዎ ብምልኣት ክዛረበላ ተተ ኣብ ዘብላ ዝነበረ፡ ብድሕሪ መጋረጃ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትወሉ ዓምም ተጀሚሩ ምንባሩስ፡ ሚኒተር ምክልኻል ሃገር ነበረ፡ ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝሃቦ ምክስርነት ቲቪ ሰነድ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 (Dec 2018) ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ ከምኡ ሚኒተር ፋይናንስ ነበር ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ተሞክሮታት ዝገልጽ ዝወጸ መጽሓፍ ዘስፈሮ፡ ተወሳኺ ጭብጥን መረጋገጽን’ዩ።
ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብቃል መሕተትን፡ ሓተታታትን ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝዋደድ ዝነበር እኵይ መልእኽቲ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ብኣዋኑ ዘተብሃሉን ዝተረድኦም ውሑዳት ኣይነበሩን። እንተኾነ እዞም ባእታት ህዝብና ክፈልጦ ክነቕሓሉን ኣለዎ ኢሎምብ ንዝህብዎ ርእይቶን ሓሳባትን፡ ከይዱ ከይዱ ብሕቶ መልክዕ ንዘቅረብዎ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ብኽድዓት ዘኽስስ ነበረ።
እቲ ታሪኽ ነዊሕ’ዩ ግን ኣብ’ቲ መንቀሊ ዘረባ ክንምለስ፡ ኣብ 1993 ዓ.ም ነባር ተጋዳላይ ግን ከኣ ተሰዲዱ ኣብ ወጻኢ ምዕራብ ሃገራት ዝምቕማጡ፡ ምስ’ቲ ዝነበሮ ኩሉ ሻቕሎት ከም ኩሉ ህዝቢ ንዝሸምገሉ ወለዱን ቤተ ሰብን ክበጽሕ ንኣስመራ ይጓዓዝ። ጉዕዙኡ ብዙሕ ስግኣታት ነይርዎ፡ ይኹን’ምበር ምፍፍላይ ስድራ ቤት ዘምጽአ መግዛእቲ ግዳይ ንዝኾኑ ክቡራት ወለዱ በታ ተሪኺባ ዝነበረት ዕድል፡ ኣብ ክንዲ ስውኣት ኣሕዋቱ ንሰቡ ከጸናንዖም ኣብ ዝኸደሉ፡ ንኤርትራ ዝጽበያ ዝነበረ ሕሰም ኣብ ውሽጢ ልቡ ቀቢሩ ዓዲ ኣተወ። ወለዱ ክሕጎሱ ከኣ ከም ሕጉስ ኮይኑ ክቀርቦም ግድነት ነበረ’ሞ፡ ኣብ ርእሲ ሓዘን ክልተ ስውኣት ውልዶም ክጸናንዑ፡ ንበረኻ ወፊሮም ኣብ መወዳእታ ከኣ ንስደት ዘምርሑ ደቆም ክራኸቡ፡ ምስ’ቲ ዝነበሮ ክቱር ጓሂ ንምእትኦም ክብል ብተጸዋርነት ሓለፎ።
በቲ ንዕረፍቲ ኢሉ ዝኸደሉ ግን ከኣ ለባማት ዕረፍቲ ዘይረኽብሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብኡ ካብ በጽሐ’ንከኣ ንቤተ ሰብ፡ መተዓብይቲ፡ መማህርቲ፡ መቃልስትን መሓዙቱን ክረክብ ዘይተርፍ ነበረ። ሰብ እንዳሓተተ ነቶም ብሂወቶም ዝነበሩ ሓደ ብሓደ ረኸቦም። ብፍላይ ከኣ ነቶም ዘቅረቦምን ነቲ ሕቶ ክጻወሩ ይኽእሉ እዮም’ሉ ዝገመቶም፡ብዛዕባ ጸረ ህዝብን ሃገርን ብድሕሪ መጋረጃ ዝካየድ ዝነበረ እከይ ወፈራታት ኣብ ጋዜጣታት ኢትዮጵያን ኤርትራ ዘንበቦ የዕልሎም ነበረ። ይኹን’ምበር መብዛሕትኦም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብቀረባ ዘይከታተሉን ኣፍልጦ ዘይነበሮም፡ ኮይኑ ተሰሚዑ እንተተባሃለ ከኣ፡ እዚ ወረ ጸላእቲ ዝብልዎ ምንባሩ ወሲኾም መልሲ ይህብዎ ነበሩ። እወ፡ ኩሉ ሓደ ኣይኮነን፡ ኩሉ ብጋዜጣን ሬድዮን ወረ ዝከታተል ኣይነበረን፡ ምስ’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሂወት ነጻነት ኣስተማቒሩ ከይወደአ ከም’ዚ ክሰምዕ ሓንጎሉ ቅሩብ ስለ ዘይነበረ፡ እዋእ ከምኡ ከኣ ኣሎ ድዩ ከብሎ ዝኽእል ኣይነበረን። እቶም ልምዲ ምንባብ፡ ልምዲ ምክትታል ሬድዮ ዝነበሮም፡ ንባዕሉ ዝርገሐ ዜናታት ኣብ ዘይማዕበለሉ ዝነበረ ሕጽረት ተወሲኽዎ ኩሉ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዝዝረብ ሓሶት፡ ወረ ጸላእቲ፡ ክድዓት’ምበር ምስ ካልእ ዝቆጸር ኣይነበረን። እዚ ከኣ ልቢ ዝሰብር፡ ሕድሪ ስውኣት ዘይኽብር ምንባሩ ግን ዝስሓት ኣይነበረን።
ስድራ ቤቱ ክበጽሕን ከጸናንዕን ዝኸደ ነባር ተጋዳላይ ስድራ ቤቱ ከይፈልጥዎ ስምዒታቱ ሓቢኡ፡ ዝተሰባበረ ዝተበታተኸ ተስፋታቱን ሕልሙን ኣተዓራርዩ፡ ሕጉስ መሲሉ ግዜ ዕረፍቱ ከሕልፎ ኣብ’ቲ ምስ ነፍሱ ዝገበሮ ቃልሲ ውሽጣዊ ተጋድሎ ዝተሰምዖ ምረት ውሒጡ፡ ዕረፍቱ ወዲኡ፡ ተሰዲዱ ንዝነብረሉን ዝቅመጠሉን ሃገር ንኽምለስ ኣብ ዝሻባሸበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ምስ ሓደ ድሕሪ ነጻነት ኣባል ባይቶ ህግዲፍ፡ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝነበሮ መተዓብይቱን፡ መቃልስቱን ተራኸበ። ከይተሓታተካ ክሕለፍ ዘይግባእ ዕላል ናፎቅቶም፡ ዕላል ስድራ ቤት፡ ዕላል ስውኣትን ህልዋትን መሓዙቶም ፈተወቶምን ምስ ወድኡ ቀስ እንዳበሉ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ’ቲ ሃገራዊ ቁምነገር ኣተዉ፡ እሞ እቲ ገያሻይ ብዛዕባ’ቲ ዝጸሓፍን ዝዝረብን ዝነበረ፡ ኣልዒሉ ”ኣንታ ዓገብ ኣይትብልን ዲኹም እንታይ’ኹም ትገብሩ ዘለኹም” ክብል ነቲ መራሒ መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺታትን ቃል መሕተትን ንምስክረነትን ጭብጥን፡ ቀረበሉ።
ኣባል ባይቶ ህግዲፍ ዝኾነ ሰብ፡ ተሰናቢዱ፡ ክሓብኦ ዝደለየ ነገር ስለ ዝነበሮ ከኣ ሕርቃን ብዝተሓወሶ ኣዘራርባ ነቲ ገያሻይ ክስልበጦ ጀመረ። ብመጀመሪያ መን’ዩ እዚ ኢሉካ፡ ዘየለ ዘረባ ንምንታይ ትዛረብ ኣለኻ ዝብል ተደራራቢ ሕቶታት ደርበየሉ፡ ቀጺሉ ብድሕሪ ሕጂ’ውን ከም’ዚ ኢልካ ክትዛረብ የብልካን እንዳበለ ከም ሓደ ህጻን ገሰጾ። ዳርጋ ኣብ ርሕቓንን መጠንቀቕታን ገጹ ከኣ ኸደ። ወዮ ገያሻይ ኣይሓመቐን ከም’ዚ ከኣ በለ ” ስማዕ እስከ፡ እዚ ጋዜጣ ኮ ኣነ ዝበልክዎን ዝሓተምክዎን ኣይኮነን። ባዕሉ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ዝበሎን ዝብሎን ዘሎ’የ ዝዛረበካ ዘለኹ፡ እዚ ከኣ ብታሪኽ ብቀዳምነት ንዓኻ፡ ንዓይ’ውን ከይተረፈ ዘሕትት ስለ ዝኾነ’ምበር። ብዝተረፈ’ዚ ጉዳይ ሰሚዕኻ ዘድቅስ ኣይኮነን ተበሃሃሉ። ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ ሕውነት ፍቅሪ ናፍቆት ከኣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘልዓሎ ዘረባ ተፈታተኖም። ብኡ ንብኡ ከኣ ተፈላልዩ።
ዘበን ተቐይሩ እቲ ወረ ጸላእቲ፡ወረ ከድዓት፡ ወረ ኣብ ፖለቲካ ዝኸሰሩ ዝጽሕፍዎን ዝዝርግሕዎን’ዩ ዝበሃል ዝነበረ፡ ሎሚ ሕጋዊ ዶባት ኤርትራ ንምንጻር፡ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ቀዳምነት ከም ዘይህበሉን፡ ከም ዘይህውኽን፡ ኣገዳስነት ምምልካትን ምምሕንጻጽ ዶባት ከኣ ድሕሪ መደብ ልማዕት ኢትዮ ኤርትራ ተሰሪዑ ይዝረበሉ ምህላው ግሉጽን ምስጢር ዕዳጋ ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኸ እንታይ ይብል።
ልዕላውነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ይከበር፡
ዜናን ሓበሬታ ውሓዲለ
17 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.