ቀጻሊ ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ 22 ለካቲት 2020

ቀጻሊ ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
ትማሊ ዕለት 22 ለካቲት 2020 ኣብ ስመር ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተኻየደ ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ብልዑል ተገዳስነትን ዝተኻየደሉ ርክብ ኣድላይነት ሓድነት ህዝባዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብሰፊሑ ተዘሪብሉ። ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ክትዕ ዝቀረበ ርእይቶን ሓሳብ ከኣ ንሓደ ዕላማ ሓድነት ኤርትራውያን ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝተኮረ’ዩ።
ከም ግደነትን ሓላፍነትን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ኩነታት መነባብሮ ሃለዋት ህዝብና ብፍጹም ዘየዳሉን ይጽንሓለይ ዘይብሃለሉን ቃልሲ፡ ኣብ ሓደ ሓባርዊ ኣሰራርሓ መስርሕ ቃልሲ ንፍትሕን ዲሞክራስን ጸሚድካ ምስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ሓቢርካ ካብ ምቅላስ፡ ካልእ መተካእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ጉዳይ ምስራሕ ሓሊፉ ክዝረብ ዝኽእል ካልእ መደብ ወይ ኣጀንዳ ከም ዘየልቦ ተዘሪብሉ።
ኣብ’ዚ እዋን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዝርከበሉ ከኣ ብዘይካ ቀሪብካ ምዝርራብን ምርድዳእን ሓባራዊ መደብ ስርሓት ምትላምን ምስራዕን፡ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ምኻኑ ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ውድባትን፡ ካብ ህዝቢ ዝቀርብ ዝነበረ ርእይቶን ሓሳብን ሕቶ ነቲ ጉዳይ ግሉጽን ብሩህን ገይርዎ።
ሎሚ እንታይ ንበር ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኣልዒሉ ዝዝተየሉ ጉዳይ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ህዝቢ ንፖለቲካዊ ሕቶ ሃገር ክምለሰሉ ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ሓቢሩ ንመሰሉን ክብሩ ከምልስ ሎሚ’ውን ዋጋ ክኸፍለሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ኣነጺርዎ ኣሎ።
ደምበ ፖለቲካዊ ሓይልታት ካብ’ቲ ዝሓለፈ ኣድካሚ ጸለመታትን ክሲ ወጺኡ ንህዝባውን ሃገራውን ጉዳይ ቀዳምነት ሂቡ፡ ብሓድነት እንተዘይተኻኢሉ ኩሉ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝከኣሎ ክግበር ኣብ ቃልሲ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ቆላሕታ ህዝብን መራኸቢ ብዙሓት ተደማሚሩ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ክውዕለ ሓዲለ ብወገኑ ጻዊት የቕርብ።
ኣብ’ዚ ዘተ ዝተሳተፉ ፖለቲካውያን ሓይልታት
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲ ለውጢ
- ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
- ሓድነት ንዲሞክራሲን ፍትሕን ኤርትራ
ፍትሒ ይንገስ፡ ክንዕወት’ና
ዜናን ሓበሬታን ሓዲለ
23 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.