ህግሓኤ ካብ ከዳዕ ጉጂለ ህግደፍን ፍሊና ምርኣይ ሓድነት የደልድል ፡

ህግሓኤ ካብ ከዳዕ ጉጂለ ህግደፍን ፍሊና ምርኣይ ሓድነት የደልድል ፡
ብ ክብሮም ግረኔት
ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ግዜ ቓልሲ ፡ንዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ፡ካብ ዝኾነ ውድብ ንላዕሊ ኤርትራዊ ሃገርነት ኣስሪጹሉ ከም ዝነበረ ዝኸሓድ ኣይመስለንን ። ወኒ ህዝቢ ዘለዓዒል ባህላዊ ደርፍታት ኣብ ግምባራት ኹናትን ሓራ መሬትን ፡ ኣንጻር ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ዝፈጸምዎም ኣደንቅቲ ወተሃደራዊ ዓወታትን ፣ምስቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ነጻነት ብዝነበሮ ሕሉፍ ህርፋን ተደሚሩዎ ፣ ሓንቲ ብልጽግትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክሃንጽ ይጽበ ነይሩ ። ስለዚ ህዝብና ከም ትጽቢቱ ዘይኾነስ ፣ህዝባዊ ግምባር ከምዚ ሎሚ ብኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ተከዲዑ ምርኣይ፡ ንደገፍቱ ዓው እልኻ ዘይብኽዮ ሞት ህጹይ ኾይኑዎም ኣሎ። እቶም በዚ ኣጋባብ ኣዚ ዝተከተሉዎ ሃገር ረሚሱ ክድዓት እናፈጸመ እዚስ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ምዃኑ ክወሓጠሎም ዘይከኣሉ እውን ኣሎዉ ። ብፋላይ እቶም ብዕድሜ ዝደፍኡ ኣብ ክንዲ ተገርህናን ኣታሊሉናን ዝብሉ እሞ ነቶም ኣብ ኩሉ ግምባራት ኹናት ዝወደቁ ደቆም ክብረት ዝህቡ ፣ ኣብ መርከብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተወጢሖም ጎንደር ምስ ኣቶ ኢሳያስ እንተ ዘይከድና ኣይተሓዙና በሃልቲ ኣሎው ርእይቶ ምሃብ መሰል ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ።ኾይኑ ግን ፡ዝኾነ ርእይቶ ቅቡል ዝኾነሉ ኣራምን ሓቑፍን ምስ ዝኾውን ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ቓሲ ንፍትሕን ዲሞራስን ኣበርክቶ ክህብ ከኣ ኣሎዎ ። ስለዚ ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ኣበርክቶ ዘይህብ እንተኾይኑ ፣ ዓገብ ምባል ክህሉወናን ክንለምዶን ኣሎና ። ኣብዚ ልጓም ተሳኢኑዎ ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ዝፈስስ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋት ገሊኡ ብፍላጥ ዝፍኖ ካብ ምድኻም ኤርትራዊ ሃገርነት ሓሊፉ ትርጉም የብሉን ። እቶም ንህባዊ ግምባር ክንጻረፍ ወርቃዊ ግዜና እነባኽን ዘሎና ።
ህዝባዊ ግምባር መዳርግቲ ዘይብሉ ታርኽ ሰሪሑልና እዩ ‘። ካብ ናደው እዝ ፡ ናብ ውቓው እዝ ፡ናብ ዓወት ፍንቅልን ፡ ምፍራስ ግምበር ደቀምሓረን ኤርትራ ነጻ ምውጻእ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦ የለን ። እዚ ኩሉ ፈጻሜታት እዚ ታሪክ ጅግንነት ኤርትራውያን ዝገለጽ ስለ ዝኮነ ክዝከርን ክሕደስን ክኸብርን ኣሎዎ ። ስለዚ ታሪክ ህዝባዊ ግምባር ታሪኽ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገርና ክንወዶ እንተኾይና ፡ ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ኢና ነጢፍእ ዘሎና ቀዳሞት ኤርትራዋያን መንእሰያት ካብ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ኣቛሪጾም ናብ ገድሊ በረኻ ኤርትራ ክኽዱ እንከለዉ ፣ ሃገር ካብ መግዛቲ ጸላኢ ንምግልጋል እምበር ፣ ኢሳይስ ኣፍወርቂ ዝብሃል ሰብ ፣ እንታይ ኣብ ሓንጎሉ ከምዘሎ ፈሊጦም ከምዝተሓወሱዎ ገርካ ክትኹንኖም ምውዓል ናይ ጥዕና ኣይኾነን።
ወልድና ድቆም መሪቖም ንግድሊ ከፋኑዎ እንከለዉ ፣ ድሕሪ መግዛእቲ ሰላምን ራህዋን ክመጽእ ስለ ዝተመነዮ እምበር ፡ ድቆም ስኢኖም ሃገሮም ክስእኑ ኣይኮነን ። እቶም ኣብ ተሓኤ ይኩን ህግሓኤ ክሳብ ነጻነት ዝተጋደሉን ዝመርሑን ፣እቲ ምእንትኡ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ዕላማ ሃገራዊ ነጻነት እዩ ነይሩ ፣ ንሱ ከኣ ተፈጺሙ ። ዝኮነ ዝብሃል እንተ ተባህለ ዝትንክፎም ኣይኮነን ። ንዝተረኸብኻዮ ሕድሪ ምሕላው ናይዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እዩ ።
ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕልሚን ባህግን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሉ ፣ጪው ዝበለ ኢትዮጳያዊ ምዃኑ ኣግሂዱ ኣራጋግጹዎ ኣሎ ። ካብ ኩሎም ቤተሰቡ ተፈልዩ ኤርትራዊ ስነ ምግባር ክህሉዎ ኣይኾነን። እቶም ኣብ ከባቢኡ ኣስፊሩዎም ዘሎ ሰባት ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ። እቶም ተግባሩ እምበር ትውልዱ ኣይገድሰናን እንብል ዝነበርና ፡ ሎሚ እነሆ ተግባሩ ፡ ስጋ ሓሊፉ ዓጽሚ ዝሰብር ኾይኑና ኣሎ። ስለዚ ሎሚ ዝኮነ ኤርትራዊ ሃገሩ ዝፈቱን ነዚ ቓለ ምሕትት ዝሰምዔ ደቂሱ ዝሓድር ክህሉ ኣይግብኣን ። ካብዚ ከዳዕን ሰዓብቱን ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለ እንበዚሕ ተወዲባና ሰማይን ምድር ይጣበቅ ነዚ እስትራተጂ ክድዓት ኣብ ሓጺር ግዜ ክነፍሽሎ ኣሎና ።
ወያኔ መበል 45 ብዓል 11 የካቲት ክብዕሉ እንከለዉ ዝተዓዘብናዮ ወተሃደራዊ ምርኢት ይኹን ኣብ ትግራይ ተኣታትዩ ዘሎ ተክኖሎጂን ህንጸት ኣባይትን ጽርግያትን ናይ ላዕለዋይ ደረጀ ቤት ትምህትታትን እንዳስትሪን ካብ ባዶ እተላዕለ ምዃኑ እዩ። ከም እትዝክርዎ መንግስቱ ሃይለማርያን ንከለ ክፋል ሰራዊቱ ክስሕብ እንከሎ “ ትግራይ ብዘይካ እንዳ ጠሃኒት ካልእ እተውንኖ ሃብቲ ከምዘብላ” ግሊጹ ነይሩ ። ስለ ምንታይ ግን ተጋሩ ኣብ 45 ዓመታት ክንድዚ ዕብየት ክገብሩ ኪኢሎም ? ደቂ መሬት ፣ ደቂ ርስቲ ፣ ደቂ ዓዲ ስለ ዝኾኑ ። ብኣንጻሩ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ህብዝን ሃገር ኣብ ክሊ 30 ዓመት ክዕኑ በቂዑ ኣሎ ።
ሃገርና ኤርትራ ብልምዓት ትውንጭፍ ኣላ፡ ንቅድሚት ትግስግስ ኣላ እናበሉ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ዕስራን ሸውዓተ ዓመት ሃገር እንዳመየት ክጽምሙና ጸኒሖም ። ሎሚ እቶም ንሱ ንሕና ፡ ንሕና ንሱ ዝብሉ ዝጸንሑ ፣ ሎሚ እንተቬው ኣቶ ኢሳያስ ምስ ሰምዑ ዕርቓን ትሰሚዑዎም ከም ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ዝኣትውዎ ጨኒቁዎም ዝሕቡኡሉ ብዓቲ እውን ኣይረኸቡን ኣሎዉ ።
ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሰለሰተ ዝተላእኸለን መሰረታውያን መድረኻት ክፍጽም ኣብታ ናይ መወዳእታ መድረኽ በጺሑ ይርኸብ
ቀዳማይ ፡ ዝኮነ ኣባል ተሓኤ ከምኡእውን ዝኮነ ውድብ ይኹን ወልቀሰብ ኣብ ጉዑዞ ናይዚ እስትራተጂ ዝዕንቅጹዎ ክጥፍኡ ወሲኑን ኣተግቢሩን ። ስለዚ ከኣ ኣብ 1991 ኣብ ክንዲ ሓገራዊ ዕርቂ ዝጽውዕ ፡ ብዘይካ ህግሓኤ ካልእ ውድብ ከምዘየፈቅድ ዝኣወጀ ። ቀጺሉ ነቶም ኣብ ህግሓኤ ዝነበሩ ሓርበኛታት ጉጂለ 15ተን ጋዘጠኛታትን ብክሕደት ከሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ገይሩ ። ጸኒሑ በብወልቀ ክልተ ጀነራላት ኣብ ጥራይ ጎልጎል መኪና ተገምጢላ ክመቱ እንከለዉ፡ እቲ ናይ መውዳእታ ተሪፉዎ ዝነበረ ጀነራል ስብሃት ኤፍሬም ኣብ መንበሪኡ ቤቱ ክቀትሎ ፈቲኑ ። ካልኦት ሚኒስተራት እውን ኣኣብ ዝጥዕሞ ቀቲሉን ኣሲሩን። ከም መንግስቲ ፡ ቀተልቲ ከምጸኣልና እንተ ዘይኪኢሉ ቀታሊ ባዕሉ ይኽውን ። ስለዚ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብከምዚ ኣገባብ እቶም ዘስግእዎ ኤርትራውያን ድሕሪ ምውጋን ቀዳማይ ዕማሙ ዛዚሙ ።
ካልኣይ ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ጣልያን ተተኺሎም ዝነበሩ ቁጠባዊ ትካላት ፡ ብፍጹም ዝኮነ ናይ ጽገና ስርሓት ተካይዱሎም ስራሕ ከይጅምሩ ከልኪሉ ። ሕርሻ ዒላበርዕድ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል ። ኤርትራውያን ኣዋፈርቲ ንህዝቦም ስራሕ ክፈጥሩ ትካላት ዝጀመሩ ፡ ብምስምስ መንግስቲ ሽርካና ክኣቱ ኣሎዎ ብምባል ፣ ሽርክና ምስ ተፈቅደሎም ንዋና ትካል ኣባሪርካ ነቲ ትካል ምዕናዉን ምብራስን ። ከም ኣብነት መፍረ ሽርምፕ ፡ ጽቡቅ ክሰርሒ ምስ ጀመረ ወይ ኣብ ፍሬ ምስ በጽሔ ነቲ ቀንዲ ወናኒ ጀርመናዊ ብገንዘቡ ኩሉ መሳርሕታት ተዓዲዩ ዝገዝኤ ምስ ስጎጎ ፡ ንሱ ከኣ ነቲ ንእድታት በኪሉ ቅድሚ ምካዱ ነበረ ገይሩዎ ከይዱ ይብሃል ።ዝኮነ ገዛ ከይስራሕ ከልኪሉ ዝበዝሑ ስድራ ቤት ተጋደልቲ ምስ ደቂ ድቆም ይነብሩ ኣሎዉ ። ትሕቲ ዕድሜ ተምሃሮ ካብ ወለዶም ፍልዩ ኣብ ሳዋ ውሲዱ ብህግደፋዊ ስነ ሓሳብ ሓንጎሎም ክሓጽብ ይርከብ ኣሎ ።
ሳላሳይ ። ኣበው ክምስሉ “ ዘይሓንኽ ድሙስ ገረማርያም ሽሙ “ይብሉ ፣ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ከኣ ሕፍር ከይበለ ናይ ሞትን ሕዮትን ኾይናቶ ፣ኣታ ናይ መወዳእታ ደረጃ ጥልመቱ ዝወለደት ትለድ ኢሉ ድርጓሒልና ኣሎ ። ኩሎም ተካላት ምህርቶም ከምዘየፍሪዩ ገይሩዎም እንከብቂዕ ፣ ከይሓፈረ እዚኣ ዓድኩም ቅድም ሃብታም ነይራ እዚ ኩሉ ትካላት ትውንን ነይራ ሕጂ ግን ሓንቲ የብላን ። ጸዐት የለን ፣ ማይ የለን ፡ እንዳ ጠርሙዝ የለን ፡ ውደባት ተበላሺዩ ፡ኪኢላ ክሰርሕ ዝክእል ዓቅሚ ሰብ የለን፡ ቤት ትምህርታትና ፈሺሉ ፡ ሕንዳውያን መምህራን ክቆጽር ኣይክኣለን። ስለዚ ናብ ዝፈትዋ ወላዲት ሃገሩ ኢትዮጵያ ከጸገዓና ኣብ ሽቀልቀል ኣትዩ ይርከብ እንትኾነ ሕልሚ ኢሳያስ ኣፍወርቂ በኒኑ ከም ሃፋ ማይ ኣሰር ዘይብሉ ክጠፍእ እዩ።
You must be logged in to post a comment.