ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ ውሓዲለ ምድላዋቱ ወዲኡ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ ውሓዲለ ምድላዋቱ ወዲኡ
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ብዘካየዶ ንጥፈታት ሓያል ስራሕን ተበግሶን ጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ ው.ሓ.ዲ.ለ ንምክያድ ምድላዋቱ ወዲኡ። ኩሎም ኣባላት ው.ሓ.ዲ.ለ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሰ.ኣ ከኣ መደባቶም ክሰርዑን ክቀራረቡን፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣብ ዝሕለፎ መልእክቲ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ዕዉት ጉባኤ ው.ሓ.ዲ.ለ ነሓሰ 2019፡ ዞባታትን ጨንፈራትን ብጉኤታተን ኣቢለን መሪሕነተን መሪጸን፡ ስሩዕ ውድባዊ ዕማማት ንምክያድ ዝተፈጸመ ስሉጥ ስርሓት፡ ብምትሕግጋዝ ኣባላትን እንሆ ኣብ ኣፈደገ ጉባኤ በጺሑ ይርከብ። ንዝምጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ጉባኤ ክኣቱ ዝበቅዐ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ህዝብና ክዕወት ብሓያል ውዳበ ዝተሃነጸ ምንቅስቓስ ክህሉ ግድነት ስለ ዝኾነ እንሆ ዞባ ሰ.ኣ ው.ሓ.ዲ.ለ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንቅሓቱ ክብ ኣቢሉ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ኣብ መስመር ቃልሲ ይርከብ።
ክንዕወት’ና
ዜና ሓበሬታ ው.ሓ.ዲ.ለ
27 ለካቲት 2020
You must be logged in to post a comment.