ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ ውሓዲለ ምድላዋቱ ወዲኡ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ ውሓዲለ ምድላዋቱ ወዲኡ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ብዘካየዶ ንጥፈታት ሓያል ስራሕን ተበግሶን ጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ ው.ሓ.ዲ.ለ ንምክያድ ምድላዋቱ ወዲኡ። ኩሎም ኣባላት ው.ሓ.ዲ.ለ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሰ.ኣ ከኣ መደባቶም ክሰርዑን ክቀራረቡን፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣብ ዝሕለፎ መልእክቲ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ዕዉት ጉባኤ ው.ሓ.ዲ.ለ ነሓሰ 2019፡ ዞባታትን ጨንፈራትን ብጉኤታተን ኣቢለን መሪሕነተን መሪጸን፡ ስሩዕ ውድባዊ ዕማማት ንምክያድ ዝተፈጸመ ስሉጥ ስርሓት፡ ብምትሕግጋዝ ኣባላትን እንሆ ኣብ ኣፈደገ ጉባኤ በጺሑ ይርከብ። ንዝምጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ጉባኤ ክኣቱ ዝበቅዐ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ህዝብና ክዕወት ብሓያል ውዳበ ዝተሃነጸ ምንቅስቓስ ክህሉ ግድነት ስለ ዝኾነ እንሆ ዞባ ሰ.ኣ ው.ሓ.ዲ.ለ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንቅሓቱ ክብ ኣቢሉ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ኣብ መስመር ቃልሲ ይርከብ።

ክንዕወት’ና

ዜና ሓበሬታ ው.ሓ.ዲ.ለ

27 ለካቲት 2020   

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.