27 ዓመት ኣብ ዕንወት ሃገር ተጸሚዱ ዝጸንሐ ስርዓት፡ ኮር ተገልበጥ ሎሚ ክሓተና ዘደንጹ’ዩ፡

27 ዓመት ኣብ ዕንወት ሃገር ተጸሚዱ ዝጸንሐ ስርዓት፡ ኮር ተገልበጥ ሎሚ ክሓተና ዘደንጹ’ዩ፡

ከም’ቲ ኣበዋት ዝምስልዎ፡ ” ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቐብ ” ከም ዝበሃል ሎሚ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ን27 ዓመት ሃገር ከዕኑ፡ መጻኢ ወለዶ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድከቶም ክሰትዮም፡ ነባራት ተጋደልቲ ምሁራት፡ ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክኣስሮም ከሳድዶም ሃገር ብሃገራ ከጽንታ ዝገበሮ ኩሉ ፈተነታት ዘንጊዑ፡ ሎሚ ኮር ተገልበጥ፡ ነቲ እዛ ትንፋስ ሂወት’ኳ ንኸይተተንፍስ ኮኒንዎ ዝጸንሐ ነብሲ፡ ብእከይ መደባቱ ክድብስ፡ ብፍላይ ከኣ ንወለዶ ናጽነት መንእሰይ ኤርትራ ሞያ ዘይብሉ፡ ሰሪሑ ሂወቱ ክመርሕ ዘይክእል፡ ቀጺሉ ነተን ብባዕዳውያን ዝተተኸላ፡ ቀዳሞት ወለዲ ተዋፊሮሙለን ደቆ ም ዘዕበይለን፡ ማለት ንክንደይ ጀጋኑን ምሁራትን ኤርትራውያን ዘዕበያ ፋብሪካታት ኤርትራ፡ ከም ፋብሪካ መረንጊ፡ ፋብሪካ ዓለባ፡ ሕርሻ ጡጥ ዓሊግድር፡ ብዓለም ዝተፈልጣ ውሩያት ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ካልኦት ዘይተጠቕሳ ሞይተን ኣበይ ኣለዋ፡ ዝብል ብሓቂ ዘድንጹ ዘይሰምዐ ክህሉ ኣይክእልን።

መላኺ ስርዓት ጃንዳ ህግዲፍ ብዜጋታት ደቂ ሃገር፡ ብብዝቀረቡን ዝረሓቁን ፈተውትን መሓዙትን ብሕመታ ዘይኮነ ብጭቡጥ ምኽንያታት ዝጥርጠርን ዝኽሰስን፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኤርትራ ንነጻነታ ዝኸፈለቶ ዋጋ ንኸረሳስዕ ትሕቲ መሬት ክቀብር ዝፍትን፡ ጉዳይ ህዝብን ኤርትራ ኣወንዚፉ ብዛዕባ ጉዳይ ኢትዮጵያ የገስደናን የሻቕለናን’ዩ እንዳበለ ከዛርብ፡ ወላ’ውን ንፖለቲካ እንዶ ዘይብሎምን ዘይፈልጡ ዘደንጹ’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሎሚ ወዲቃትሉ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ ዝተፈጸመ ጌጋታት ብዝለዓለ ሓላፍነት ዝሕተተሉ ክነሱ፡ ክሕብኣሎም ዝፍትን ምስምሳት ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም፡ ይኹን’ምበር እዚ ምስምሳት ፈራስን ምስጢር ዕዳን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ብሓይሊ ብኣስገዳድ ብሓይሊ ጸጥታን፡ ሃገራዊ ድሕነት ብውሑዳት ብዝፍጸም ግፍዕታት፡ ንህዝቢ ድምጹ ዓፊኑ ድሌቱን ባህጉን ክውን ከይገብር ዓሚጹን ዓምጺጹን ብሓይሊ ንኸእምን ለይትን መዓልትን ዝጸናጸን ስርዓት’ዩ። ውጽኢት ስርሓት 27 ዓመት ከኣ ኣብ’ዚ ግፍዒ ዝተሰረተን ዝበቆለን ዝተሓንጸጸን መደባት’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሰላም እንዳበለ ሰላም ዘይደሊ፡ ራሕዋን ዕብየትን እንዳበለ ኣንጻር ድሌትን ባሕግን ህዝቢ ዝሰርሕን፡ ንእከይ ተግባራት ዘተባብዕ፡ ህዝቢ ንምፍልላይ ቀዳማይ ዝሰራዕ፡ ምስ ህዝቡን መሓዙትን ተነጺሉ ዝነብር ስርዓት’ዩ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ብምፍርራሕ ዘሕለፎ ውሳኔ ህዝቢ እንተተቀበሎ’ውን፡ ህዝቢ ንስለ ዝተቀበሎ ጥራሕ ብውሳኔኡ ተጠራጢሩ ዝሰግእ ስርዓት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መለኽቲ ስርዓታት ዝመሓደር ህዝቢ ብምዃኑን እሞ ከኣ ልዑል ተጸዋርነት ትዕግስትን ብምርኣዩ ንገዛእ ርእሱ፡ ተመሊሱ ነቲ ስርዓት ዝሳቕዮ፡ ዘሻቅሎ ዓብይ ጉዳይ ስልጣን’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ መላኺ ስርዓት ኣብ ውሳኔኡ ዘይቀውምን ዘይተእማመንን። ንደገፍቱ ዘሳቒ፡ ወዮ ደኣ ሎሚ ክንደይ ከይህሉው’ምበር ንባዕሉ ተጋግዩ ንደገፍቱ ዘጋጊ ስርዓት’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ሜዳ ንግስተ ሳባ ይኹ፡ ባሕቲ መስከረም ህዝቢ መሓዙት ኣኺቡ  ሓይልና፡ዕብየትና፡ ስልጣነና፡ ልምዓትና፡ ሃብትና፡ ህንጸት ሃገርና ኩለንተናዊ መደባና ንህዝቢ ዓለም ክልተ ግዜ ከነዛርቦም’ና ይብል ከም ዘይነበረ፡ ሎሚ ኤርትራ ባዶ ከም ዝኾነት መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ከይሓፈረ ባዕሉ ብቃሉ መስኪሩ። ሓሳውን ሰራቕን ደፋር’ዩ ከም ዝበሃል ከምኡ’ዩ። ብመንጽ’ዚ እከይ ተግባራትን ስርሒታትን፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት እቲ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና፡ ተቃዋሚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መላኺ ስርዓት ክርከብ ዝኽእል ውጽኢት ባዶ ምንባሩ’ዩ ክምስክር ዝጸንሑ።

እዚ ኣበሃህላታት ግን ክልተ ዝተፈላልየ ዕላም ነይርዎ፡ ደምበ ተቃውሞ ሃገር ንጸድፊ ተምርሕ ከም ዘላ ኩነታት ኣንቢቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብእዋኑ ክለዓል፡ ክሕይል ክውድብ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክዕጠቕ፡ ብሓድነቱ ክሕይል ዝግበር ጸዋዒት ክኸውን እንከሎ፡ መላኺ ስርዓት ግን ካብ\ቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት ንምህዳም ብሰንኪ ባዕሉ ዝጀመሮ ዶባዊ ኵናት፡ ምኽንያት ብምቅራብ ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሐ ነገር የልቦን ክብልን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ብዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣቢልካ ክርከብ ዝኽእል ረብሓ ውልቃዊ ስልጣኑ ንምሕያል ዝተእሳሰረ ዝብሎ ምዃኑ’ዩ። እወ፡ ካብ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሕቶ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ክሃድም፡ ኮነ’ሉ ንዝፈጸሞ ዕንወት ብሰንኪ ስእነት ዓቕምን ክእለትን ሰባት ከም ዘይተሰርሐን ዘይተተግበረን ንምግላጹ ፈተነታት ኣካይዱ። መወዳእትኡ ግን እንታይ ንምባል ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ከም ትማሊ፡ ሓድነትካ ኣደልዲልካ፡ ውዳበኻ ኣሐይልካ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ብሓባር ጠጠው ምባል፡ ጸዋዒት ዘድልየካ ኣይኮነን። ድሮ ዝሰራሕካዮም ህዝባውን ሃገራውን ታሪኽ፡ ዝተለምካዮም መደባት ውጽኢት ከርእዩን፡ ንመላኺ ስርዓትን ደገፍቱን ከርዕዶ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ’ቲ ካልኣይ መድረኽ መደብ ቃልሲ ጉዕዞ ህዝቢ ከኣ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ክትስዕሮን፡ መተካእትኡ ከኣ ብሕግን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላም ህዝባዊ ምምሕዳር ንምትካል ዝተረፈ ግዜ ሓጺር ምዃኑ፡ ባዕልኻ ትምስክሮ ዘሎኻ’ዩ። እሞ ሳቮያ ኢልካ ኢድ ኒድ ተታሓዚካ፡ ብሓብር ተሊምካ ዕምሪ ስርዓት ህግዲፍ ከኽትም ዘዛሚ ዕዮ ዓወት ብሓብር ንቅሎ ምእዋጅ’ዩ።

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ው.ሓ.ዲ.ለ

28 ለካቲት 2020      

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.