ሓያል ሓድነት ንምርግጋጽ፡ ሓይሊ የድሊ

ሓያል ሓድነት ንምርግጋጽ ሓይሊ የድሊ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ተበታቲኑ፡ ንሓደ ዕላማ እንተጨርሐ፡ ኣብ ሓደ ከስምሮ ዝኽእል ውሳኔ እንተዘይብሉ ሓይሊ የብሉን ማለት’ዩ። ሓድነት እንዳበለ እንተጨርሐ’ውን ብዘይተግባራዊ መስርሕ ክዕወት ኣይክእልን።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢና ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ናብራ ሂወት ንምጥጣሕ ንምምዕርራይ ወትሩ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ዘድልዮ ዕማም ብምትሕግጋዝ ዝፍጽምዎ ስርሓት የዘውትሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብወፈራ ዝፍለጥ ውሩይ ሓባራዊ ስራሓት ደቂ ዓዲ ክሳብ ኣብ ሕጊ እንዳባ ዝሰፈረ መምርሕን ስነ ስርዓትን ኣኽብሮትን ዘለዎ ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ኣቦታት ኣደታት፡ ሽማግለታት ሙሉእ ዓዲ ዝሳተፎ ኩሉ በብዓቕሙ ዘበርክተሉ ወግዒ ሰናይ ባህሊ’ዩ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዝተፈላልየ ከባቢ፡ ወፈራ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ባይቶ ይኹን ውራይ ካልእ ብብዝሒ ህዝቢ ዝርከበሉ ቦታ ይንገር’ሞ፡ ኩሎም ግዱሳት ንዝተመደበ ስርሓት (ወፈራ)፡ ዘድሊ ናውቲ (ናይ ውልቆም ናውቲ) ሒዞም ይወፍሩ። እቲ ስራሕ ማሕረስ፡ ዓጺድ፡ መኸዳ፡ ህድሞ ምህዳም፡ ኣብ መርዓ ኮነ ሓዘን ንጽጉማት ደቂ ዓዲ ንምሕጋዝ ዝዓለመ መደብ ክኸውን ይኽእል፡ ካልእ ንሙሉ ዓዲ ዝምልከት ጉዳያት ከኣ ከም ዒላ፡ ሓጽቢ ምድራት ማይ ይኹን ንዓዲ ዘእቱ መንገዲ ምጽራግ ምትዕርራይ ዝተመሳሰለ ስርሓት ብሓባራዊ ወፈራ ይካየድ።
እዚ ወፈራ ተባሂሉ ዝካየድ ስርሓት ቀንዲ ሃብታም ባህሊ መርኣያ ሓባራዊ ስርሓት ህዝብና፡ ከይዱ ከይዱ መሰረት ሓድነቱ ዝገልጽ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክሳብ ብደረጃ ሃገር ዝግለጽ ወፈራ ኤርትራውያን ዝተመስከረሉ፡ ኣብ ሕጊ ዝሰፈረን ንፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝመለሰ ሕቶ ኮይኑ’ዩ። ብረታዊ ተጋድሎና ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ዘካየዶ ቃልሲ ዓብይ ታሪኻዊ ሃገራዊ ወፈራ’ዩ ነይሩ ክበሃል ዘይከኣል ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ጉዳይ ከኣ ዓብይ ንእሽቶ፡ ኣደ ኣቦ፡ ዓሌት፡ሃይማኖት፡ጾታ ኣፈላልይ ብዘይብሉ ተሳቲፉ መስዋእቲ ከፊሉ።
ሓድነት ሓይሊ’ዩ ኢልና’ኳ እንተጨራሕና፡ሓድነት ንምምጻእ ከኣ ሓይሊ የድሊ። ሓድነት ምድላይን፡ ሓድነት ንምርግጋጽ ዝኸፈል ዋጋ ኣብ ሓደ ባይታ እንተመጹ ከኣ፡ እቲ ንምዮን ንደልዮን ሓድነት ይረጋገጽ። ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ሓደ ኣብነት ኣሎ፡ ብሕድሪ’ቲ ንሙሉእ ዓዲ ወፈራ ዘጸውዕ ምኽንያታት ገዲፍና፡ ህድሞ ንምስራሕ ይኹን ግራት ንምስራሕ ወፈራ ዓዲ ክበሃል ኩሉ ዘድሊ ናውቲ ሒዙ ኣብ’ቲ ደቂ ዓዲ ክርከቡ ዝተሓበርሉ ቦታ ዝመጽእ እቲ ድሌትን ሓይልን ዘለዎ’ዩ። እቲ ሓይሊ ግን ብጉልበት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብምኽሪ ብጸሎት ዘሎ ዓቕሚ ዝዋፈር ምንጪ ሓይሊ’ዩ። ነዚ ከኣ ነቲ ወፈራ ብዓወት ክዛዘም ብውሽጣዊ ሓይሊ ዝተበገሰ፡ ዘርኢ ሓያል ሓድነታዊ ስርሓት’ዩ።
እወ፡ ከም’ቲ ንወፈራ ዝዋደድ ሓይሊ፡ ሓድነት ሓይሊ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓድነት ንምርግጋጽ ከኣ ሓይሊ ተበግሶ፡ ተወፋይነት፡ ሕድገት፡ ብሓባር ምስራሕ ባህሊ ምዝውታር ቀዳምነት ክሕሰበሉ ዘለዎ፡ ኣቦሓጎታትና ኣቦታትናን ዝተዓወትሉ ታሪኽ፡ ሎሚ ከኣ ምስ’ዚ ምዕቡል ግዜ ብምልዛብ ብምስምማዕ ነገራት ብምትዕርራይ ወፍሪ ህዝባዊ ሃገራዊ ድሕነት የድሊ ኣሎ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ ሓድነት ሓይሊ ዝብል ራእይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ’ቲ ሃገራዊ ሓድነታዊ ሓይሊ ባይታ ንምብጻሕ ሓይሊ ክንድልብ፡ ሓሳባትና ከነወሃህድ የድልየና።
ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኩሉ መዳያት ምሕድራ ዝፈሸለ፡ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና፡ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካል ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ዘድልዮ ኣብ ሓድነት ዝተሞርኮሰ ንቅሓት ፖለቲካዊ ዕጥቂ ሓያል ሓድነት ንምምስራት፡ ሓይሊ ዘድልዮ ምዃኑ ምእማንን፡ ይዕበ ይንኣስ ዝሓዘ ሒዙ ዓቕሙን ክእለቱ ኣዋሂዱ፡ድልውነቱ ምርግጋጽ ከኣ ግዜ ይጠልብ ኣሎ።
ካብ ዓሚ ሎሚ ከም ዝበሃል፡ ደላይ ፍትሒ ህዝብና በዚ እዋን ዝኸዶ ዘሎ መስመር ቃልሲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ እቲ ንወፈራ ዝዳሎ ዘሎ ውሽጣዊ ሓይሊ፡ ጽባሕ ኣብ ሓያል ሃገራዊ ሓድነት ዝልወጥ ወይ ዝቕየር ውሽጣዊ ዕቍር ፖለቲካዊ ስርሒታት’ዩ።
ዘይተወደብ ህዝቢ ክዕወት ስለ ዘይክእል ከኣ፡ ኩሉ ብዝመስሎ ኣንጻር ህግዲፍ እንተ ወፊሩ፡ ከይዱ ከይዱ ነቲ ሃገራዊ ሓድነት ከረጋግጽ ስለ ዝኽእል፡ ካብ ምንጽጻግ ጸለመን ክስታትን ወጺእና፡ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ሃገራዊ ወፍሪ ንምዕዋት ምስራሕ ከዕውት ይኽእል። ምኽንያቱ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ስለ ዝኾነ። ቀዳማይ መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ነዚ ከኣ’ዩ እቲ ”ንሓይሊ ሓድነት ሓይሊ የድልዮ” ዝበልናዮ። ሓይሊ ምክብባር፡ ሓይሊ ምስማዕ፡ ሓይሊ ምዝታይ፡ ሓይሊ ብሓባር ምስራሕ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ካልኣይ ደረጃ ተበጺሑ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ዘተ ይርከብ፡ ህዝባዊ ምልዕዓላት ይኣክል፡ ሲቪካዊ ማሕበራት በብዘለዎ ሃገራት ተሰሪዑ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከም እሳተ ጎመራ ዝተፍኦ ዘሎ ሃልሃልታ ድሌት ክብሪ ልዕላውነት ሃገሩን መሰል ህዝቡ ምልክት ንሓይሊ ሓድነት ዘረገጸ ሓይሊ’ዩ።
ቀደም ሓዊ ተኣጕዱ ክትሞቆሉ፡ ቡርኵታ፡ ብእምኒ ሩባ ጸባ ኣብ ጓጉድ ከተፍልሓሉ ወዘተ ንፈልጥ እንተነበርና፡ ሎሚ ንባዕሉ ሓዊ ከምይ ኢሉ’ዩ ዘሙቆና፡ መግብና ዘብስለልና’ና ንክሓስብ፡ ምሁራትን ፈልጣትን ” ሓዊ ክፍጠር ካብ ሰልስተ ነገር ሓይሊ ዘድልዮ ምዃኑ ይሕብሩ’ሞ ”ሙቀት፡ኦክስጂን፡ፈሓም ወይ እንጸይቲ ” ይብሉ። ምእንቲ’ዚ ፋሓም በይኑ፡ ኦክስጂን በይኑ ወይ ሙቀት በይኑ ሓዊ ኮይኑ ከምውቅ ወይ መግቢ ከብስለሉ ከም ዘይንኽእል ይገልጹ። ምእንቲ’ዚ እዚ ሰልስተ ነገራት ነቲ ንጥቅምና ነውዕሎ ሓይሊ፡ ሓይሊ ከም ዘድልዮ’ዩ። እዚ ከኣ ሓቅነት ዘለዎ ኣብነታዊ መስርሕ’ዩ።
ኣብ ውሽጢ ደምበ ተዋሞ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና፡ ዓቕሚ ኣሎ፡ ክእለት ኣሎ፡ ድሌትን ተበግስቶታትን ኣሎ። እዚ ኩሉ ከኣ ብሓደ እንተደኣ ተሓባቢሩን፡ ብሓደ ወፊሩ፡ ነቲ ሓይሊ ሓድነት ዘረጋግጽ ሓይሊ ፈጢሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። በዚ መሰረት ከኣ ሎሚ ውድባት ማሕበራት ብዓብይ ዝጥመት ዘይኮነ፡ እቲ ንበይኑ ኮይኑ ኣብ ገዝኡ ዘዕዘምዝም ዘሎ ከይተረፈ ውልቀ ሰብ ሓይሊ ሓድነት ንምርግጋጽ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ከም’ዚ ሕጂ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ህዝባዊ ወፈራ ንሕጋዊ፡ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ክቅጽል ኣርሒቅና ምጥማት፡ ትዕግስቲ ዝሓተና እዋን ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ።
ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ይደልድል
ዜናን ሓበሬታን ው.ሓ.ዲ.ለ
1 መጋቢት 2020
You must be logged in to post a comment.