ብወርሒ ሕዳር 2003 ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ዘሕፍር ሓደጋ፡ ሎሚ ኸ ከመይ ይኸውን?

ብወርሒ ሕዳር 2003 ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ዘሕፍር ሓደጋ፡ ሎሚ ኸ ከመይ ይኸውን?
ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት ብፍላይ ድሕሪ ናዕቢ ተጋደልቲ መጋቢት 1993፡ ውጉኣት ሓርነት 11 ሓምለ 1994፡ ተደማሚሩ ዶባዊ ኵናት ቀዳማይ፡ ድሕሪ 18 መስከረም 2001 ከኣ ካልኣይ መድረኽ መላኺ ስርዓት ህጊድፍ ኣብ ህዝቡ ዝነበሮ ሓላፍነት፡ እንታይነት ልዕልነት ምልኪ ኣብ ኤርትራ ከም ዝነገሰ ንህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝተነጸረ ታሪኻዊ ምዕራፍ ነበረ።
ቀጺሉ ብተሞክሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝተራእየ ሓድሽ ሰናሪዮ ለበዳ ሕማም፡ ኣብ ሕዳር 2003 ካብ ኣውስትራልያ ንንግዲ ማለት ንዕዳጋ ንማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ከኣ ንሃገር ስዑድያ ንመሸጣ ዝተላእኻ ኣባጊዕ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንይታ ብሕማም ዝተለኸፋ ብምንባረን ስዑድ ዓረብያ ነተን ብዝሒ ዝነበረን ኣባጊዕ ከም ዘይትቅበለን ኣፍርሊጣ ከም ዝነበረት ዓለም ዝሰምዖ ኣብ ግዜኡ እዋናዊ ዜና ምንባሩ’ዩ። ድሕሪ ነቲ ውዕል መሸጣን ዕድግን ኣባጊዕ ምስ ተሰረዘ፡ እታ ሕሙማት ኣባጊዕ ጺዕና ዝነበረ መርከብ ንኣስታት 3 ወርሒ (70 መዓልቲ) ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ዓረብ ከም ዝጸንሐት ምስ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ኣየር ከኣ ኣብ መርከብ ተጻዒነን ዝነበራ እንስሳ ንክንዱኡ ዝኣክል ክጻወራ ብዘይምኽኣለን፡ ስርዓት ህግዲፍ ከም ሓላይ መሲሉ ኣብ ወደብ ባጽዕ ከም ዝቅበለን ንዓለም ኣፍሊጡ። ይኹን’ምበር ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹኑ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንዝነበሮ ሳዕቤናት ብምስትውዓል ብዝነበሮም ሻቅሎትን፡ ሞት ዘብጽሕ ለበዳ እንስሳ ኣብ ህዝብና ከውርዶ ዝክእል መጽነቲ ደቂ ሰባት ሓደጋ ብቀሊሉ ብምግማት ተቃውሞታቱ ኣርእዩ። ከም ዝተሻቀሎ ከኣ ብዙሓት ዜጋታት ግዳያት እዘን እንስሳ ኮይኖም ሓሊፎም እዮም።
ኣብ’ዚ ሕጂ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንዳዛየድ ዝመጽእ ዘሎ ሻቕሎትን ስግእታትን ምዕቡላት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ከይተረፈ ዝረኣየሉ ዘሎ ጠንቂ ተመሓላልፊ ቫረስ ኮሮና ንህዝቢ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከጋጥሞ ዝኽእል ዘይተኣደነ ጸገማት ምስ’ቲ ሰንኮፍ ምሕደራ መላኺ ስርዓት ንምክልኻሉ ዝግበር ምድላዋት ተስፋ ዘይብሉ፡ ቀረብ መድሃኒትን ሕጽረት ጥራሕ ዘይኮነ ሸለልትነት ከም ዘሎ ንምግማት ዘሸግር ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 መጀመሪያ ዓመት 2020 ኣብ ሃገር ቻይና ዝተጋህደ ሓደገኛ ተመሓላልፊ ሕማም ኮሮና ዝተባህለ ቫይረስ ንዝምልከት’ዩ። ሎሚ ሎሚስ ሰብ ሞያ ክሳብ 7 ዓይነት ዝበጽሑ ዝተፈላልዩ ኮሮና ቫይረስ ከም ዘለዉ ይሕበሩ። እሞ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝብና ማይ ኣጽሚኡ ከይኣኽሎ” ሰብ ማይ ናብ ዘለዎ’ምበር ማይ ሰብ ናብ ዘለዎ ኣይመጽእን’ዩ” ዝበሎ፡ ሕጂ ኸ መድሃኒት ናብ ዘለዎ ኪዱ ድዩ ክብልስ ወይ ሓላፍነቱ ክወስድ ? ምእንቲ’ዚ ኣብ’ዚ ፍሉይ ኩነታት ሓልዮት ህዝብና ክንዛረበሉ ግድነት ኮይኑ ንርእዮ።
ኣብ ሃገር ቻይና ዝተረኽበ ሓደጋታት፡ ሙሉእ ዓለም ንድሕነት ዜጋታቱ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ምክልኻልን፡ ብደረጃ መንግስትታት ተታሒዙ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኸ መን እዩ ሒዝሉ ዘሎ ዝብል ዓብይ ተወሳኺ እዋናዊ ሻቅሎትን ሕቶን’ዩ። ከም’ቲ ጠቅላሊ ሓላፊ ጥዕና ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝበሎ ” እዚ ዓይነት ሕማም ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጸላኢ ደቂ ሰባት ” ዘኸትሎ ከቢድ ዕንወታት ፍሉይ ጠመተ ክግበረሉ ዘለዎ ሕማም ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ።
ደጊም ንዝነቐጸት ጎረሮ መተርከሲ ማይ ዘይህብ፡ ንጸልማት ብርሃን ዝኽልክል፡ ሽማግለ ኣረጋውያን፡ ህጻናት ኣደታት ዘይናቢ ዘይጠውር ሓላፍነት ዘይወስድ፡ ህዝብና ብሕማም ተሳቕዩ ብስእነት መድሃኒት ተሳቕዩ፡ ነታ ብግዜ መግዛእቲ ብውሑዱ ኣብ ዝኾነ ዱኳን ትግዛእ ዝነበረት ከኒና ሕማም ርእሲ ኣስፕሪን ወይ ቫይናክ ገጹ ልምጽማጹ ጠፊኡ፡ ጓኖትን ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘዕንጋላ ዝነበራ ዕሙራት ቤት መሸጣ መድሃኒት ወይ ፋርማሲታት ኤርትራ ሎሚ ከብሕታተን ጥርሑ ተሪፉ፡ ብዘሕፍር ኩነታት መድሃኒት የብልናን እንዳበላ ንሕሙማትን ኣማዊለንን ካብ ኣፍደገአ ከፋንዋ ካብ ዝጅምራ ዓመታት ዘቁጸረ ተበጺሑ ዘሎ ኩሉ ዝምስክሮ ሓደገኛ ግዜ’ዩ።
ነዚ ብዝምልከት ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብናን ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝከኣሎ መንገዲ፡ ንፈተውትን መሓዙትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ሕብረተ ሰብ ዓለም ካብ ሕጂ ጀሚሩ ህዝብና ንምድሓን ሓገዝ ክርክበ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን ጭቆናን ግፍዕን ኣመልኪቱ ውሕስነት ምቁጽጻር ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ክግበረሉ፡ ብሰብ ሞያን ክኢላታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኩነታት ኣተሓሕዛ ክንክን ጥዕና ኣብ ኤርትራ መዘኻኸሪ ምሕጽንታ ክበጽሕ ህጹጽ ጉዳይ ዓብይ ኣቓልቦ ዘድሊዮ ምዃኑ ው.ሓ.ዲ.ለ መልእክቱ የመሓላልፍ።
ዜናን ሓበሬታን ው.ሓ.ዲ.ለ
2 መጋቢት 2020
You must be logged in to post a comment.