ራእይ ርሑቅን ቀረባን፡ ህዝባውን ሃገርውን ዕላማ፡ ክዕወት እንታይ ንግበር!

ራእይ ርሑቅን ቀረባን፡ ህዝባውን ሃገርውን ዕላማ፡ ክዕወት እንታይ ንግበር!

ራእይ ርሑቅን ቀረባን፡ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማ ክዕወት እንታይ ንግበር ዝብል ኣገዳስን እዋናውን፡ ዕቱብ ሃገራዊ ሕቶ’ዩ። እወ፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ካብ’ቲ እዋናዊ ህዝባውን ሃገራውን ሕቶታት ተነጻጺሉ ዝምለስ ኣይኮነን። ኣብ ሕቶ መጻኢ ራእይ ሃገራውያን ኤርትራውያን፡ ንሕቶ ህሉው ኩነታት’ውን ዝምልስ ኣብ ሓድነት ኣተሓሳስባ፡ፍትሓዊ ፡ ንሕሉፍ ተመክሮ ከም መፈላልዩ ነጥቢ ጸብጺቡ ዘይኮነ፡ ሕድገት ዝገብር ንዕርቅን ስኒት ሓይሉን ዓቕሙን ኣወሃሂዱ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ምምካት ኣማራጺ ዘይብሉ ኣገባብ ቃልሲ ንምሕያል ምጽዓር’ዩ።

ኣብ ደምበ ተቃውሞ ሓይልታት ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝተፈተነ’ኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ግን ንቅድም ከሰጕሞ ዘየኽኣሎ ብተሞክሮ ብዙሕ ክዝረብ ይኽእል። ሎሚ ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሓለፈ ተሞክሮታቱ ከም ዘይስርሖ ርእዩ፡ ንሓድሽ ትስፉው መድረኽ ንኽሰጋገር፡ ራእይ ቀረባን ርሕቅን፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ዕላማ ንምዕዋት መደባት ተሊሙ፡ ኣብ ምዝርራብን ምዝታይን ይቀራረብ ኣሎ። ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተራኺብካ ምዝታይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ከዕውቶም መዲቡ ዘሎ ዕላማታት፡ ኣብ’ቲ ክኸዶ ዝግብኦ ኣንፈት ኣገባብ ቃልሲ ትልምታቱ ሓንጺጹ ግብረ መልሲ ክህበሉ ኣብ ስርሓት ተጸሚዱ ይርከብ።

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝካየድ ቃልሲ ክህሉ ዝኽእል ዕድልን ባይታን ካብ ግዜ ንግዜ እንዳጸበብ እምበር እንዳሰፍሐ ኣይመጸን። ኣብ ገገለ እዋን’ውን ኣማራጺታት ዘይርከበሉ ዝሓለፈን ዝሓልፍን ዘሎ ጽንኩር መድረኽ ብምግንዛብ ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ተርእዮ ንምፍዋስ፡ ነታ ንመጨረሻ ግዜ ግን ከኣ ነባሪት ሽግ ሓርነት ንክትበርህ ተበጊስሉ ዘሎ ዕላማ ህዝቢ ክድግፎን ክስዕቦን ክዓስሎን ይግባእ።

ብውሳኔ ደረጃ ንበጽሖ ራእይ ህዝባውን ሃገራዊ ዕላማታት ከይትከፍን፡ ከይጎደል ኣብ ዝተፈላልየ መዳይ ንዝርኣዩ ጉድለታት ንራእይ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማታት ዘይመጣጠኑ፡ ብደረጅኦም ክፍትሑ ምጽዓር’ምበር፡ ልዕሊ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማታት ሰሪዕኻን፡ ወይ ማዕሪኡ ክረኣዩ ከም ዝኽእሉ ኣምሲልካ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝኸይድ ዘሎ ሃሳይን ኣሉታዊ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል’ዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ዝኽየድ ዘሎ ዓብይ ሃገራዊ ስርሓት ክንዲ ቀዳምነት ምሃብን ምሕያሉን ፡ ተደላይነት ኣብ ዘይብሉ ኣቃልቦ ህዝብና ካብ ዕላማታቱ ዘግልል ዘጠራጥርን ምግባር፡ ክፈጥሮ ዝኽእል ሻቅሎት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላልየ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ቃልሲ ምስ’ቲ ቦታዊ ኩነታት ዝገዝኦ ኮይኑ፡ ነቶም ዝቀርቡ ሕቶታት” ርእይቶታት ብደረጅኦም፡ ብኣገባቦም፡ ብህድኣትን ዓቕልን፡ ነቲ ዓብይ ራእይ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማታት፡ ኣብ ስግኣትን ሻቅሎትን ሓደጋን ብዘየወርድ ንምፍትሑ ምቅላስ ምጽዓር ይግባእ።

ው.ሓ.ዲ.ለ ኣብ’ዚ እዋን ገገለ ጀሚሩ፡ ገገለን ከኣ ነዊሕ ኸይዱ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ከኣ በቲ ካልእ ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድናታት፡ ዝዋፈር ስርሓት ሽትኡ በጺሑ ንክዕወት ክሕገዝ፡ ክድገፍ ዝግባእ’ምበር፡ ንብልሒ ናህሪ ቃልሲ ዘጉድም ዘባኵር ኮይኑ ክቀርብ ኣይግባእን። ዘንቀልናዮ ህዝባዊ ቃልሲ ክዕወት ኣብ ደምበ ተቃውሞ ብምክብባር፡ ብሓይልዮት፡ ብምትሕግጋዝ ምቅርራብ’ምበር፡ ኣብ መስርሕ ክዕረዩን ክስተኻኸሉን ዝኽእል ሕቶታት ከም ኣውራ ቀለስትን ወሰንትን ሕቶ ጌርካ ብምቅራብ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕበናት ብምርዳእ ህዝብና ክነቅሓሎም ከስተውዕለሎም ይግባእ።

ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንደምበ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብቀሊሉ ክጸሉን ካብ መስመሩ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ክልተ ዓይነት ፈተነታት ኣለዉ። ብፍላይ ከኣ መራሒቲ ጎረባብቲ ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራ ንዝብልዎ መርገጽ ንክውሰደሉ ዘይተኣደነ ግዜ ዘህልኽ ክትዓት ክካየድ ዝግበር ጻዕሪ’ዩ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ ከኣ ንዝህብና ካብ’ቲ ቀንዲ ዕላምኡ ክስሕቦም ኣቃልቦኡ ከጉድሎን ይኽእል።

ብርእይቶ ውሓዲለ ሓያል መርገጽ ክውሰደሉ ክግበር ዝግብኦ ጻዕርታት ኣብ’ቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ዕላማታት’ዩ፡ እዚ መርገጽ ህዝቢ እንተሓይሉን ዓዅኹን ከኣ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝበሃልን ዝግበር ወስታት ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ርዱእ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ህዝብና ሓያል ጎኑ ኣለልዩ ብዝመጸ ይምጻእ ክንውንዎ ኣብ ዘይክእል ፖለቲካዊ ዕላማ ክጸንዕ ይግባእ። እዚ ዝኸይድ ዘሎ ዘተታት፡ ምትእኽኻብ ንድሌት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከኣ ገጹ ክመርሓና ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነት ክወስደሉ ይግባእ።

ሕቶታት ኣይተሓተቱ፡ ርእይቶ ሓሳባት ኣይቅረቡ ማለት ግን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ዝቀርቡ ዘለዉ ሕቶታት፡ ርእይቶታት፡ ሓሳባት ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ክሕግዙ ይኽእሉ ድዮም፡ እዚ ቦታዊ ሕቶታት ወይ ሓሳባት ኣበይን ብኸመይን’ዩ ክፍታሕ ዘለዎን ምርኣይን ምሕሳብ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ክንዐወት’ና

ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ

14 መጋቢት 2020       

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.