ኮሮና ቫይረስ ንቃልሲ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ይገትኦ ዶ ?

ኮሮና ቫይረስ ንቃልሲ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ይገትኦ ዶ ?
ኮሮና ቫይረስ ኣብ’ዚ ንነብረሉ ዘለና መዋእል ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ተመሓላልፊ ሕማም፡ ኣብ መላእ ዓለምና ኣለዉ ዝበሃሉ ሕክምናዊ ትካላትን ሞያውያን ዝዛረብሉ ዘለዉን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ከኣ ኤርትራውያን ንሓድሕድ ብኸመይ ንከላኸሎ ሓልዮት ዝመልኦ ምኽሪ ክዝርጋሕ ንርእዮ ዘለና ተወሳኺ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን። ምስ’ዚ ኩሉ ዘጋጥም ዘሎ ኣህጉራዊ ጸገማት፡ ንዝጭፍለቕን ዝጭቆንን ዘሎ ህዛቢ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ዝተመደበ ዋዕላታት ኣኼባታት ክስረዝ ይግባእ ዶ? ክውንዘብፍ ይግባእ ዶ? ዝብል ሕቶታት ብክልተ መልክዕ ክምለስ ይከኣል።
ቀዳማይ ን29 ዓመታት ንህዝቢ ዝድሃኸ መልኣከ ሞት ስርዓት ህግደፍ እንዳረኣካ፡ እንዳሰማዕካ ካብ ካልኣይ ሞት ምህዳም ንረብሓ መን’ዩ ዝድምደም ከም ዝኽእል ምፍላጥ ዘገድስ’ዩ። ካልኣይ ኣብ ኣዳራሽ ተኣኪብካ ዝካየድ ዝነበረ መኽተ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ካልእ መልክዕ፡ ኣገባብ ርክብ ክሕዝን፡ ዝድምናታት ዘተን ምርድዳእን ክቅጽል ዘኽእል ሜላ ብምፍጣር፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ 10-15 ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት Paltalk ክካየድ ዝጸንሐ ውዕውዕ ክትዓት፡ ሕጂ’ውን ከም መተካእታ ንኣካላዊ ርክባት ዋዕላን ኮንፈረንስ ደለይቲ ፍትሒ ብመተካእታ ንኽካይድ ዝኽልክል ተክኒካዊ ጸገማት ስለ ዘየልቦ ንምልካዊ ስርዓት ትንፋስ ዝህብ ክፍተት ግዜ ክንፈጥር ኣይግባእን።
ኣብዝ’ኢ ጉዳይ ከም ዓብይ ኣብነታዊ ተሞክሮ ተበግሶ ኣማኒኤል ዳዋ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዝተባርዐ ህዝባዊ ናዕቢ ክጥቀስ ዝኽእል፡ ኣብ ድሌት ዝተመርኮሰ፡ ህዝባዊ ንቅሎ ዓጋቲ ዘይብሉ ምኳኑ ዘርድእ’ዩ። ሕጂ’ውን ነዚ ኣገባብ ተኸቲልካ ኣብ’ዚ ጽንኩር ኩነታት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ምቅላስ ይከኣል’ዩ።
ብልክዕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ብዝለዓለ ዓቕሙ ብዝፍቅዶ ብዛዕባ ጥዕንኡ ክግደስን ዝረኽቦ ምኽሪ ብግብሪ ከሰንዮ ንህላውነቱ ክከላኸልን፡ ብድሕሪ ድሕነቱ ከኣ ድሕነት ህዝቡ፡ ድሕነት’ቲ ሓበሬታን፡ ድሕነት ክንክን ጥዕና ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ፡ በቲ ዘለዎ ዓቕም ተኽእሎን ዕድልን፡ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ክምጕት፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ምስ ጸሓየ ከኣ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ንቡር ተቃውሞ ክቅጽለሉ ዘክእል ዕድል ክፈጥር ይግባእ።
ሎሚ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ክንእከብ ኣይንኽእልን፡ ሓቂ’ዩ፡ ግን ከኣ ብኣካል ደኣ ኣይንራኸብ’ምበር ብዝተፈላልየ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ዕድል ምብጥቃም ህዝብና፡ ነቲ ኣካላዊ ርክባት መተካእታ ኣማራጺ ክረኽበሉ ክባላሓት ይግባእ። እዚ መተካእታ ርክባት ኣሎ ድዩ ኸ? እወ ኣሎ። ኩሎም ቅሩብነት ዘለዎም ንዝተመደበ ኣኼባታትን ዋዕላን ኣብ ግዜኡ ንኽትግበር ዘኽእሎ መዳያት ኩሉ ፈተነ ክፍትሽ ይግባእ።
እዚ ብኮሮና ቫይረስ ዝተላዕለ ኣርእስቲ ኣብ ሕልና ወይ ፖለቲካዊ መደብ ሰሪዕኻ ክትዛረበሉ ዘይሞራላዊ፡ ወይ ዘይሰብኣዊ ኮይኑ ክረአ ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ። ይኹን’ምበር እቲ ንነብረሉ ዘለና ዓለም ኣብ ፖለቲካዊ፡ ኤኮኖምያዊ፡ ድምር ካልእ ዲፕሎማስያውን ማሕበራውን ጉዳያት ዘዛርብ ዘሎ ብምዃኑ ካብ መስመር ዝወጸ ኣርእቲ’ውን ኣይኮነን፡ ይኹን’ምበር ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንነካይዶ ቃልሲ፡ ካብ ሞት ዘይሓልፍ ሞት፡ ካብ ኣህጉራዊ ጠመተ ፍታሕ ወጻኢ ዘይኮነ ፍታሕ ንህዝብና ክንረክበሉ መንገዲ ወይ ኣማራጺ ምንዳይ፡ ክንዕገትን፡ ክንዕቀፍን፡ ጠጠው ክንብልን ዝግባእ ኣይኮነን።
በቲ ብሞያውያን፡ ናይ ሕክምና ኪኢላታት ዝወሃብ ዘሎ ምኽሪ ተቀቢልና፡ ኣብ ቤትና ኮይና፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ርክባትና ክንቅጽል ግን ዝኽልክል ኣይመስልን። ሎሚ ሎሚስ ዋላ እቶም ሞያውያን ናይ ሕልምን ክኢላታትው’ን እንተኾነ ዝሕልፍዎ ዘለዉ መልእክትስ ካብ እዋናዊ ሓደጋ ዝረሓቐ ኣብ በይቶም ወይ ቤት ጽሕፈቶም ኮይኖም’ዮም። ምእንቲ’ዚ ከኣ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክንቃለስ ዝእግደናን ዝኽልክለናን ኣይኮነን።
ኣብ’ዚ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ህዝብና ክረአ ዝኽእል ዘሎ ሻቕሎት ንምህዳእ፡ ምኽሪ ንዘድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ሽማግለታትን ህጻናትን ብዓቕምና ዘፍቅዶ ክንሕግዝ ይግባእ። ብዓብዩ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ጸላም ምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝነብር ህዝብና ተስፋ ንምሃብ ኣዘውቲርና መልእክትና ብምኽሪ ከነመሓላልፍ ክንበቕዕ ተክእሎ ሕልና ከነዕቢ ይግባእ።
ዝቃለስ ይዕወት
ዜናን ሓበሬታን ው.ሓ.ዲ.ለ
14 መጋቢት 2020
You must be logged in to post a comment.