ወፍሪ ድሕነት ኤርትራውያን ዋሽንግቶን ዲ ዶ ወይስ፡ ሓደገኛ ወፍሪ ርእሰማል ህግዲፍ ኣብ ሽወደን

ወፍሪ ድሕነት ኤርትራውያን ዋሽንግቶን ዲ ዶ ወይስ፡ ሓደገኛ ወፍሪ ርእሰማል ህግዲፍ ኣብ ሽወደን
ዘሕዝን ዘስደመም ተርኽቦስርሓት ተልእኾ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሰሚናራት ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ወፍሪ ርእሰ ማል ኤርትራውያን ኣብ ማዕበል ኮሮና ቫይረስ ።
ንርከበሉ ዘለና እዋን ብሰንኪ ዘስካሕክሕ ደቂ ሰባት ዘጽንት ዘሎ ተመሓላላፊ ለበዳ ሕማም ካብ ምብራቕ ንምዕራብ፡ ሰሜን ንደቡብ፡ ንመላእ ኣህጉራዊ ሕብረት ዓለም ንምንባር ኣብ ስግኣት ኣብጺሕዎ ዝረአ ዘተሓሳስብ ዘጨንቅ ኮሮና ቫይረስ፡ ምዕቡላት ይኹና፡ድኻታት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዘጋጠመ ሓደገኛ ኩነታትን ንምድሓኑ ዝካየድ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጻዕሪ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝዝርጋሕ ዘሎ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ብቀሊሉ ክረአን ክስማዕን ክንበብን ዝኽእል፡ ኣብ ህዝባዊ ክንክን ጥዕናን መከላኸልን፡ ማሕበራዊ ዝድምናታት፡ ማሕበራዊ ጸጥታውን ውሕስነት ዘትከለ፡ ንድሕነት ኣህዛብን ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣደነ ጻዕሪ መንግስታት፡ መራሕቲ ሃገራት፡ ሽማግለታት ዓዲ፡ ሞያውያን ጥዕናን ስነ ኣእምሮን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ለይትን መዓልትን ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ።
ኮሮና ቫይረስ ኣብ ህዝቢ ዘኸትሎ ዘሎ ጉድኣት ብስክፍታትን ሻቕሎትን ጥራሕ ዝሕለፍ ዘይኮነ ዘይኮነስ ገዲፍዎ ዝሓልፍ ዘሎ ሓደገኛ ሳዕቤናት ንምስክሮ ዘለና’ዩ። ኣብ’ዚ ህሉው ተርኽቦ ኣህዛብ ዝናወጸሉ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝመጽእ ሓሳብ ከመይ ገቢሩ ንድሕነት ነፍሱን ስድራ ቤቱን ወገኑን ከባቢኡን ይዋሳእ ዝብል’ዩ። በዚ ካብ ነፍስኻን ስድራ ቤትካን ከባቢኻን ዝጅምር ኣትኵሮን ምሕሳብን ከኣ ቀዳማይን ቀንድን ተገዳስነት ድሕነት’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣካል ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ደቁ፡ ዉልዱ ኣብ’ዘን ሎሚ በዚ ለበዳ ሕማም ሓደጋ ወሪድወን ኣብ ዓብይ ሓደጋ ዝርከባ ሃገራት ነባሪ ብምዃኑ፡ በብዝነብረሉ ዘሎ ሃገራት፡ ይጠቕም’ዩ ንዝበሎ ንዝሰምዖ ሓበሬታታት ንህዝቡ ከካፍልን ንጡፍ ግደታት ይጻወት ኣሎ። እዚ ከኣ ሰብኣዊ፡ ሓልዮት፡ ሓላፍነት ዘለዎ ኣተሓሳስባን ተግባራትን’ዩ።
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣረኣያን ሓሳብን ብዘይፍለ ኣገባብ፡ ንድሕነት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ምኽሪ ክቅበልን ከመሓላልፍን ግድነት’ዩ። በቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝመሓላለፍ ዘሎ ኣገዳሲ ሓበሬታት ከኣ ብቀጻልነት ክስርሓሉን ክጉስጎሰሉን ክተባባዕ ዘለዎ’ዩ። ሎሚ ውድባዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘይኮነስ መባእታዊ ንድሕነት ህዝቢ፡ ክዝረበሉ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ንበይኖም ዝነብሩ ሽማግለታት ይኹን መንእሰያት፡ ሕሙማት ይኹኑ ጽጉማት፡ ብስልኪ ደዊልና ከንዘራርቦምን ዝከኣለና ደገፋት ክንገብርን ኣብ’ዚ ጽንኩር እዋን ሓድሕድና ክንበረታታዕ ክንጸናናዕ ተስፋ ክንሰኵዕ ዘኽእለና ሓይሊ ክንውንን፡ እቲ ዝሓየለ ንዝደኸመ፡ ዝጠዓየ ንዝሓመመ፡ ተላፊና ነዛ ጽንክርቲ እዋን ክንሓልፋ፡ ኣብ ንቡር ሂወት ክንምለስ ብተስፋ ከነማዕዱ ዘይሕሰብ ኣይኮነን። ሎሚ ብደረጃ ሞያውያንን ክኢላታትን ዝግበር ገምጋማት፡ ሓደገኛ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ገና ኣብ’ቲ ብዝሒ ለበዳ ዝረኣየሉ ዘሎ ኩነታት ከም ዝርከብን፡ ካብ’ዚ ንምድሓን ከኣ ኩሉ ብዝወሃቦ መምርሒ ኣኽቢሩ፡ ነፍሱን ንካልኦትን ካብ ሓደጋ ከድሕን ክጽዕር ጸዋዒት ይግበረሉ ምህላዉ’ዩ።
ኣብ’ዚ ጽንኩር ኩነታት መስደመም ስርሓት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ደገፍቱ ኤርትራውያን http://www.shabait.com/news/local-news/30326-seminar-to-eritrean-nationals-abroad ብገገለ ፈላጣት ኢና ዝብሉ ልኡኻት ስርዓት ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ርእሰ ማላዊ ቁጠባዊ ወፍሪ ሰሚናራት ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ።
እዚ ኣብ ዘይግዜኡ ብዕለት 19 መጋቢት 2020 ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ሃገር ሽወደን ዝተኻየደ ሰሚናር ህግዲፍ ቅድሚ’ዚ ኩነታት ይኹን ድሕሪኡ ብዘየገድስ፡ ዘይሰብኣውን፡ ሰባት ዘይቅበልዎ ሕልና ኣልቦ ተግባራት ምዃኑ ምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ፡ ሚኒተር ጥዕና ብዕለት 16 መጋቢት ዘውጽኦ መግለጺ ማዕረ ማዕርኡ ብዕለት 17ን 18ን መጋቢት 2020 ኣማኢት ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባታት ኣብ ሰምሃር ማለት፡ ሰ/ቀ/ባ፡ ዞ/ማ ማለት ምምሕዳር ኣስመራ ዝተኻየደ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ብቀጻሊ ዝዝውተር ምህላው’ዩ። ሎሚ ብደረጃ ዓለም ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ መራኸቢ ዘይብለን ርሁቓት ቁሸት ዘለዉ ዝሰምዕዎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣለኹ ዝብል መላኺ ስርዓት ጸማም እዝኒ ምሃቡ ዝገርም’ዩ።
ንምዃኑ ኣብ’ቲ ብዕለት 16 መጋቢት 2020 ንኮሮና ቫይረስ ኣመልኪቱ ሚኒትሪ ጥዕና ህግዲፍ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ቅድሚ’ዚ ተርኽቦ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ወጻኢ ዝፈልዮ የብሉን። ህዝቢ ኣብ ግዜ ሰላም ካብ ቦታ ንቦታ ከይኸይድ ተኣጊዱን ተኸልኪሉን፡ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ብጉጅለ ወይ ተኣኪብካ ምዕላል ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ብምኳኑ ሓድሽ ኣይኮነን።
ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከኣ ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦ ብምኳኑ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥብቆ ጠውቕኹም፡ ዓለምን ደላይ ፍትሒ ህዝብናን እንታይ ይሓስብ ህግዲፍ እንታይ ይገብር ክትርድእዎ ትኽእሉ።
መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ድሕሪ 30 ዓመት ኣብ ህዝብና ዝገደፎ ስምብራት ኣካል ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። እዚ ዶ ዘይ’ዚ፡ ህዝቢ መላእ ዓለም ድምር ህዝቢ ኤርትራ ብሓደገኛ ተመሓላለፊ ሕማም ኮሮና ቫይረድስ ካብ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይሓይሽ እንዳበለ ተሸቍሪሩ ዝሓልፎ ዘሎ ግዜ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ተራእይዎ ሰናቲም ክምእርር ፕሮፌሰራት እንዳለኣኸ ንደገፍቱ “ ሎሚ እቲ ኣዝዩ ምእቹእ ዝኾነ ግዜ ቁጠባዊ ወፍሪ’ዩ “ ዶ ምበለ ?
ሎሚ ወፍሪ ኣንጻር ተመሓላልፊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ’ምበር፡ ወፍሪ ርእሰማል ወይ ገንዘብ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ሓቅ’ዩ። ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሞያውያን ሓኻይም ንመንግስታት ንዓመታት ዝዓቆርዎ ገንዘብ ንሕክምና ከዋፍርዎን፡ ኣደራዕ ህዝቢ ከቃልሉ ዝተፈላልየ ሞዴል መፍትሒ ሽግር ኣብ ምቅራብ ዝጓየይሉ ዘለው፡ ህግዲፍ ከኣ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ክምንጥል ክጓየይ ኣብ ምንጎ ማሕበራዊ ፍትሕን ምልክን ዘይውዳእ ግበታ ስልጣን ዘሎ ፍልልይ’ዩ።
ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና’ኳ ምኽሪ ዘይደልየሉ፡ ነፍሱን ነፍሲ ወገኑን ንምድሓን፡ ኣካል ድሕነት ኣህዛብ ዓለም ኮይኑ ክሰርሕን ክዋሳእን፡ ድሮ ከም’ቲ ኣብ ከባቢ ዋሽንግቶን ዲ ተጀሚሩን ተወሲዱን ዘሎ ተበግሶታት፡ ዘርእዮ ዘሎ ሃገራዊ ሓልዮት ዝመልኦ ቅዱስ ዕላማ ደኣ’ምበር ካልእስ ንህዝብና ይኹን ነቶም ኣዕቍቦምና ዘለዉ ህዝቢ ዝሕግዝ ሓገዝ ኣይኮነን።
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
22 መጋቢት 2020
You must be logged in to post a comment.